ካብ 50ታት ክሳብ 80ታት ዝነበረ ትውልዲ ብኑጽር ናይ ናጻነት ዕላማ ተረዲኡ፡ ብኡ መጠን ኒሕ ተዓጢቁ ንናጻነት ህዝቡን ሃገሩን ንኸተግብር ኣንጊሁ ብምውፋር ሜዳታት ኤርትራ ኣዕለቕሎቖ። ከምታ ቃሉ ከኣ ነታ እንኮ ዝውንና ሂወቱ ከፊሉ ነታ ዝተመነያን ዝደኸመላን ዝድመየላን ነጻነት ኤርትራ ንብዙሓን ርእሰሃያላን ኣምበርኪኹ ህልውቲን ህያውን ከኣ ገበራ።

እዚ ህያው ስርሒት ክገብር ከሎ ናይ ነዊሕ ዘሰጉም ራኢ ሒዙ እዩ ዝተበገሰ። ኮይኑ ግን ናይቲ ግዜቲ ራኢ ፡ እዚ ሕጂ ዝርኤ ዘሎ ኣደዳ ስደትን ሞትን ሂልቂትን ኣብቂዑ ሓንቲ ብልጽግቲን ምዕብልትን ኤርትራ ንኽሃንጽ እዩ ኔሩ ቲቃልሲ።  ሕጂ ግን ብኣንጻሩ ኮይኑ፡ እቶም በቲ ግዜ ቲ ንህዝቢ ዘተስፍዉ ዝነበሩ መራሕቲ ሰውራ ካብኣቶ ሓደ ኣብ ዝተዛረቦ ዘይውዕል መራሕ ጉጅለ ህግድፍ ባዕሉ ፕረሲድንተ ዝጸውዐ ንነብሱ  ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሓደ ካብቶም ቃሎም ዓጺፎም ህዝቢ ዘከላብቱ ዘለዉን ኣብ 21 ክፍለ ዘመን እዱድ ባርነት ብምትእትታው  ሃገር ዘፍርሱ ዘለዉን እቲ ቀንዲ ሓለቓ ምዃኑ እዩ። ብሰንኪዚ ጋሕማጥ ምሕደራ ስርዓት ማፊያ ሳሕል፡ ናይ ሕጂ መንእሰይ እዚ ስቓይን መከራን ተቀባሊ ኩይኑ ናብ እግሩ ኣብ ዚመርሖ እና ኸደ ሂወቱ ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍኤ ሞትን ሂልቂትን የቃልዕ ኣሎ። ነዚ ግን እዋእ ተፍዳይኡ። ኣብዚ ሰዓት እዚ መንእሰይ ትውልዲ ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ግብጺ፣ ከምኡ እውን ኣብ ሊብያ ዝሕልፎ ዘሎ ምረት ንጸላኢኻ እኳ ዘይትምነየሉ ክነሱስ፡ ቲፋኖስ መራሕ ህግደፍ ግን ገና ናይ ለይቲን ቀትርን ሕልምታቱ  ዝኾነ ንዝመጽእ ዘሎ 30 ወይ 40 ዓመታት ክሳቕየኩምን ክመርሓኩምን እየ ምባሉ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ማዕረ ክንደይ ንዕቀት ከምዘለዎ እዩ ዝገልጽ። ካብቲ ዝገርም ግን ኣብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ መብጽዓታት ዝኣቱ ዝነበረ እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘሎና ወይ ንፈልጦ ኢሳያስ ኣይነበረን።

እሞ ከምዚ እንተኮይኑ ትዕድልትናስ ንሕናኸ ኪኖ እዚ ነገር እዚ ሓሊፍና ክንዝቲን ክንወሃሃድ ዝእግደናስ እንታይ እዩ? መድሃኒትና ኣብ ኢድና እንከሎስ ተቘዝርና ምምዕድዳው ምስ ምንታይ እስራዕ?

ወዮ እኳ ድኣ እዚ ህዝቢ ዚ ዘይተዓደል ኮይኑ እምበር፡ ሎሚ እዚ ሕሰምን መከራን ብጀነራላት ማፊያ ሳሕል ብኣምላኽ  ዝተዋህቦም ባህሪያዊ ሂያብ ሕልናኦም ዝደርበዩ ብዝኾነይኹን መምዘኒ መሰልን ሓላፍነት ህዝቢን ብዘይ ስምዕምን ብዘይ ርድኦምን፡ ሰብ መስል እንስሳታታ ንኽዋረድ ዝተፈርደ ትውልዲ እዚ ሕጂ ኣብ ሊብያ ዝተረኽበ ሰፍ ዘይብል ህልቂት ዝተቓልዐ መንእሰይ መርኣያ ኣዩ።

ከምቲ ግቡእ ህዝቢ ኤርትራ መምህር ፍትሒ መምህር ሰላም ካብቲ ክኾውን ዝግብኦ ዝነበረ ክነሱስ ሕጂ ግን ነቲ ኩሉ ሕማቕ ዝተባህለ መመሰሊ ኮይኑ እርከብ።

ኤርትራውያን ኣብ ሲናይን (ግብጺ) ኣብ ሊብያን ኣደዳ ስቓይን መከራን ህልቂትን ኮይኑ ኣሎ እቲ ትዕድልቶም። ብኣንጻሩ ግን ኣብዚ ኣነ ዝነብረሉ ዘለኹ ከም ንስርዓት ህግደፍ ክኽድሙ ህዝቢ ክመቃቅሉ ናይ ለይትን ቀትርን ስራሕና ኢሎም ክተሓሓዝዎ ክትሪኢ እንከለኻ፡ ከም ሰብ ኣዝዩ እዩ ዝገርመካ ። ብውሑድ ካልኢታት ወይ እውን ብሓደ ድቂቅ ዘይኣክል ፡ ንጹሃን መንእሰያት ኤርትራውያን ዓለም ከይጸገቡ ክሃልቁ እንከለዉ ፡ ነዚ ‘ውን ሓሶት እዩ ፡ ስም መንግስቲ ንምክፋእ እዩ፡ እንዳበሉ ከም ኣመሎም ሓቅታት ክጉልብቡ እራኣዩ ። ኣብዚ ሳዓት እዚ አምበር ዶ ከምቲ ንሰብ ዝተዋህበ ሕልና ተዋሂቡዎም እዩ ኣብ ዝብል ኣተሓሳስባ የእትወካ ። 

325 መንእሰያት ኣብ ሓደ ደቂቅ ክቅዘፉ እንከለዉ እዚ ንእዝጊ ዝኣምን ወዲ ኣዳም ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ሃገራዊ ጥፍኣት እውን አዩ ።ነዚ ንኽንገጥሞ ሓላፍነት ናይ ኩላትና ክኸውን ምተገበኤ። ብዓይኒ እዚ ስርዓት ሳሕል ግን ሂወት ኤርትራዊ መንእሰይ  ብገንዘባዊ እቶትስለ ዝሪኦ ግፍዒ ዜጋታቱ ኣብ ቅድሚኡ ዋጋ የብሉን። ካብዚ ተበጊሰ አየ ካኣ ዘይተዓደለ ህዝቢ ንስቃይ ዝተፈርደ ትውልዲ ዝበልኩዎ። መንእሰያትና ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ኣይጠዓሞምን ።መንእሰያት ኣብ ዓዲ በቲ ስርዓት ተጠሊሞም። ኣብ ወጻኢ ካኣ ብህዝቢ ተጠሊሞም ። ብስቅያት ምማቶም ኣብ ክንዲ ምሕዛንን ምስትንታንን፡ ካብኡ ሓሊፉ ተጠያቒ (ተሓታቲ) ናይ ጉዳይ መቅተልቶም ኣብ ክንዲ ምፍታሽን (ምንዳይን) ምጽናዕን ጓል መንገዲ ሒዝካ ምህውታት ስራሕና ኢልና ተተሓሒዝናዮ። ንኣብነት እዚ ነገር እዚ ወግዓዊ ካብ ዝኸውን ድሮ ሰለስተ መዓልታት ኣትሒዙ ኣሎ። ካልኦት መራኸብቲ ቡዙሓን ግን ኣብቲ ልሙድ ናይ ምውንጃል ስርሐን ኣድሂበን እርከባ። ቀዳምነት ዝስራዕ ግን እዚ ኣዝዩ ከቢድን ዘሕዝንን ሂወት እቶም ብሉጻት መንእሰያት እዩ ኔሩ። ወዮ ዳኣ ረሳዕቲ ኮንና እምበር ቅድሚ ሕጂ ልዕሊ 75 ነብሳት ዝወሓጠት ሊብያ ናይ ቀረባ ተዘኩሮታትና እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ኦጋንዳ ግዳያት ግብረ-ሽበራ ዝኾኑ ለይለይ መንእሰያት ኣዚና ዝዘንጋዕናዮም ንመስል። እዚ ጉዳይ እዚ ን ኣሰና ወብ ሳይት ጥራሕ እዩ ዝምልከት ዝበለ መን እዩ? እቶም ኩሎም ህቡባት ጋዜጠኛታት ኣብ ዓለም ተዘርጊሖም ዘለዉ ብትብዓት ንቅድሚት ንምውጻእ ዘጸግሞም እንታይ እዩ? እቶም ኩሎም ተቃወምትን ምሁራትን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ እንዳ ሻሂ ኮይኖም ጥራሕ ካብ ምዝራብ ሓሊፎም ብዛዕባ ናይ እዞም መንእሰያት ሂወት ኣጠፋፍኣን ተሓታትነትን ሓባራዊ ዝኾነ ናይ ስራሕ ዕማም ንህዝቦም ማለት ኣብ ወጻኢ ንዝነብር ህዝቦም እንተዝጉስጉሱ ብኡ መጠን ንዝምልከተን ናይ ነቶ ሓይልታትን ክስታት እንተዝምስርቱን፡ ኣዝዩ ልቢ ብዙሓት ኤርትራውያን ምተንከፉ፡ እሞ ብኡ መጠን ካኣ ምስ ህዝቢ ምተወሃሃዱ ኔሮም። ትዕድልቲ ናይ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸመይ ኣብ ንቡር ሂወት እምለስ ኢልካ ምሕሳብን ግዜ ከይወሰደ ናይ ዕዮ ገዛ ክኸውን እግበኦ። ካብዚ ሓሊፉ ግን ካልእ ናይ መስኪን ኤርትራዊ ሂወት ገና ኣብ ታርትኡ ( ሪግኡ) ተሰሪዑ ንጥፍኣት እጽበ ኣሎ ማለት እዩ። ባዕልና መፍትሒ ኣናዲና መዕረፊ እንተዘይገበርናሉ ፡ ስርዓት ማፍያ ሳሕል ጉጅለ ህግደፍ ፡ ጥፍኣት ናይ ‘ዞም መነሰያት አዚኣቶም ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ብኣቃጫጭ ዝበሎ፡ ንፒክኒክ ወይ መናፈሻ ከይዶም ኢሉ እዩ ክገልጾም ። ስለዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ስርዓት፡ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ዓይነት ስላዕ ከውድቀሉ ኣለዎ ኢልካ ምሕሳብ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስን ዝሓምምን ሓላፍነት ከም ዝኾነ በዚ ኣጋጣሚዚ የዛኻኽር ። ካብዚ ሓሊፉ ግን ጥፍኣት ናይ እዚ መንእሰይ እዚ ገና ኣይተወደአን ።

ኩቡራት ኣብ ወጻኢ እትነብሩ ኤርትራውያን ንቡር እዩ ብስነ ሓሳብ ምፍልላይ፡ እቲ ኣዝዩ ዓገብ ግን ብርሰት ሃገርናን ጥፍኣት ኤርትራዊ ዜጋን ብጠጠውካ ምርኣይ እዩ። እሞ ኣብዚ ተሃዋስን ርሱን ግዜ፡ ካብኡ ሓሊፉ ኣብ መኣዲ ግፍዒ እዞም ብሉጻት መንእሰያትናን ኣብ ደቓይቅ ዝሃለቁ ዜጋታትና ብዘይ ውዓል ሕደር መድረኽ እጽውዓና ኣሎ እሞ ብኸመይ ንገጥሞ። ኣብ ፍልልያትና ሓይልና ኣይንጸንቅቕ ንህዝብናን ሃገርናን ቀዳምነት ንስራዕ።
       
       ንስድራ ቤት ምዉታንን፡ ናዓና ንኤርትራውያን ጽንዓት ፡
       ነቶም ብሞት ዝተፈልዩና መንግስተ ሰማያት የዋርሶም።

ሚያዝያ 06, 2011
ኦታዋ ካናዳ    


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...