ሲናይ ርሑቕ ምብራቕ ኤስያ

ሎሚ ኤርትራዊ  ካብታ ምውቕቲ ቤቱሞ ከተማምቖ ዘይክኣለት፡ ለምለም ዓዱሞ እሾኽ ዳንዴር ዝተዘርኣ፡መሬት ሰብ ሓቦ ጸወርቲ ኩሉሞ ሕጂ ግን ሂወቱ ዘላሕላሓቶ ሃገር እግሩ ናብ ዝመርሖ ሓንሳብ ናብ ስደት ምስወጸ ኣብ ጉዕዞ ሂወቱ ከምዚ ኣጋጠሞ እንተበልካ ዘስደምም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ትማሊ ኣብ ሓደ ኤርትራዊ ኣፍካ ዘጥዊ እንተጋጠመ ሎሚ ድማ ልብኻ ዝትንክፍ ይኸውን። ንጽባሒቱ ንርእስኻ ዘደንዝዝ ጉድ ኤርትራዊትሰምዕ ድሕሪኡ’ውን ከብድኻ ዘሐቁፍ ጎፍ ይብለካ። ብኻልእ ኣዘራርባ ሎሚ ስቓይ ኤርትራዊ እንተሰምዓናዳርጋ ናብ ዘይምግራም ሃዋህው ኢና በጺሕና። ኩሊት ኤርትራዊ ኣብ ሲናይ ተሸይጡ፡ ኤርትራዊ ተሓሪዱ፡ኤርትራውያን ኣብ ሳሃራ ሞይቶም ፡ ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ጠሊቖምኤርትራዊት ኣደ ምስ 3 ደቃ ኣብባሕሪ ሂወታ ስኢና፡ ጥንስቲ ኤርትራዊት ኣደ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ሓሪሳ - እቲ ተረፍ ኣብ ርእስኹም ኣሎ ዘክርዎ። እዚ ሽግርዩ ሽግር ኮይኑ ዘይስምዓና ዘሎ በቃ ተለሚዱ። ነዚ ሽግርዩ ንዕበጦ እናተባህለ ዓይንኻ እናሸፈንካዝንበር ዘሎ። ነገር ሓቂ ግን ፡እዚ ኹሉ ኣደራዕን መከራን ስቅያትን እንዳተኣውየ  ምስ እዝንኻ ደቂስኻ ዘለኻኤርትራውየ ብሃሊስ ብጥዕናኻ’ዶ ትኸውን? ስቓይ ሓውኻ/ሓብትኻ ዘይስምዓካ ኣሕዋት መንየ ክትብል ኢኻ?  ሕጂ’ውን መከራ ኤርትራዊየ ከዘንቱ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ግርህነት ኤርትራውያን። ንእዝኒ ኣዳም ኣላሽ ዘበለስቅያት ታሪኽ ኤርትራዊ ንብርዐይ ግን ዘጽምኣ ታሪኽ ።
 
ቅድሚ 2 ወርሒ ኣቢሉ ይኸውን ካብ ሓደ ቃልኣብ ዝስሙ ኣብ ዓዲ ጣልያን ዝቕመጥ ኤርትራዊ ሓንቲጻውዒት ስልኪ ተቐቢለ ኔረ።  ፈለማ ጆን ዝበሃል ደላላይ ኣብቲ ከባቢኹም ኣሎሞ ገለ ኣይትፈልጦን በለኒ።ጉዳዩ ክፈልጥ ናይ ታሃዋኽ ከርኢ ግድን ስለዝነበረ ተቐላጢፈ ዘሎ ከዐልለኒ ዓደምክዎ። ኣይተማትአን ድማኣዕለለኒ። ጸኒሑ ከም ዝተሓበረኒ ድማ፡ እዚ ጆን ዝበሃል ደላላይ ናብ ኤውሮጳ ክወስደኩም ብምባል ሓንቲቤተሰቡ ዝርከባ ናይ ብዙሓት ሰባት- ከባቢ 13 ሰባት - ካብ ነፍሲወከፍ ሰብ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዶላር(23,000 USD) ዘመተ። እቲ ዝገርም ድማ ገና ኣብ ሱዳን እንከለዉዩ - ኣይተበገሱን ገንዘቦም ግን ካሽከፊሎም። ንጽባሒቱ ድማ በዚ ጆን ዝበሃል ደላላይ ዝመጹ’ሞ ነፍሲወከፎም ዕስራን ሓደን ሽሕ ዶላር(21,000 USD) ከፊሎም ክነሶም ኣብ ጃካርታ 11 ኤርትራውያን(ኢንዶነዥያ) ተደርብዮም ከም ዘለዉሰምዓኹ ። እዞም ሰባት ግን ዕድል ጌሮም ፓስፖርት ኣብ ኢዶም ስለዝነበረ ከከም ሽጣራታቶም  ፋሕ ፋሕብምባሎም ክረኽቦም ጻዕርታት ኣብ ዝገበርክሉ ክዕወት ኣይክኣልኩን። ኣይደንጎኹን’ውን ካብ ሓደ ግዱስኤርትራዊ ዳኒኤል ዝስሙ ተቐማጢ ኖርወይ መርድእ ደሓን ክብሎ ንዓይ፡ 11 ኤርትራውያን ብሓደ ጆንዝበሃል ደላላይ ኤርትራዊ ን ኣስታት 7 ወርሒ ኣብ ሓደ ገዛ ዓጽይዎም ከምዘሎ ሓበረኒ ። ኣብቲ ፈላማስ ኣብታይላንድ ኣብዚ ዝቕመጠሉ ዘለኹ ዓዲ ስለዝበለኒስ እንኳዕ’ኳ ሽኮር ወይ ደም ብዝሒ ዘይብለይ። ደሓር ግንኣስተኻኺሉ ኣምጺኡለይ እቲ ብልክዕ ዘለውዎ ቦት ምያማር ( ናይ ቀደም ስማ በርማ) ድኣ ኮነ። እዞምኤርትራውያን’ውን ልክዕ ከምቶም ካልኦት ኣሕዋቶም ነፍሲወከፎም ዕስራን ሓደን ሽሕ ዶላር (21,000 USD) ተቐሊቶም ። ዕድል ኣይገበሩን ግን ፓስፖርቶም ኣብ ኢድ ጆን ስለዝነበረ ኣስታት 7 ወርሒ ብምትላልኣብ ሓንቲ ሆተል ተዓጽዮም መከርኦም ጸገቡ። እታ ምቕጥቃጥያ ተሪፋ እምበር ሲናይ እያ ። ካብ ምቕጥቃጥኣካላት ድማ ምቕጥቃጥ ኣእምሮ ከምዘይሰንፍ ምግንዛብ የድሊ- ኣይሕለፎ ከማን። መሳኪን መንእሰያትነንፍሲወከፍ መዓልቲ  በተስፋን ስቅያትን ጆን ክሓልፍዋ ፡ ሰብ ወጻኢ ብዓል ገርሂ ልቦም ድማ ናብ ደላላይ ጆንዶላራት ይሽሕሽሑ።
 
እዚ ነገር ድማ ክድቅሰሉ ከምዘይብለይን ተገዲሰ ክሕዞ ከምዘለኒን ከም ኤርትራዊ ሓላፍነት እኳ እንተለኒ ስልክታት ናይ ቤተሰብ ድማ ካልእ ሓላፍነት ኣሰከመኒ። ዝግባእ መጽናዕተይ ድማ ገበርኩ። ናይ ነገር ዕድልኮይኑ ድማ መባልዕቱን መሳትይቱን ንጆን ብምርካበይ ዝኣክል ሓበሬታ ሃቡኒ ። ንግዳያት ክረኽቦምስለዝነበረኒውን ረኸብክዎም ኣዘራሪበዮም ድማ። ኩሉ እቲ ዘሕለፍዎን ዘሕልፍዎ ዘለዉን ስቅያት ዘርዘሩለይ።ናይ ኩላቶም ዝነበረት ቃል እንተኔራ ድማ ኣብ ዘይከዊን ወርቃዊ ዕድሚኦም ይጠፍእ ብምንባሩዩ ። ዝብልዎዝነበሩ ንጆን ድማ በቃ ፓስፖርትና ሃበና ናብ ሱዳና ክንምለስዩ።ኣብዚኣ ክትስገር ዘይብላ ድማ ልክዕዩዝሕግዝዎም ኣሕዋት ኣብ ደገ ብምንባሮም ምናልባት ቅሳነት ዝህብ  ይመስል ይኸውን ። ገንዘብ ግን ከምቆጽሊ ረጊፉ እትሓፍሶ ብዘይምኻኑ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ሓሳብ ሓጎስ ከምዘየምጽእ ኩልህና ክንግንዘቦይግባእ። ምኽንያቱ እቲ ሰዳዲ ገንዘብ ብጉልበቱ ክሕምም ፡ እቲ ገንዘብ ዝስደዶ ድማ ብዕድሚኡ ክሕስብመፍቶ ደላላይ ጆን ስለዝኾኑ። ብዝኾነ ዝተርፈኒ ዝነበረ እንተሃልዩ ምስ ጆን ምዝሪራብዩ። ኣብቲ ፈለማብንዕቐትዩ ዶንቆሮ አሉ ኣብ እዝነይ ዓጽይዋ። ደጋጊመሉ ሓንሳብ ይዓጽወኒ ሓንሳብ ኣይቅበለኒን እንሓንሳብድማ ጸርፍታትን ፈኸራን፡ “ንስኻ ሰራሕተኛ ኤምባሲ  ኤርትራኣ ይኮንካ ዋላ ሽንጣር ኣይኮንካ እንታዋይ ኢኻምሳይ ንስኻ ትዛረብ ኪድ መዛርብትኻ ድለ” ብዙሕ ዘረባዩ( ኩሉ ዝተዛረቦ ጸርፍን ገለን ቀሪጸዮ ኣለኹ)።ገለ2 መዓልቲ ጸኒሑ ግን ክግደሰለይ ጀሚሩ ። ፈለማ እኳ ገሪሙኒ ኔሩ መን ምዃንካ ፈሊጠካ ኣለኩ ኣብፈይስቡክ እንታይ ኢልካ ከምትጽሕፍ ፈሊጠ ኣለኹ ዋላ ኣብ ፈይስቡክ ዘርግሓኒ ዝግድሰኒ ኣይኮነን ጆን እናበለምስግዓረ ግን ቆብ ኣቢለዮ። ብድሕርዚ ፡ኣነ ፓስፖርቶም ምለሰሎም ክብል ንሱ ድማ ዕድል ሃበኒ ክብልወርሒ ሓሊፉ ። አረ ሓንሳብሲ ድሕሪ ስዓት ስዓት ይብለኒሞ ከም ኣመሉ ድማ ክሻ ሓሶት ይምህዝ።
 
እዚ ነገር ድማ ናብ ዝልዓለ ከብጽሖ ገለ እንተገበሩለይ ስእሊ ግዳያትን ስእሊ ጆንን ብምሓዝ ናብ UNHCR Thailand ከድኩ ። ኩላ እታ ዘላ ድማ ብጽሑፍን ቃልን ሃብክዎም ። ንሓላፊ ክረኽቦ ምዓልቲ ተቖጺሩለይድማ ረኸብክዎ ። ኩሉ ሽግራት ኣብ ወረቐትን እዝኑን ኣስፊሩ ክነሱ ተስፋ ዘቑርጽ ተዛረበኒ። “ ኣብዚ ዓዲእንተዝኾውን ግርም ኔሩ እዞም ትብሎም ዘለኻ ኣብ ካልእ ሃገር ስለዘለዉ ነናይ ባዓላና ስራሕ ስለዘለና ድማኣብኡ ከምዝሕብሩ ግበሮም ተበሃልኩ። ከምዝሕብሩ’ውን ንግዳያት ሓበርክዎም ኣይተኽኣለን በርማ ጥዑምዓዲ ኣይኮነን ንስደተኛታት። ኮይና ተሪፋ ጸርፈይን ምፍርራህን እናተጻወርኩ ምስ ጆን ምርጻምያ። ዝምህዞሓሶት ጥንቋላይ እኳ ነይፈትሖ ። ፈጣሪ ድዩ ሰይጣን መን ባሪኽዋ እንድዒ እምበር መልሓስ ጆን ክትዛረብጉዳምያ። ዕስራን ሓደን ሽሕ ዶላር ከፊሎም ክበቕዑስ ሕጂ ክሰደልኩም ኣሕዋትኩም ሰለስተ ሽሕ (3,000 USD) ወስኹ ምስ በሎም ገለ ምስቲ ዝነበረ ህንጡይነት ጠዋሊ ከፊሎሞ ገለ ግን ዶንጎይዎ’ሞ “ እንታይትገብሩ ኣለኹም ሃቡና እንዶ ቀልጥፉ ክንሰዶም እንታይ ናይ ደርሆ ሂብኩምሲ ሕጂ ናይ እንቋቑሖ ከይትኸፍሉዕጢይምጥይ ትብሉ” እናበለ ገንዘብ ግሒጡ- ጉዳመኛ ደላላዩኮ ።እቲ ዝገርም ድማ ክልተ ኤርትራውያንሓሰውቲ ጸብጻብ ዘቐብልዎ  ኣብ ሞንግኦም ጌሩ ዘድሊ ሓበሬታ ይእክብ ኔሩ። ነዞም ሰባት ናይ ሆቴሎምብምኽፋል ጥራሕ ማዕረ ተለፎን  ናይ ከምኦም ኣሕዋቶም ሰብ ግዳይ  ፈቲሾም ሓበሬታ ከምዘምጽኡይገብሮም - ነንሕድሖዶም ኩሎም ድማ ሓዊ ከም ዝኣትዎምን ከምዘይሳማምዑን  ኣብ ምግባር ንኣዋርሕክጻወተሎም  ክኢሉ።ጆን ሰበበኛዩ ንዓይ ምስቶም ስድራቤታቶም “ እንታይ ኣእተዎ ኣበይ ዘሎዩ ብዝዓባኣሕዋትና ዝዛረብ ገንዘብ መልኣልናዶ ኢልናዮ ኢና” ይብሉኻ ኣለዉ እናበለ  ከብኣሰኒ ፈቲኑዩ ። ጽቡቕ ርክብስለዝነበረኒ ግን ምስ ዋላሓደ ኣይተብኣስኩን እኳ ዲኣ ብኣይ ይስከፉ ኔሮም ኣሽጊርናካ እናበሉ። እቲ ዝገርምግን ገለ ገለ ልዕሊ ክልተ ኣሕዋት ናይቶም ግዳያትኣብ ወጻኢ ስለዝነበርዎም ንኹሎም ከምዝብኣሱ ገይሩዩ ።ጆን ሕማም ገንዘብ እምበር ርህርሀ ናይ ሰብ ዘይብሉ ኣራዊትዩ ። ድሕሪ ክንደይ ዘረባታት ድማ ካብቲ ዝነበሮሲንጋፖር ናብ በርማ መጸ። ሕጂውን ምትላሉ ኣይቃረጸን 8 ወርሒ ዕድመ ሰብ ሰሪቑ ክነሱ ኣጆኹም ክብሎምፈቲኑ። ሓንቲ ነገር ክገብር ስለዘይክእል ጥራሕ ፖስፖርቶም ክህቦም ኣነ ድዩ ግድያት ዋላቶም ሰብ ወጻኢ ጸቕቲገበርና ። መወድኣትኡስ ሃቦም ድማ ። ክህቦም ከሎ ግን ንዓይ ታይላንድ ከመጻኒ ምኻኑ ጆን መን ምኻነይከፍልጦየ እናበለዩ ፈኪሩ ሂብዎም። ምስኣ ኣጎዝጉዝ ኣቢሉ፡ ፓስፖርት ክህቦም እንከሎ ተስፋ  ግን ድማመርዛም ዘረባ ሂብዎም። ባዕለይ ትኬት ቆሪጸ ክሰደኩምየ ኢልዎም ። ሓደ መጠንቀቕታ ሂበ ሕጂውን  ጆንኤየር ትኬት ናይ 11 ሰባት ናብ ሱዳን መኼዲ ክቖርጽ ዘይሕሰብዩ ካልእ ክስራን ግዜ ክይመጽእ ተሻቐልኩ ።ኣይጸንሐን ግን ጆን “ፓስፖርትኹም ሂበኩም ኣለኹ ከከምሽጣራኹም ኪዱ ገንዘብኩም ድማ ኣብ ሱዳን ምስከድኩም ንተሓሳሰብ” ብምባል ንኹሎም ምዕንጣ ከብዶም መተሮም - እንኮላይ ነቶም ብገርህነቶም ኣሽሓትዶላራት ዘፍሰሱ ቤተሰብ። ነቶም ሃሱሳት ክልተ ኤርትራውያን መሳርሒኡ ዝነበሩ ድማ “ በቃ ስርሓኩምወዲእኩም ኣለኹም” ብምባል ማዕረቶም ኣሕዋቶም ሰርዖም ። ኩሎም ግዳያት ድማ ብጀካ እቲ ኣሽሓትዶላራት ኣብ ጁባ ጆን ዘቐመጥዎ ፍሉጥ ገዲፍካ፡ ናይ ሆቴሎም፡ መግቦም፡ እቲ ዝኸፍአ ድማ ናይ ልዕሊ 8ወርሒ overstay ;እንኮላይ  ኤየር ትኬት መምለሲ ናብ ሱዳን ከፊሎም ካብታ ብዕለት 28/02/2014ዝኣተዉዋ በርማ  ገለ ብዕለት 20 ገለ ድማ ብዕለት 22/ 11/2014 ብሰላም ናብ ሱዳን ተመሊሶም ኣለዉ።
 
ኣብ መወድኣታ ዝብሎ እንተሃልዩ እነ እዚ ነገረ ምስቲ ዝምልከቶ ሰብ ተዘራሪበ ዝግባእ ስጉምቲ ክውሰዶንገንዘብ ሰብ ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ክመልሶን ብምባልየ ትም ኢለ ጸኒሐ ። ጆን ግን ከይሓፈረ ናብ ራድዮ ኤረናብምድዋል ኣነ ነጻየ ፡ ኣነ ስድራ ደቂ ስውኣት ዝሕግዝየ፡ ኣነ ዳርጋ ብጥርሑ ንኤርትራውያን ኣሕዋተይ ናብኤውሮጳ ዘስግርየ፡ ሰባት ንዓይ ዘጸልሙ ክመጹኺ’ዮም እናበለ ናብ ሜሮም እስቲፋኖስ መልእኽቲ ስለዘመሓላለፈ ሎሚ ክዝርግሖ ተገዲደ ኣለኹ።  ንህዝቢ ዝበደለ ድማ ይንዋሕ ይሕጸር ሃገርና ዓዲ ሕጊ ትኾነሉእዋን ስለዘሎ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ዝግባእ መቕጽዓቶም ከምዝወስዱ ጥርጥር የብለይን። ገንዘብ ሰብበሊዕኻን ሂወት ሰብ ኣጥፊኢኻን ቀሲነ ክሕድርን ክነብርንየ ትብል ዘለኻ ኤርትራዊ  ኣይፋልካን ሰብ ሕግን ሰብ ዓድን ብማዓልቶም ክሓቱዃ’ዮም ብሃሊየ። ብዓብዩ ድማ እዚ ጠንቂ ስደትን ሞትን ዜጋታት ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ተኣልዩ ፡ህዝቢ ብሰላምን ቅሳነትን ኣብ ዓዱ ከም ዝነብር ምግባር ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት ኮይኑ ይስምዓኒ ። እዋኑ ድማ ሕጂዩ።
 
ሃብቶም ገብረማሪያም(ቲዕቲዕ)
 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...