ዓሰርተ ታሕሳስ ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት

ሎሚ ዓሰርተ ታሕሳስ ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት‘ዩ። እዚ ዕለት ምናልባት ንገለ ህዝብታት ተራ መዓልቲ ኮይኑ ክረኣዮም ይኽእል‘ዩ። ንዓና ንኤርትራውያን ግን ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ትርጉም ዘለዎ ዕለት‘ዩ። ኤርትራ ሎሚ፣ እታ ኣብ ዓለም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝኸፈአ ምልክዑ ዝፍጸመላ ሃገር ሙኻና ኩሉ ዝዛረበሉ ኣርእስቲ እዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ግና ነዚ ሓቀኛ መስትያት ቤትና ብዙሕ ኣየቕልብሉን። ዝበዝሐ እዋን‘ውን መሰሎም ተጋሂሱ ከምዘሎ ኣየስተውዕሉሉን። መንግስቲ ብዘይ ፍርዲ ሓደ ዜጋ ክኣስር እንከሎ „ገለ ጌሩ ይኸውን“፣ ሓደ ብጻዮም ክርሸን ክርእዩ እንከለዉ „ከዲዑ ይኸውን“፣ ሰባት ክስደዱ „ሃደምቲ“፣ ኣብ ግዱድ ዕስክርና መንእሰያት ኣብ ባርነት ክሽምግሉ እንክሪኢ „ግቡኦም‘ዩ „ ይብሉ። ስለምንታይ፣ ንምንታይ፣ ብኸመይ ምኽንያት ዝብሉ ናብ መንግስቲ ዝቐንዑ ሕቶታት ኣብ ሃገርና ነውሪ ካብ ዝቑጸሩ ኣዝዩ ነዊሕ ዓመታት ሓሊፉ‘ሎ። ንኹሉ ኣሜን፣ ናብ ኩሉ ሕራይ ምባል‘ዩ። እንተዘይኮይኑ ትሕተ-ሃገራዊ ሙኻንካ እዩ። መሰሉ ዘዝሓተት ኤርትራዊ ከም ጸላእን ተሓባባሪ ጸላእን ይረአይ። ክሳብ መንነቱ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ይኣትው። እዚ ኹሉ መሰልካ ካብ ዘይምፍላጥ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ገዛእ ረብሓኻ፣ ንሃገርና ለኻኺምዋ ይጠፍእ ኣሎ። ንኹሉ ውሽጥኻ ዘይዓግበሉ ነገራት ሕራይ እናበልካ ደኒንካ ምኻድ፣ ክብርኻ የሕሊፍካ ከም ምሃብ‘ዩ። ኤርትራውያን እምቢ ናይ ምባል ምሉእ መሰል ከምዘለና ዝዘንጋዕናዮ ንመስል። ልዕሊ ኹሉ ድማ ትማሊ ትማሊ ንመሰል ልኡላውነት ሃገርና ከምዝተቓለስና ረሲዕናዮ ኣለና።

ወዲ ሰብ ካብ ፍጥረታት ኩሉ ዓለም ክቡር እዩ። ሰብኣውነቱ ድማ እቲ ዝለዓለ ዋጋ ኣለዎ። ሎሚ ኣብ ሃገርና ልዕሊ ዓሰርት ሽሕ ዝኾኑ ቤተሰቦም ክበጽሕዎም ዘይክእሉ ኣብ ኣዝዩ ምስጢራዊ ስፍራ ብኢሰብኣዊ ዝኾነ መንገዲ እናተሳቐዩ ተሓይሮም ዝነብሩ ኣለዉና። ሓያለ ኣሕዋት ደቂ ሃገር ንዝሓሸ ናብራ ናብ ስደት ከምርሑ ዝተረሸኑ፣ ገለ ኸኣ ብሕሱም መግረፍቲ ዝሰንከሉ፣ ኣእምሮኦም ዝሰሓቱን ሂወቶም ዝተበላሸወን ኣለዉና። እዚ አቲ ሓቀኛ መስትያት ኤርትራ እዩ። ነዚ ምኽሓድ ኣንጻር ሓቅን ኣንጻር ሕልናኻን ምግዳል‘ዩ።

ዓለም በዚ ሰንቢዳ‘ላ ብሽምና ብዙሕ ይዝረብን ይጸሓፍን ኣሎ። መመሰልን መምሃርን ጥራሕ ዘይኮና ምስሊ ግናይ መስትያት‘ውን ኮይና‘ለና። እቲ ጥዑም ኣዝዩ ልዑል ዋጋ ደም ዝተኸፍሎ ኤርትራ ዝብል ሽም ሃገርና ብኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ ዝብል ግናይ ቅጽል ሽም ተተኪኡ‘ሎ። ብዙሓት ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከኣ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ተሪር ነቐፌታ የቕርባ ኣለዋ። ገሊኤንስ ወረ ንዓለም ብዝተፈላለየ መንገዲ ንግህሰት ኣብ ኤርትራ ዘቃልዕ ጽሑፋትን ፊልምታትን ከይተረፈ ክዝርግሓ ጀሚረን ኣለዋ። ንኣብነት ትካል ኤምነስትይ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብመልክዕ ፊልም ዘርእዮ ዘሎ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ዘተኮረ ናይ ሓደ ሰዓት ደኩመንታርይ ፊልም፣ ልቢ ብዙሓት ተንኪፉ ኣሎ። እቲ ብተለምዶ ብሄሊኮፕተር ወይ ኦቶ እናበልና ንጽወዖ ኣብ ሃገርና ዝፍጸም ዓይነታት ኢሰብኣዊ መቕጻዕትታት‘ውን ህዝቢ ዓለም ክፈልጦ ይድፈኣሉ‘ሎ። እዚ ግን ብዘይ ናትና ተሳትፎ ከንቱ እዩ። እቶም ዝተበደልና ንዓለም ክንሕብር ኣንተዘይኪኢልና፣ ነቲ ናይ ምዝራብ መሰልና ተጠቒምና ኣፍና ክንከፍት እንተዘይኪኢልና ተሳዓርቲ ኢና። ብፍላይ ነዛ ቆይማ ዘላ ኣጻራይት ኮሚቴ ሕቡራት ሃገራት ክንተሓጋገዛ ግድን ክኸውን እዩ። ምኽንያቱ ሕጊ ኩሉ ጊዜ  ብምስክርነትን ጭብጥን‘ዩ ዝኸይድ። ነብስወከፍ መሰሉ ዝተጋህሰ ኤርትራዊ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ዓለም ኣብ ልዕሊኡ ናይ ዝተፈጸመ በደላት ምስክርነቱ ክህብ ይሕተት ኣሎ። ጊዜ የለን፣ ዝተዋህበና ዕድል ውሱን እዩ። ኣጻራይት ኮሚቴ ስርሓ ጀሚራ‘ላ። ንተሓጋገዛ። ኣዚ ዕድል ኣዚ እቶም ኣብ ማሕዩር ዘለዉ የሕዋትና ክረኽብዎ ኣይክእሉን እዮም። ንሕና ኢና ድምጾም። ሎሚ ብፍላይ እቶም ኣብ ደገ ዘለና ትርጉም ሰብኣዊ መሰላት ኣስተማቒርናዮ ኣሎና። እዚ ህይወት እዚ ግን ንዓና ጥራሕ ዝተለገሰ ጸጋ ዘይኮነ ነቶም ኣብ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ምልኪ መሰሎም ተገፊፉ ብውርደት ዝሳቐዩ ዘለዉ‘ውን እዩ። ጽቡቕ ናትካ ንኻሎኦት ምምናይ ሰናይ ነገር እዩ።

ኤርትራ ሎሚ እታ ኣብ ዓለም ብኽብሪ ኣተሓሕዛ ዜጋታታ ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ ዘላ ሃገር እያ። በዛ ሎሚ ዕለት ከኣ ብዙሓት ተደናገጽቲ ኣዕርኹን ደለይቲ ጽቡቕናን መሰልና ክረክብ ምሳና ሓቢሮም ይጽውዑ ኣለዉ። ሎሚ ዝተረሸነ ሓውና፣ ዘተገርፈ ብጻይና፣ ዝተደፍረት ሓብትና፣ ንዝክረሉ ዕለት እዩ። ጋዜጠኛ፣ ፖለቲከኛ፣ መጋድልተይ፣ መሳርሕተይ ከመይ ትኸውን ኣለኻ ኢልና ንሓተሉ፣ ገበን ዘይብሉ ሕዩር ጎረቤትና ናይ ሳዋ ብጻይና፣ ናይ ስደት መጣፍእትና ንዝክረሉ መዓልቲ እዩ። ዝሓተና ዘሎ መድረኽ እምበርኣር በዛ ሎሚ ዕለት ድምጺ ሚልዮናት ዕቡሳት ክንከውን እዩ።

ሓርነትና ናይ ግድን አዩ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...