ንዕማ ኣንዋር ኣሕመድ

ንዕማ ኣንዋር ኣሕመድ ብ 1988 ዓ.ም.ፈ ካብ ኣቦኣ ኣንዋር ኣሕመድን ካብ ኣዲኣ ፋጡማ ነስረዲን ሙሳን ካብ ብሄረ ዓፋር ኣብ ኣዲሳበባ ተወሊዳ።
 ምስ ምብራዕ ኩናት ኤርትራን ኢቲዮጵያን ስድራቤታ ሃንደበት ንሳ ኣብዘይነበረትሉ እዋን ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ምስጋግ ኤርትራውያን ካብ ኢቲዮጵያ ብ 1999 ዓ.ም.ፈ. ተሰጊጎም። ካብዚ ዕለት እዚ ጀሚራ በይና ን ኣስታት 7ተ ዓመታት ማለት ካብ 1999 ክሳብ 2006 ምስ ሓንቲ ኢቲዮጵያዊት እልፍነሽ ዓብዱ ዝተባህለት ክትቅመጥ ድሕሪ ምጸናሕ። ካብዚ ቀጺላ ብ 2006 ናብ ሱዳን ኣምሪሓ። ካብ 2006 ክሳብ 2009 ከምኩሉ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ሱዳን ተቐመጠት። ቐጺላ ማለት ብ 2009 ድማ ናብ ኤውሮጳ መጺኣ። ሕጂ ኣብ ስዊዘርላንድ ትርከብ።
 ንዕማ ክሳብ ሕጂ ደሃይ ሃለዋት ስድራቤታ ካብ ዝኾነ ሰብ ክትረክብ ስለ ዘይከኣለት ማለት  ስለ ዘይረኸበት ኩነታት ህላዌኦምን ኣበይ ከምዘሎውን ንምፍላጥ ካብ ዝኾነ ኤርትራዊ ግዱስ ዜጋ   ሓገዝ/ሓበሬታ ትደሊ። ብፍላይ ድማ ምቐረባ ክፈልጡዎም ዝኽእሉ ካብ ብሄረ ዓፋር ክኾኑ ይኽእሉ ዮም ኢለ ይግምት። 
ንዝያዳ ሓበሬታ ሓትነኣ ኣብ ኣዲሳበባ ከሎው ካብ ኤርትራ ትመጾም ዝነበረት ጀሚላ ነስረዲን ሙሳ ትበሃል።
ኣሕዋታ ን ንዕማ ድማ፦
1. ቦኹሪ ሓፍታ ኑራ ኣንዋር ኣሕመድ
2. ኢክረም ኣንዋር ኣሕመድ
3. ዓብዱሰላም ኣንዋር ኣሕመድ ይበሃሉ።
ደሃይ ናይዞም ስድራቤ ዝፈልጥ በዚ ዝስዕብ ተለፎን ክሕብረኒ ብትሕትና ይሓትት።
ተለፎን፦ 0041765491682
ሓብትኹም ንዕማ ኣንዋር ኣሕመድ ካብ ስዊዘርላንድ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...