ሰንበት ዕለት 30 ጥቅምቲ 2011 ብህ.ግ.ደፍ ዝተወደበ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ተኻይዱ።ዕላማ እዚ ኣኼባዚ  ነቲ ኣብ ሚላኖ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን  ምግምማዕ ንምፍታሕ ተባሂሉ ዝተጸውዐ ኢዩ።

ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ  ብተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ወገን

1. ኣቡነ ዲያስቆሮስ ፓትሪያርክ ተዋህዶ ቤትክርስትያን  ኤርትራ፣

2. ኣቶ እፍታሀ ዲሞጥሮስ- ኣማሓዳሪ መንበረ ጵጵስና ኤርትራ፡

3. ቀሺ ሃብቶም ርእሶም -ዋና ጸሓፊ ምምሕዳር መንበረ ጵጵስና  ኤርትራ፡

4. ኣቡነ ኣትናትዮስ -ናይ ኤሮጳን ኣሜርካን ቤት ክርስትያናት ሓላፊ ክኾኑ ከለው፣

በወገን ህ.ግ.ደ.ፍ ድማ ፣

1. ኣቶ ዘመደ ተኽለ - ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሃገረ ኢጣልያ

2. ኣቶ ርእሶም ገብረሂወት - ሓላፊ ቆንስላዊ ቤጽሕፈት ኤርትራ ኣብ ሚላኖ ኢዮም።

እቲ ኣኼባ ንኹሎም  ኣመንቲ ተዋህዶ ዝዕድምኳ እንተነበረ ከምቲ ልሙድ ጠባይ ህ.ግ.ደ.ፍ ዋርድያታትን ሰለይትን ኣብ ኣፍ ደገ ብምውፋር ነቶም ብሕቶታት ከየዋጥርዎምን ከይብድህዎምን ዝፈርሕዎም መንእሰያትን ኣዴታትን  መሪጾም ምእታው ክኽልክሉን ካብቲ ኣኼባ ክሰጉን ጀመሩ።እዚተግባርዚ ኣብ ባህልን፣ኣብ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍን ናይ ማሕበረ ሰብን ኣኼባታት ልሙድ ኮይኑኳ እንተጸንሐ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ካብ ኣብቲ ናይ ማሕበረሰብ ኣዳራሽ ዝካየድ ናይ ሓዘን ቦታውን ከውጽኡ ጀሚሮም ኣለዉ።

መስርሕ ናይቲ ኣኼባ ብጸሎትን መዝሙርን ብምኽፋት ሃይማኖታዊ ኣኼባ ከምስልዎኳ እንተፈተኑ ኣብ መወዳእትኡ ግን ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ ህ.ግደ.ፍ ንምክያድ ዝተመደበ ኣኼባ ምዃኑ ህዝቢ ክግንዘቦ ክኢሉ።ብተኸታታሊ ኣቶ ዘመደ ተኽለ፣ኣቡነ ኣትናትዮስ፣ኣቶ ርእሶም ፣ቀሺ ሃብቶምን፣ይፍታሀ ዲሞጥሮስን ፓትርያርክ ኤርትራ ኣቡነ ድያስቆሮስን ማይክርፎን ብምቅብባል መደረኦም ኣስሚዖም። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ መሰረታዊ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ነቲ ኣብ እንዳማርያምን እንዳ ሚኪኤልን ብዝብል መጸዋዕታ ተመቓቒሉ ዘሎ ኣማኒ ንምቅርራብ (ንምትዕራቕ) ተባሂሉ ዝተወጠነ  ምዃኑ ብዙሕ ጎስጓስ ከካይድሉ ጸኒሖም ኢዮም።እንተኾነ ግን እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ናይቲ ኣኼባ ነቶም ምትእትታው ኢድ መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኣይንቕበልን ኢሎም  መንፈሳዊ  ምንቅስቓሶም  ከካይዱ ዝጸንሑ  ኣመንትን ሽማግለ ማሕበርን ቤተ ክርስትያን እንዳማርያም ምንጽላምን ካብ ህዝቢ ንምንጻልን ከምዝነበረ ኣጸቢቑ ክበርህ ክኢሉ።

ኣቶ ርእሶምን ኣቶ ሃብቶምን ኣብ ዝሃብዎ መደረን ጸብጻብን ነቶም  ነጻ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ ከካይዱ ዝጸንሑን ዘለውን ኣመንቲ፣ ብምጥፍፋእ ገንዘብን ብምስራቕ ንብረትን ምጥቃን ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቲ ክሶም ፖለቲካዊ መልክዕ ንምትሓዝ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወስደ  ናይ እገዳ ስጉምቲ ደጊፍኩም፣እሱራት ክፍትሑ ጠለብ ኣቕሪብኩም፣…ወዘተ ዝብል ክስታት ብምድርዳር  ተሓተቲ ናይቲ ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ  ምምቕቓል ሓላፍነት ከሰክምዎም ፈተኑ።እቲ ክውቃዕ ዝተደልየ ሽቶ ነቶም ነጻነት እምነት ክኽበር ኣለዎ ዝብሉ ኣመንቲን ሰዓብቲን ቤተ ክርስትያን እንዳማርያም  ብህዝቢ ክንጸጉን ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ዝካየድ ከቑምዎ ሓሲቦም ዘለዉ  ቤትክርስትያን ጥራሕ ክምዝገብን ክስዕብን ግዴታ ከምዝኾነ ንምጥንቃቕ  ዝሓለነ ኢዩ ነይሩ።

እቲ ኣኼባ ኣብዚ ጥራይ ከይተወሰነ ሃይማኖታዊ መልእኽቱ ስሒቱ  ብመራሕቲ ሃይማኖትውን ከይተረፈ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘጸባብቕን ዝንእድን ኮይኑ ተኻየደ።እቲ ፍሉጥ ናይ ይፍታሀ ዲሞጥሮስ ኣብ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘስምዖ ሞጎሰን ናእዳን ንጎድኒ ገዲፍካ ብፓትሪያርክ ኣቡነ ዲያስቆሮስ ዝተዋህበ መልእክቲውን ካብ ትጽቢት ህዝቢ ወጻኢ ኮይኑ ኣብ ፖለቲካዊ ሰብከትን ጎስጓስን ዘተኮረ ኮይኑ ተረፈ።እቲ ዘስደምም በቲ ኣቡን ዝህብዎ ዝነበሩ መደረ ዘይዓገበ ኣቶ ይፍታሀ ዲሞጥሮስ ኣብ እዝኖም ብምቕራብ “ህዝቢ ሚላኖ ጅግና ኢኻ በልዎ” እንዳበለ ሕሹኽታ ብምብዝሑ ብኣንጸርጽሮት “ይብልኮ ኣለኹ” ዝብል መልሲ ብዓውታ ኣቃልሕዎ።ኣብ መወዳእታ እዚን ካልእን ተደማሚሩ ህላወ ፓትሪያርክ ንፖለቲካዊ ህልከት ስርዓት ህግደፍ  ከምዝመጹ ህዝቢ ብንጹር ክበርሃሉ ክኢሉ።

ህ.ግ.ደፍ እቲ ህዝቢ ኤርትራ እንደፈንፈኖ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ሕሶት  ፕሮፖጋንድኡ ብካድራቱን ብመራሕትን ምክያዱ ተቐባልነት ስለዝሰኣነ ጉልባብ ፈጢሩ ብመራሕቲ ሃይማኖት ከካይዶ ምጅማሩ ናይ ምፍሻሉ  ምልክት ምዃኑ ዘብርህ ኢዩ።

እቲ ናብ ህዝቢ ከመሓላልፍዎ ዝደለዩ መልእኽቲ ሽቶኡ ንኽወቅዕ ኣብቲ ኣኼባ ንሶም ዘይደልይዎ ሕቶታት ክሓቱ(ታ) ይኽእሉ(ላ) ኢዮም ዝበልዎም መንእሰያትን ኣዴታትን ምኽልካልኳ እንተጀመሩ ኣብ መወዳእታ ግን እዚ ፈተነዚ እውን ካብቶም ኣብቲ ኣኼባ ሰሊኾም ዝኣተዉ መንእሰያትን ካብ ኣመንቲ ኣዴታትን ብርቱዕ ተቓውሞ ስለዝተራእየ ነቲ ዝጀመርዎ ስጉምቲ ጠጠው ከብልዎ ተገዲዶም ።ነቲ ዘቕረብዎ ናይ ሓሶትን ናይ ምጽላምን ጸብጻብ ንምብዳህን ሓሶት ከምዝኾነ ንምግላጽን ህዝቢ ተዳልዩ ክምዝነበረ ስለ ዝፈለጡ ፣ጸብጻቦምን ፕሮፓጋንደኦምን ብዘይ ሕቶን መልስን ክዓጽውዎ ተገዲዶም።ፍሽለቶም ድማ ብዝያዳ በሪሁ።ህዝቢ ሚላኖ ድማ ፍታሕ ካብ ህ.ግ.ደ.ፍ ክረክብ ትጽቢት ክገብር ከምዘይግበኦ ዝየዳ ተኣማሚኑ ወጺኡ።

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...