ኣገዳሲ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም - 16 መስከረም 2011
መደብ ህዝባዊ ሰላምዊ ሰልፊ
16 መስከረም 2011 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም።
ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ መወዳእታ ናይ እኩብ ድምር እከይ ተግባራቱ፡ ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን፡ ሕብረተ ሰብ ዓለምን ዝተቓላዕሉ፡ እቲ ኣብ 18 መስከረም 2001 ዝወሰዶ ጅምላዊ ጭውያን ማእሰርትን ቕትለትን'ዩ። ብመላኺ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ልዕሊ ነባራት ተጋደልቲ፡ ኣባልት ባይቶን፡ ማእከላይ መሪሕነት፡ ጋዜጠኛታት፡ ሽማግለታት ዝወሰዶ ስጉምቲ ሎሚ እንሆ 10 ዓመታት ሓሊፉ። ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንዜጋታት ኤርትራ ኣብ ዘይትፍለጡ ጎዳጉዲ በረኻታት ኤርትራ ሓቢኡ ብዘሰቕቕ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ክሳቕዮም ይርከብ ኣሎ።
ምእንቲ'ዚ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል፡ ግዱስ ሃገራዊ ኣብ'ዚ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ንኽካየድ ተመዲቡ ዘሎ መበል 10 ዓመት ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽሳተፍ ይጽዋዕ።
ዝግበረሉ ዕለትን ቦታን
ዕለት …… 16 መስከረም 2011
ሰዓት …… ካብ 1330 ክሳብ 1600
ቦታ …… ቆንስል ኤርትራ ሊዲንጎ ዝርከብ እዩ።
ኣድራሻ …… Herserudsvägen och Stjärnväg
ዝራኸባሉ መስቀላዊ መንገዲ'ዩ።
መጓዓዓዚ
ካብ ሰንትራለን ቀይሕ መስመር ባቡር ቁ.13 ንሩፕ ስቴን ትወስዱ፡ ኣብ ሩፕ ስቴን ምስ በጻሕኩም፡ ኣውቶቡስ ቁ 206 ትወስዱ። ኣብ ሊዲንግ ኦ ሰንትሩም ትወርዱ
Tunnelbanas röda linje 13 från T-centralen mot Ropsten. Kliv av Ropsten och Ta buss 206 mot Lidingö Centrum: Kliv av I lidingö Centrum
ብደሓን ምጹ
Eritrean Youth Solidarity for Change (EYSC)
Contact tel 073-7444385