ኣብ ዝሓለፈ  ፈነወ  ብዛዕባ ዘተ ዝምልከት ጽሑፍ  ምስ ኣቕረብኩ፡ ብዙሓት ግዱሳት አሕዋት ብተሌፎንን ጽሑፍን  ዝተፈላልየ ሕቶን ርእይቶን  ኣቕሪቦሙለይ። ስለምንታይ ነቲ ኣርእስቲ ከምዝመረጽኩዎ ዝሓተቱንን ነዊሕ ዝተኻትዑንን እውን ኣለው።  ንኹሎም እቶም ዝደወሉን ዝጸሓፉን  ስለቲ ዘርኣዩዎ ተገዳስነት ብልቢ አመስግኖም። ኣብዚ ናይ ሎሚ መደብ ከኣ ነቶም ውልቀ ሰባት ዘይኮነ ንሓሳባቶም ክምልሰሉ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስመዓኒ።

ብዛዕባ ትርጉምን ኣገዳስነትን ዘተ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ጽሑፍ ስለዝተገልጸ ብዛዕብኡ ብዙሕ ኣይክዛረብን እየ። እታ ተደጋጊማ ዝቐረበትለይ ሕቶ፡ " ዘተ ምስ መን፧" እትብል ስለዝኾነት ብኣኣ ክጅምር።

ዘተ፡ ካብ ጽምዲ ሰባት ንላዕሊ ንዝዋስእሉ ኩነት'ዩ። ስለዝኾነ፡  እዛ  "ዘተ!" እትብል ቃል፡ ባዕላ ንትርጉም  ዘተ ትገልጾ ይመስለኒ። ብመጀመርታ "ዘተ!"  ክግበር እንተኾይኑ፡ ገለ ዘዘራርብ ጉዳይ ክህሉ ኣለዎ። ዘዘራርብ ጉዳይ እንተልዩ ከኣ ዝዘራረቡ ኣካላት ኣለዉ ማለት እዩ።  እቶም ዝዘራረቡ ወገናት፡ ብገለ ጉዳይ ዝተሃላለኹ መቐናቕንቲ ወይ ኣብ ሓደ ጉዳይ ዝነጥፉ መሻርኽቲ  ምናልባት እውን ብሓባር ክሰርሑ ዝደልዩ መላፍንቲ ክኾኑ ይኽእሉ።

ስለዚ፡ እቶም ብዛዕባ "ኣገዳስነት ዘተ!" እንጽሕፍ ኮነ "ንዛተ!" እንብል ዘሎና ሰባት፡ ካብቲ ክውንነት እቲ ንብገስ ይመስለኒ። ብወገነይ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ፡ "ንዛተ!" ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዘተ መድረኽ  ከቕርብ ክሓስብ እንከለኹ፡  እቶም ንስርዓት ህግደፍ እንቃወም ዜጋታት፡ ውልቀ ሰባት ንኹን ጉጅለታት፡ ማሕበራት ይኹና ውድባት፡ ንዘለና ናይ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ፍልልይ፡ ብዘተን ልዝብን ኣጽቢብና፡ ኣብቲ ክንሰማማዓሉ እንኽእል ጉዳያት ሓቢርና ክንሰርሕ እንኽእለሉ ዕድላት ከነናዲ ኣሎና ዝብል ጽኑዕ እምነት ስለዘለኒ'ዩ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ'ዚ፡ ቅድመይ፡  ብዙሓት ሃገራውያን ተቓለሰቲ ሓሳባቶም ብጽሑፍን ዘረባን ዘካፈሉና ከምዘለዉ  ርግጸኛ እየ።

ኩላትና ከምእንፈልጦ ኣብዚ እዋን'ዚ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ኣስታት 30 ዝኾና ማሕበራትን ውድባትን ተመቓቒሉ ምህላዉ ብሓዘን እንምስክሮ ጉዳይ እዩ።  እዘን 30 ዝኾና ማሕበራትን ውድባትን ኣብ ሓደ እዋን ካብ ዝኸምኣተን ተቓለስቲ ማሕበራትን ውድባትን ዝተራብሓን ዝተባዝሓን እየን። ስለዚ ታሪኽ ደምበ ተቓውሞና፡ ታሪኽ ምምቕቓልን ምጉጅጃልን፡ ሓድሕድ ምንቛትን ምጥቕቓዕን እዩ። ተሓኤ ካብ ሜዳ ምስ ወጽአት ኣብ ዙሓት ጉጅለታት ተመቓቒላ። ድሕሪ 2000 ብኣባላት ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ ስሙያት መራሕትን ተጋደልትን ኣብ ስደት ዝጀመረ ውድባት ተቓውሞ  እውን ኣብ ብዙሓት ውድባት እዩ ተመቓቒሉ።  እቲ ምፍንጫል ሓንሳብ ጥራሕ እኳ ከይከውን ብዙሕ ግዜ እዩ ተደጋጊሙ።

እቲ ምምቕቓል ኮነ ሓድሕድ ምጥቕቓዕ ነቲ ጸኒሑ ዝጀመረ ምውድዳብ ማሕበራት መንእሰያት እውን ኣይነሓፎን። ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኮነ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ኣንጻር ተቓለስቲ ሓይልታትን ውልቀ ሰባትን ዝቐንዐ፡ ንኽትሰምዖን ክትነቦን ብዝኹርኩሕ ቃላትን ቅጽላትን ዝካየድ ዘሎ ሓድሕዳዊ ምጥቕቓዕ ዘይጒህን ዘይስከፍን ደላይ ለውጢ የሎን።

ስለዚ እታ "ምስ መን ኢና ክንዛተ!" እትብል ሕቶ እምበኣር ምስ ኩሉ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ እቃወም እየ ዝብል ዘሎ ውልቀ ሰብ፡ ጉጅለን ማሕበርን፡ ውድብን ጽላልን ክንዛተ የድልየና ብዝብል ሓፈሻዊ መልሲ ክምልሳ እደሊ። ወዮ ደኣ ኣብኡ ስለዘይበጻሕና " ክንብርኩት ከይንብርኩት!" ከይኮነና እምበር ድሕሪኡ ምስቲ ቐንዲ መቐናቐንትና እንብሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ እውን እንተኾነ ናይ ዘተን ልዝብን ዕድልን ተኽእሎን እንተጋጢሙ ዘይንዝትየሉ ምኽንያት ኣይረኣየንን'ዩ። ብርእይቶይ፡ እቲ ቀንድን መሰረታውን ነገር "ኣብ ምንታይ ኢኻ ትዛተ!" እዩ ክኸውን ዘለዎ እምበር "ምስ መን ኢኻ ትዛተ!" ዝብል ሕቶ ጉዳይን ዛዕባን ክኸውን የብሉን።

ምስ ስርዓት ህግደፍ ምዝታይ ከም ነውሪ ክውሰድ የብሉን። ወዮ ደኣ ስርዓት ህግደፍ ንባዕሉ፡ ብዙሕ ጸይቅን ክፍኣትን ስለዝፈጸመ ክዛተን ክላዘብን ፍቓደኛ ኣይክኸውንን'ዩ እምበር፡ ናብ መኣዲ ዘተ እንተቐሪቡ እተን ክንዝትየለን እንደሊ መሰረታውያን ነጥብታት  ብዘየሻሙ መገዲ ኣነጺርና ብምቕራብ  ብዘተን ምጉትን እውን ክንገጥሞ'ዩ ዘሎና።

ንኣብነት፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ንኹሎም ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክፈትሖምን፡ ጉዳዮም ኣብ ናጻ ቤት ፍርዲ ክጻረን፤ እቲ ንማእሰርቶም ዝኣዘዘን ንኣተሓሕዛኦም ዝኣመመን ኣካል ብሕጋዊ ቤት ፍርዲ ተመርሚሩ፡ ንበደሉን ኣበሳኡን ዝመጣጠን መቕጻዕቲ ክወሃቦ፤ እቲ ናይ ግዜ ገደብ ናብ ዘይብሉ ንውሓት ተመጢጡ ዘሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ደረቱ ክምለስ፣ ወይ ብኾተተኡ ግዱድ ዕስክርና ጠጠው ክብል፣ ኩሎም እቶም ካብ ዝግበኦም ግዜ ንላዕሊ ብባርነት ዘገልገሉ ዜጋታት ግቡእ ካሕሳን ሞሳን ተዋሂቡዎም ክፋነዉ፣  ክሳብ ሕጂ፡ ጂሆ ተታሒዙ ዘሎ ሃገራዊ ቅዋምና፡ ግዜኡ ኣብ ዝተነጸረ ናይ ግዜ መቓን ክትግበር፣ ሕጊ ሰልፍታት እተርቅቕ ኮሚሺን ክትቀውምን ሰልፍታት ክምስረታን፣ ድሕር'ዚ ህዝቢ ብድምጹ ዝተኽሎን ዝነቕሎን ብልዕልና ሕጊ ዝምእዘዝ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ብምትካል ሰላማዊ ምስግጋር ክግበር ወዘተ...ወዘተ ዝብል ነጥብታት ተሰሪዑ ንመዛተዩ ክቐርብ ይኽእል እዩ። ዋላ እውን እቲ ዕድልን ተኽእሎን ኣዚዩ ጸቢብ እንተኾነ፡ እቲ መሰለይ ተጋሂሱ ዝብል ዘሎ ወገን መሰሉ ዝረጋገጸሉን ክብሩ ዝሕለወሉን ርትዓውን ግብራውን ዕድል እንተረኺቡ "ዘተ!" እንሕሰመሉ ምኽንያት ክህሉ ኣይግባእን በሃላይ እየ።

ምናልባት ካልእ ወገን፡ ብምልኪ ሃገር ምስ ዝሕምስ ዘሎ ስርዓት "ዘተ" ኢልካ ምሕሳብ ነውሪ እዩ ክብል ይኽእል እዩ። ከምኡ ክሓስብ ነውሪ ኣይኮነን። ርእይቶኡ እውን ክስማዕ ይኽእል'ዩ። ኣብቲ ሓፋሽ ደላይ ለውጢ እቲ ርእይቶ እቲ እንተዓብሊሉ፡ በቲ ዓብላሊ ርእይቶ ክትቅየድ ግድን ይኸውን። ግን ዋላ ናብዚ መረዳእታ'ዚ ንምብጻሕ እውን "ዘተ!" ኣገዳሲ እዩ። ምስተበሃሃልካ፡ ምስተዘራረብካ፡ ሓሳብ ንሓሳብ ምስተለዋወጥካ፡ ሓድሕድ ምስተማኸርካ ኢኻ ኣብ ሓደ ውሳነን መረዳእታን ትበጽሕ።

ትማል ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልስና ተሓኤ ኮነት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብብረት ምስ ዝገጥመኦ ዝነበራ ስርዓት ደርግ ብመንጎኝነት "ዘተ" ፈታቲነን ከምዝነበራ ዝዝከር እዩ። ዋላኳ እቲ ፈተነታት እንተዘይተዓወተን መስርሕ ዘተ እንተተኾልፈን፡ ህዝብን ሃገርን ምስ ዘጽንት ዝነበረ ስርዓት ደርግ፡ ጉዳይና ብዘተ ንምፍትሑ ፈተነታት ምክያዱ ንባዕሉ ቀሊል ኣይነበረን።  ይኹን እምበር እቲ ሓይሉን ዕጥቁን ተኣማሚኑ፡ ንኹሉ ነገር ብሓይሊ ክፈትሖ ይኽእል'የ፡ ኢሉ  ዝተመከሐ ስርዓት ደርግ ስለዝሓንገደ እቲ ዘተ በርዒኑ። ኣብ መወዳእትኡ ከኣ እቲ ንኹሉ ናይ ዘተ መኣዲ ዝተሓሰመን ናብ ዕጹው ማዕጾ ዝመርሖን ስርዓት ደርግ ተሳዒሩ ካብ ስልጣን ተኣልዩ። ሕጂ እውን እቲ ፍትሒ ዝረግጽን ዝጉዕጽጽን ዘሎ ወገን ውዒሉ ሓዲሩ ብደለይቲ ፍትሒ ምስዓሩን ምእላዩን ዘይተርፍ እዩ።

እቲ ካልእ ርእይቶ ንሓደ "ብሁል" ነገር ዘረጋግጽ፡ ህዝባዊ ግንባር ወተሃደራዊ ውድብ ስለዝኾነ ላዕለዎት መራሕቱ እውን ናይ ዘተን ልዝብን ባህልን ልምድን ከምዘይብሉ ከምዝመስከሩ ዘዘኻኽር እዩ። እቲ ካብ ክውንነትና ዝነቅል ርእይቶ ሓቂ እዩ ብወገነይ እውን ቁቡል እመስለኒ።  ምኽንያቱ እዚ ካብ ህዝባዊ ግንባር ዝቦቖለ ህግደፍ፡ ቀደም ኮነ ትማል፡ ኣብ ውሽጡን ምስ ብጾቱን ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ብዘተን ልዝብን ፈቱሑዎ ኣይፈልጥን እዩ።  ብፍላይ ሕጂ  ኣዚዩ ብዙሕ ነገር ስለዘዕነወን ስለዘበላሸወን  ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርብ ዘይሕሰብ'ዩ። ግን ሓደ እምነት ኣሎኒ፡  እቲ ብሓይሊ ዝተነድቀ ወተሃደራዊ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ሎሚ ብኹለንትናኡ ስለዝፈሸለ፡ ኣብ ክንዲ ብሓይልን በትርን  ብዘተን ልዝብን ዝሓስብ ደላይ ለውጢ ሰሲኑ ስለዘሎ፡ እቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ፡ ነዚ ዘሎ ኩነታት ኣብ ምቕያር ዕድል ኣብ ዝረኽበሉ እዋን  ናብ ዘተን ልዝብን ዝመጽኣሉ ልዑል ተኽእሎ ይረኣየኒ። ስለዚ ዘተን ልዝብን ከም ኣምር ጥራሕ ዘይኮነ ከም ባህሊ ክንኩስኩሶን ክንወሳወሰሉን ኣለና በሃላይ እየ።

ስለዚ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ዝርከብ ኣካል ናይቲ ስርዓት ዝነበረ ወገን ሎሚ ካብቲ ናብ ዕንወትን ውድቀትን ዝመርሐ ደረቕን ነቓጽን ኣካይዳን ተማሂሩ ስለዘሎ፡ ኩላትና እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ውዳበታት እንርከብ ደለይቲ ለውጢ፡ ካብ ሓልኪ ታሪኽን ድሕረ ባይታን ወጺእና    ነንሓድሕድና ክንላዘብን ክንቀራረብን  ነብስናን ሕልናናን ክንቅርብ ኣገዳሲ እዩ። ኣብዘን ኣስታት 30 ዝኾና ውድባትን ማሕበራትን ተመቓቒልና ዘለና ተቓለስቲ ብጾት ኣብ ፍርቅን ሲሶን ክንጥመር፤ ኣብ ኩሉ እንጽሕፎን እንዛረቦን ዘበለ  ናብ ንኽንቀራረብ ዝሕግዝ ምዙንን ልዙብን ቃላትን ሓረጋትን ክንጥቀም፤ ኣብ ክንዲ ብውልቀ ሰባት ብሓሳባት ክንዛረብ እቲ ዝሓሸን  ግድን ክግበር ዘለዎን ምዃኑ ክንኣምነሉ ጥራሕ ዘይኮነ ክንቅበሎን ክንሰርሓሉን ዘሎና ጉዳይ ምዃኑ ከስምረሉ እደሊ። ብሓጺሩ ምንጽጻግ ኣወጊድና ሓድሕድና እናተኣራረምና ክእለትናን ዓቕምናን ኣስሚርና እንተሰሪሕና ስቅያት ህዝብና ዘይነሕጽረሉን ሃገርና ዘይነድሕነሉን ምኽንያት የሎን።

ዊልያም ኣይዛክ ዝተባህለ ሊቅ፡ ዘተ ብሓባር እትሓስበሉ ጥበብ እዩ ክብል ይገልጾ። እሞ ንሕና እዞም ንህዝብናን ሃገርናን ዝኸውን ፍታሕን ድሕነትን ሓርቢቱና፡ ኣብ ጸገም እንርከብ ዘሎና ህዝብን ተቓለስትን ብዘተን ልዝብን ነቲ ሓባራዊ ፍታሕ ሃሰው ዘይንብለሉን ኣብ መኣዲ ዘተ ዘይንዓስለሉን እንታይ ዓይነት ምኽንያት ክህልወና ይኽእል፧ ዘተን ልዝብን ፍታሕን ድሕነት  ጸበባን ጸገምን እዩ'ሞ ሕጂ እውን ዘቲና ሽግርና ክንፈትሕ ንቀረብ!!

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...