ሰላም ኤርትራውያን 

ክቡራት ኣሕዋት፣ ምጽውዋር ዝብሃል፣ ኣንጻር እቲ ዘለካ ርእይቶ ንዝውሃብ ርእይቶ ኣኽቢርካ፣ ኣብ መተካእታ እቲ ብኻልኦት ዝቐ ረበ እሞ ናይ ኣታሓሳስባኻ ተጻራሪ ዝኾነ ርእይቶ፣ ዘለካ ጽቡቕ ወይ ቅኑዕ እትብሎ ሓሳብን ዘምጽኦ ረብሓን ነቶም ዝማጎቱኻ ሰባት ብምርዳእ፣ ርይቶ ብርእይቶ ኣቃቲልካ፣ እቲ ንሓባራዊ ረብሓ ዘገል ግል፣ ጠቓሚ ኢዩ እትብሎ ብኽልቴኻ ወገን ተቐባልነት ከም ዝረ ክብ ብምግባር፣ ነቲ ብኽልተ ወገን ዝቐረበ ሓሳብ ተረዳዲእካ ነቲ ርትዓዊ ዝኾነ ሓሳብ ብሓባር ከም እትቕበሎ ምግባር ኢዩ።  

ብሓጺሩ እቲ ብኽልቴኻ ወገን እትላዋወጦ ምጉት ንኸተራትዖ ኣብ እተካይዶ ዝርርብ ክህሉ ዘለዎ ዓቕልን ምጽውዋርን ብዘይ ኩራ ክ ኸውን ከምዘለዎ ጌርካ ተራዳዲእካ ገለ ንትግባረ ዝኸውን ጥዑይ ሓሳብ ክዕቆብ ከም ዝኽእል ምግባር ኢዩ፣ እቲ ናይ ምጽውዋር ዓቕሚ እንተዘየለ እቲ ዝድለ ምርድዳእ ክርከብ ኣይኽእልን ኢዩ። 

እዚ ዓቕሚ እዚ ዝኾነ ሽግር ብዘተ ኣብ ምፍታሕ ክትማጎት ከለኻ ሓጋዚ ተራ ስለ ዝጻወት፣ ልዑል ተደላይነት ኣለዎ፣ ብዝተዋህበ ርእ ይቶ ትኹሪ እንተዳኣ ኮንካ ግን፣ ጌና ምስ እቲ፣ ኣብ ሕሉፍ ተሞክ ሮና፣ ስኣን ርእይቶ ብርይቶ ኣማዊትካ፣ ንኽልቴኻ ወገን ካብ ጌጋ ዘድሕን ጠቓሚ ሓሳብ ምጭባጥ እሞ፣ ካብ ምቅትታል ንምድሓን ዝሕግዝ ሓሳብ ምድህሳስ፣ ኣብ ውግእ ሕድሕድ ዝትኣትወ፣ ዝመሳ ሰል መርገጽ ሒዝካ ተጓዓዝ ኣለኻ ማለት ኢዩ።  

ግጉይነት ናይቲ ፍጻሜ እቲ እንተ ዘይተረዲኡካ ነቲ ኩሉ ቅኑዕን ንጹህን ኤርትራዊ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣትዩ ህዝቡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ከድሕንን ነጻ ሃገር ንኽትህልዎን፣ እታ ክብርቲ ሂወቱ ክህብ ምስ ወፈረ እንተ ብፍላጥ፣ እንተስ ብዘይፍላጥ ኣብ’ቲ እዋን እቲ ነቃልሰካ ኣለና ዝብሉ ብዝነበሩ መራሕቲ ነንሕድሕዱ ከምዝ ቃተል ዝኾነ፣ ንሱ መምሃሪ ኮይኑና ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ካብ ከምኡ ዝመሰለ ጌጋ ክንድሕን እንተ ዘይኪኢልና ነቲ ግጉይ ናይ ሽዑ ፍጻሜ ቅኑዕ ኢዩ ከም ምባል ኢዩ፣ ነቲ ጌጋ እቲ እውን ከም ዘለዎ ምቕባል ማለት ኢዩ።

ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ብዙሓት ጌጋታት ይፍጸሙ ኢዮም፣ ግን እቲ ምግጋይ ዘይኮነ እቲ ዝኸፍኤ ካብ ጌጋኻ ከይተመለስካን ብተሞክሮ ከይተማሃርካን ምንባር ኢዩ፣ ስለ’ዚ ከም ኤርትራውያን ተሞክሮ ሚሂሩና፣ ሕሉፍ ጌጋታትና’ውን ኣጣዒሱና እንተልዩ ግን ከም ዓለምና ናብ ዓውደ-ምርድዳእ ሰጊርና ንቕድሚት ክንጥምት ኣለና፣ ማለት ኣብ ሓደ ኮለል እንዳበልና ክንነብር ይብልናን።  

እቲ ክብፈልጦ ዘለና ናይ ምርድዳእ ተኽእሎ ከይወነንካ መገዲ ምዕባለ ኣይታሓዝን ኢዩ፣ ናይ ምርድዳእ ተኽእሎ እንተዘይማ ዕቢሉ፣ ብሕጽረት ኣታሓሳስባ ኣብ ህልኽ ዝመልኦ ሂወት ስለ እትነብር ተስልጦ ስርሕ ውሑድን ብዝሕታለ ዝልለን ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ፣ ብዘይ ምርድዳእ ኩሉ ነገር ኣይሰልጥን ኢዩ። 

እዚን ክንድዚን ንምርዳእ ካኣ ኢዩ፣ እቲ ሕሉፍ ጌጋታት ክን ደጋግም ዝግድደና ዘሎ፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ክህሉ ዘለዎ ተረድኦ እምበኣር ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ሚዛን ዘእተወ ቅል ጡፍ ናይ ምርድዳእ ክእለት ምጥራይ ኢዩ።  

ብሰንኪ እዚ ተኽእሎ’ዚ ዘይምህላው፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ ቃልሲ ዘገምታዊ ይኽውን ኣሎ፣ ምቕልጣፉ ካኣ ድሕነት ናይ ዝተፈላለየ ዕንውትን ሂወትን ክኽውን ኢዩ ዝኽእል እሞ ኣሕዋት ንሕሰበሉ፣ ሎሚ ቅልጡፋት ምዃን ኣብ ሂወት  ናይ ብዙሓት ምድሓን ትጓየ ኣለኻ ማለት ኢዩ።            

ማለት እቲ ብምርድዳእ ኩልኻ ብሓባር እትቕበሎ ስነ ሓስብ ድዩ ርይቶ ናይ ምዕቋብ ተኽእሎ እንተዘይወኒንካ እቲ ውግእ ካብ ብረት ናብ ናይ ቃላት ውግእ ተሳጊሩ ማለት ዳኣ እምበር ኣይተፈወሰን፣ ጌና ነባሪ ናይ ዘይምርድዳእ ጸገም ክህልወና ኢዩ ማለት ኢዩ፣ ቈየቋ ዝነገሳ-ቤት ካኣ ትጠፍእ እምበር ኣይትምዕ ብልን ኢያ፣ ሃገር’ውን ከምኡ ኢያ፣ ሓደ ስምምዕ ዘይብሉ ህዝቢ እውን ይጠፍእ እምበር ኣይምዕብልን ኢዩ። 

ምስ ጉዕዞ ነቲ ክኽውን እንደልዮ ብውዱእ እንተዳኣ ተቐሪብ ናሉ፣ ዘይጸኒሕና ኣብ ክንዲ ብስምምዕ ንዝጽበየና ዘሎ ሃገራዊ ዕንወት ኣብ ምሕዋይ ንዋፈር ሽዑ’ውን እንተኾነ ኣብ ቆየቛ ከይንኣቱ ዘፍርሕ ኢዩ፣ ስለ’ዚ ዝኣክል ተሞክሮ ምጥራይ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ቅልጡፍ ምዕባለ ንምርግጋጽ ዝሕግዝ ኢዩ።  

ቃልሲ ዝተፋላለየ መልክዕ ዘለዎ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ካብ ናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ባይታ ብምትንሳእ ክትመዝኖ ከለኻ ካብቲ ዝርኤ ዘይርኤ ክበዝሕ ስለ ዝኽእል እምበር፣ ህዝቢ ኤርትራ ቅሱን ስለ ዘይኮነ፣ ሎሚ ብይውሓድ ይብዛሕ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ቃልሲ ከምዘሎ ርዱእ ኢዩ፣ ማለት ኩሉ ኣብ ስቓይ ስለዘሎ ቃልሲ ክህሉ ባህርያዊ ኢዩ፣ ብሓጺሩ መላእ ህዝቢ ሓደ ነባሪ ዝኾነ ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ሃሰስ ኢዩ ዘሎ፣ ምባል ይካኣል ስለ’ዚ እታ መፍትሒት ኣብ ምርካብ ምስ ህዝብኻ ጠጠው ምባል እናሓደረ ዘሐጉስ ታሪኻዊን ቅዱስን ዝኾነ ሃገራዊ ስራሕ ምዃኑ ብኹልና ርዱእ ክኸውን ኣለዎ።

ሰናይ ቅነ።     

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና 

በላይ መስፍን ጀርመን  


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...