ናብ ዝኸበርኩም ኣቕሽሽትን: ፓስቶራትን: ድያቆናትን: አገልገልትን ምእመናንን አብ ወጻኢ ትርከቡ

Your browser may not support display of this image.ብቐዳምነት ብስም መድሓኒናን ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን። ቐጺለ አብ ትገብርዎ ኩሉ ስራሕኩም አሳልጦ ክህልወኩም ጸሎተይን ምንዮተይን እዩ። በዛ ሓጻር ደብዳቤ አምላኽ አብ ልበይ ዘስፈረለይ ሓሳባት ከካፍለኩም ከለኹ ካብ ሓልዮት ቤተ-ክርስትያንን ሃገርን ምዃኑ ክትግንዘቡለይ ይፈቱ።

ቕድሚ ገለ ዓመታት ሓደ ፓስቶር አብ ዝሰብከሉ ዝነበረ አነ ናብ ጎይታ መጺኤ። ካብታ ዕለት እትኣ ጉዕዞይ ምስ አምላኸይ ሓደ ዉርዙይን ኩቡሩን ዜጋ ክኽውን በቒዔ። በቲ ዝወሃበኒ ዝነበረ ትምህርቲ መጽሓፍ ቕዱስ ምስ ከባብየ ብሰላም: ንወደለደይ ብምኽባር: ንሃገረይ ብምፍቃር ክነብር ኪኢለ። ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን ምኽሪ ኣቕሽሽተይን ፈታዊ ፍትሒ ክኸውን አባራቲዖሙኒ። ንዝኾነ እኩይን ዘይፍትሓዊ ነገራትን ብንጹር ክቃወም እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝተኮስኮሰ ሕልናይ ይግድደኒ ነይሩ። እዚ ግና ናተይ ምስክር ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ኩሉ ኣማኒ እዩ። እቲ ነምልኾ ኣምላኽ ፍጹምን ፍትሓውን ስለ ዝኾነ፣ ከም ኣመንቲ መጠን ፍትሓውያን ክንከውን መጽሓፍ ቅዱስና ኣዳዕዲዑ ይምህረና። “ፍርዲ ኣይተቕንን፤ ገጽ ርኢኻ ኣይተዳሉ …” ኦሪት ዘዳግም 16፣19

ኣብ ሰብዓታት በቲ ደርጊ ዝገብሮ ዝነበረ ግፍዕታት ከም ኤርትራዊ ሕልናይ ስለ ዝተረበሸ ምስ ቀሸይን አገልገልቲ ናይ ቤተ-ክርስትያነይን ድሕሪ ምዝርራብ ናብ ሜዳ ወጺኤ ብሓደ ኢደይ መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ሓደ ኢደይ ክኣ ከላሽን ብምሓዝ ንናጽነት ሓገረይ አበርኪተ። ኣምላኽ አሞጉሱና ክኣ ኤርትራ ሃገርና ነጻ ኾይና። ብ1998 አብቲ አብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኸፍተ ናይ ዶብ ግርጭት: ንሃገረይ ክከላኸል ከም ኩሉ ኤርትራዊ ብዓልቲ ቤተይን ደቀይን ራሕሪሐ ከቲተ። ኣምላኽ ንክልቲኡ ህዝቢ ብምሕረት ዓይኒ ስለ ዝረኣየ ነቲ ህልቂት ጠጠው አቢልዎ። ድሕሪ እዚ ኹሉ፤ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ዕጫይ ኮይኑ ናብ ስደት አምሪሔ።

አብ ስደት ዝተጓነፈትኒ ሂወት ክርስትና ግና አይግድን። ነቲ ብግንቦት 2002 ናይ ቤተ-ክርስትያናት ምዕጻው ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተወስደ ስጉምቲ ንምቅዋምን ነቶም ብዘይ ገበን ዝተኣስሩ አመንቲ ንኽፍትሑን ዝጠልብ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ብምክፋለይ ፓስቶረይ ደስ አይበሎን። ገለ ዲያቆናት ናይ ቤተ-ክርስትያነይ ሓጥያት ከም ዝገበርኩ ገሰጹኒ። ገሊኦምውን ክርስትያን አብ ፖለቲካ ግደ ክህልዎ የብሉን እናበሉ ክምህሩኒ ጀመሩ። ንፍትሒኣቕሽሽትን: ፓስቶራትን: ድያቆናትን: አገልገልትን:ኣመንትን ዘይተጣበቑላ መንክጣበቐላእዩ?

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ንፍትሒ ዝተቓለሱ ብዙሓት እዮም። አስቴርን ማርዶካይን ንመሰል ህዝቦም ከም ዝተቓለሱ አብ መጽሓፍ አስቴር አስፊርዎ አሎ። ነህምያ ስቓይ ህዝቡ ከቃልል ነቲ ዝነበሮ ምቹእ ናብራ ራሕሪሑ ንህዝቡ ፍትሒ ዘምጸኤ ጻድቕ እዩ። ነብይ ናታን ንንጉስ ዳዊት ብድፍረት ነቲ ዝፈጸሞ ገበን ዓገብ እንተዘይብሎ፤ ንጉስ ዳዊት ካልእ ገበን ምስ ገበረ ነይሩ። ሎሚ ኤርትራ ተባዕ ከም ነቢይ ናታን የድልያ ኣሎ። አስቴርን: ማርዶካይንነህምያንነብይ ናታን ፈተውቲአምላኽንፍትሒንነይሮም። ልዕሊኹሉክኣጎይታናንመድሓኒናየሱስክርስቶስናብዓለምዝመጸንህዝቡፍትሒከምጽእእዩ። "... ንግፉዓትክኣምውጻእሓራክሰብኽ ..." ሉቃስ 4:18

ቤተ-ክርስትያናት ካብ ዝዕጸዋ ድሮ ሸውዓተ ዓመት ኮይኑ። ብኻልእ አዘራርባ አብ ሃገርና ቤተ-ክርስትያን ዘይፈልጥ ወለዶ ይፍጠር አሎ። ጳጳስ ናይ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ክብሮም ድሕሪ ምቕንጣጥ ኣብ ማሕዩር ኣትዮም። አመንቲ ብዘይ ገበን አብ ጎዳጉዲ ካብ ዝሰፍሩ ዓመታት ኮይኑ: ገሊኦም ሰንኪሎም፣ ገሊኦም ብሕማም ተሳቕዮም፣ ገሊኦም ክኣ ሞይቶም። ደቖም ዘኽቲሞም: አንስቶም ብዘይ ሰቡኡት ተሪፈን: ወለዶም ብሓዘን ሓሪሮም። ሎሚ ኢዚሄር (ኣብ ህላዌ ኣምላኽ ዘይኣምን - Athiest) ኣብ ጎዶናታት ኣስመራ ኣዳዕዲዑ ክኸይድ ከሎ፤ በንጻሩ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ሽቕሩር ክብል ይርኤ። ስለምንታይ? ናይ ፖሎቲካ እሱራት ብዘይ ፍርዲ አብ ጎዳጉድ በልዮምን ሞይቶምን። መንእሰያትና ካብዚ ኣሰቃቂ ናብራ ምስ ዘምልጡ ወለዶም አሽሓት ገንዘብ ክኽፍሉ ይግደዱ: ዘይከፈሉ ክኣ አብ ቤት ማሰርቲ ይበልዩ አለዉ። መንእሰያትና ካብዚ አሰቃቂ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ከምልጡ ክብሉ ገሊኦም አብ ምድረ-በዳ ገሊኦም አብ ባሕሪ ይቕዘፉ አለዉ። ኤርትራውያን ሃገር ከምዘይብሎም ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ስደተኛታት ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ።

ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ካብ ኣስመራ ዝመጸ ኣማኒ ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት ንሓንጎለይ ኣናዊጹ ንሕልናይ ድቃስ ከሊኡኒ። ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት፤ ሓደ ካብቶም እሱራት ኣመንቲ ኣጸቢቑ ስለ ዝሓመመ ናብ ሆስፒታል ምስ ወሰድዎ፤ ካብ መጠን ንላዕሊ ስለ ዝተሃስየ ብቕጥታ IV (Intravenous)ተዋሂብዎ። ድሕሪ ገለ ሰዓታት ግና ‘ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት’ ባጀት የብልናን ተባሂሉ እቲ IV (Intravenous) ብቐጥታ ክቋረጽ ተገይሩ። ከይጸንሔ ክኣ ካብ ሆስፒታል ከም ዝወጽእ ድሕሪ ምግባር ብዙሕ ከይጸንሔ ሞይቱ። ከምዚ ዓይነት ግፍዒ ንዝገብር ስርዓት ዓገብ ምባል ነውሪ ድዩ?

እዚ ኩሉ ግፍዕታት እናተገብረ ከሎ፤ ቤተ-ክርስትያን ኢዳ ኣጣሚራ ከም ዘይጉዳያ ስቅ ክትብል፤ ሰብ ኣይፈትዎ ኣምላኽ ኣይፈትዎ። ቤተ-ክርስትያን ድምጻ ከተስምዕ ኣለዋ። ኣብዚ እዋን ቤተ-ክርስትያን እጃማ እንተዘይገይራ ብኣምላኽን ብታሪኽን ክትሕተት እያ። ፓስቶራትናን ኣቕሽሽትናን ኣብታ ዝሰብኩላ መድረኽ (Pulpit) ናይ ፍትሒ ድምጺ ከስምዑ ኣለዎም። ኣገልገልትናን ድያቆናትናን ናይ ፍትሒ ቃል ክምህሩ ኣለዎም። ምእመናን ናይ ፍትሒ ኣምባሳደራት ክኾኑ ይግብኦም ምኽንያቱ እቲ ዘገልግልዎ ኣምላኽ ናይ ፍትሒ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ። እዚ እዩ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህረና። ንፍትሒ ንጣበቐላ፤ ምኽንያቱ ናይ ፍትሒ ኣምላኽ ኢና ነምልኽ።

ኣቕሽሽትናን ፓስቶራትናን ክገብርዎ ዝግብኦም፤ ኤልሳ ጭሩምን፣ ሰላም ኪዳነን ከይሰልከየን ንመሰል ኤርትራውያን ይቃለሳ ኣለዋ። ከም በዓል Nehemiah International Mnistry, Release Eritrea, In Chains For Christ ብትግሃት ንቤተሰብ እሱራት ኣብ ምሕጋዝን፤ ነቲ እኩይ ስራሕ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምቅላሕን ይነጥፋ ኣለዋ። እዚ ጉዳይ እዚ ቤተ-ክርስትያን እንተትገብሮ ክንደይ መምሓረላ! ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክኣ ሞገስ ምረኸበት። ሕጅውን እንተኾነ ብዙሕ ዝስራሕ ስለ ዘሎ፤ ቤተ-ክርስትያን ብትብዓት ንመሰል ጥቑዓት ኤርትራውያን ክተግህ ይግብኣ። “ንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎም፣ ንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ ኣውጽኡሎም።” መዝሙር ዳዊት 82፣3

“ክቡር ሰብ ግና ክቡር ሓሳብ ይሓስብ፣ ኣብ ክቡር ነገር ክኣ ይጸንዕ።” ትንቢት ኢሳይያስ 32፣8 ስለዚ ሃየ ካብ ጣዕሳ ዝኸፍእ የለን እሞ፤ ክቡር ሓሳብ ንሕሰብ ኣብ ክቡር ነገር ክኣ ንጽናዕ። እቲ ክቡር ነገር ክኣ ንጥቑዓት ምጥባቕ እዩ። “… ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ፤ ንሓድሕድኩም ድማ ሰናይን ምሕረትን ግበሩ።” ትንቢት ዘካርያስ 7፣9 እዚ ምስ ንገብር ናይ ሕልና ቅሳነት ንረክብ፤ ንመጻኢ ወልዶ ክኣ ብሩህን ትስፍውን ህይወት ንኸፍተሉ። ነቲ እኩይ ፈንፊና፤ ነቲ ሰናይ ክንገብር ኣምላኽ የሞግሰና። እሞ ከምቲ ነብይ ናታን ንንጉስ ዳዊት ዓገብ ዝበሎ፤ ሎሚ ንመራሕቲ ሃገርና ዓገብ እንተንብሎም ንሃገርና ካብ ጥፍኣት መውጻእናያ።

እዮብ
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...