ክቡራት ኣንበብቲ፡ ነዛ መልእኽቲ ኣንቢብኩም፡ ብዝከኣለኩም ክትተሓባበሩና ንምሕጸነኩም።

ኤፍሬም ኣድሓኖም ሓጎስ ዝተባህለ ዝተባህለ ኤርትራዊ ሓውና፡ ወድና፡ ዓርክና፡ ድሃዩ ስለዝጠፍኣና፡ ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ ንብለኩም።

ሓበሬታ
ኣብዛ ርእሲ ስእሊ እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ተጠቐሙ።
ኤፍሬም ኣድሓኖም ሓጎስ፡ መበቖል ዓዱ፡ ሰርዐ፡ ዞባ ደቡብ፡ ንኡስ ዞባ ማይዓይኒ እዩ። ብ1984 ኣብ ሱዳን ተወሊዱ። ድሕሪ ነጻነት ድማ ናብ ኤርትራ ኣትዩ።
ካብ ኤርትራ ድማ ብወርሒ 10፡ 2004 ወጺኡ፡ ናብ ሱዳን ተመሊሱ።
ካብ ሱዳን ድማ ብወርሒ 12፡ 2010 ናብ ምድረበዳ ሲናይ (ግብጺ) ተበጊሱ። ድሕሪ ናይ ወርሒ ጉዕዞ፡ ብወርሒ 1፡ 2011 ናብ ሲናይ ግብጺ ኣትዩ።

ኣብ ሲናይ ሓደ ወዲ (ሽሙ ኩሉ ኣሎና) ተቐበሎ። እዚ ዝተቐበሎ ወዲ ገንዘብ ሓቲቱ፡ ብዝተፈላለየ መገዲ እቲ ገንዘብ ተላኢኹሉ፡ በጺሕዎ።
ኣነ ግን ሓወይ እንተጸበኹ ከሎኹ፡ ሓወይ ኤፍሬም ኣድሓኖም ሓጎስ፡ ደዊሉ፡ ናብ በደዊን ናይ ሲና ከምዝተሸጠ ሓቢሩኒ። ካብዛ እዋን ኢዝኣ ንሓደ ክልተ ሰሙን፡ ብስልኪ ተራኺብና። ድሕሪኡ ግን ፍጹም ድሃዩ ጠፊኡና ኣሎ።

ሓደ ኣብ እስራኤል እትዩ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ን ኤፍሬም ኣድሓኖም ሓጎስ፡ ስጋብ ኢት ዶብ ናይ እስራኤል፡ ምስኡ ከምዝተጓዕዘ ይሕብር። ካብኡ ንንየው ግን ፍጹም እይረኣዮን።

ዓይንኹም ትብራህ፡ ሃለዋት ኤርፍሪም ኣድሓኖም ሓጎስ ክንፈልጥ ተሓባበሩና።
ብዙሕ የቐንየልና፡ ኣምላኽ ካብ ኩፉእ ይሓልኹም

ዘለኩም ሓበሬታ ንሓው፡ ንኣቶ ሙሉብርሃን ኣድሓኖም ሓጎስ ክትሕብርዎ ትኽእሉ።

ቕ. ስልኪ፡ 00 31 (0)6-84223859
ወይ
00 31 342-435974


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...