ኣገዳሲ መልእኽቲ ካብ ብጹእ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ፓትርያርክ - ብዛዕባ መሪር ሓዘን
"ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሃብዎም፡ ደሞም ኣብ ዙርያ የሩሳሌም [ሊብያ] ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን
መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ከቢድ ሓዘን እናተሰመዖ፣ ንሰንበት 10 ሚያዝያ 2011 ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናት ህጹጽ ናይ ጸሎትን ምህልላን መደብ ኣውጁ'ሎ። ስለ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንጽልን ክንበክን ኢና።" ኣምላኽ ንስቓይናን መከራናን መወዳእታ ክገብረሉ፣ ነዞም ህልቂት ዘጋጠሞም ልዕሊ 325 ዜጋታትና ድማ ጸሎት ፍትሓት ክግበረሎም'ዩ።
ኣብዚ ዕለት'ዚ፣ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝምራሕ ኣገልገልቲ ካህናት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ዝርከብዎ፡ ኣብ ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣትላንታ፡ ተኣኪቦም ጸሎት ፍትሓት ከካይዱ እዮም። ኤርትራውያን ኩሎም ብዘይ ኣፈላላይ፣ ኣብቲ ናይ ጸሎት መደብ ክትሓብሩና እናተማሕጸንና፣ እቲ ስነ-ስርዓት-ጸሎት ብኢንተርነት ብቐጥታ ክዝርጋሕ ምዃኑ ንሕብር።
ክብርቲ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ዜጋታትና፡ ኣምላኽ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ኪቕበሎም፣ ንስድራ ቤቶም ድማ ምጽንናዕ ኪህበልና ጸሎትናን ምህልላናን ናብ ኣምላኽ ነቕርብ።
እግዚኦ ኣዕርፍ ነፍሰ ኩሎሙ ምውታን።
እግዚኣብሔር ንስቓይና መወዳእታ ይግበረሉ።
መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ።