ኩሕሊ መስሕብ መልክዕ መጠመቲ

መዓል ውዕሎ ሕግታት መመስረቲ

መኤከቢ እንዳባ ዘማኽር ዘዛቲ

ባይቶ መዕበይ ቆላዑ ሕጻውንቲ

ሕግታት ይትከሎ ይኹመር ንዳእቲ

ቀጢን ዘንጊ ምርኩስ መማጎቲ

ዳኛ የጨባብጥ ዓበይቲ መተዓረቕቲ

ነዊት ነየሕርስ ብዘይካ-ንእሽቶይ ቅትርቲ

ባይቶ ኣይኽፈትን ብዘይካ ኩሎም ተኸፈልቲ

ነውሪ ንበይንኻ ጉያ-ጉያ ብዘይመማቕልቲ

ኣስተውዒልካ መሚ ኣእትወሉ መኽባዕቲ

ሪም የረማር እዩ ኣይኮነን ግጅለኣዊ ሕዛእቲ

 

ሽውሽውታ ንፋስ ለቀነ

ሕላገት ህዝቢ ዘበርዓነ

ብወረ ጥራሕ ዝተዓየነ

ጥጅእ ተተኩሱ ከይሰኸነ

ቂምን ቅርሕንትን ዘራሳሰነ

ተስፋ ውጹዓት ዘብነነ

መንእሰይ ቆጽዩ ዘድነነ

ንሓርበኛታት መቓቒሉ ዝበተነ

ሕጊ-ኣልቦ’ሞ ብምንታይ ይዳነ

ማሕለኻ ተሳኢንዎም በዓል ኣነ-ኣነ

ዓንዲ ኣይከውንን ዝቖንቆነ

 

ሓደ ክኸውን ይደሊ ሕሉፍ ሃገራዊ

ንመማቕልቱ እናወንጀለ ብወጽዓ ህዝቢ የእዊ

እከይነቱ ሓቢኡ ክመስል ብጹእ ባሕታዊ

ብተመልከተለይ ቃልሲ ህዝቢ ረሚሱ ዘድዊ

ጸልማት ተጎልቢቡ ይትርኩዕ ዘይጠፍእ ሓዊ

 

ንኢሰያስ ጥራሕ እናኸሰስካ ጉድካ ክትሓብእ

ጻልጣ ጽባ ብዘይመራግእቲ ፍጹም ነይረግእ

ብዋዛ-ፈዛዛ ኣይትርኣዮ ሪም የቃትል’ዩ የፋግእ

ዘይቕረፍ ታሪኽ’ ብሃቦ-ተረከቦ ባይቶኻ ክትፈግእ

ሃየንታ ኣለዎ ትርግታ መንእሰይ ጨዊኻ ክትሓብእ

 

ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ

ምብትታን ተባኹዓ ትህውጻ

ግራጫታት ብዘይጉርማጅ ትነፍጻ

ምስ-ምስ ሓምየት ትምውጻ

ለባም እናተቐዘፈ ብቓጻ

ኣደታት’ኽን እስከ ደንግጻ

ሕሰባ ቁሩ ካብ ኮማሮ ህግደፍ ክትበልጻ።

 

ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረ፥ ዝጋብእ ዘሎ ውዕሎ ኮታ ጉባኤ ካብ ኩውንነቱ ንላዕሊ(ብስም ሃገራዊ ጉባኤ ተጠሚቁ) ይሰላሰል እካ እንተሃለወ  ብዙሓት ንጹሃትን ለባማት ዝተሳተፍዎ ስለ ዘይሰኣኑ ኣልሚምካ ክትውግዞ ኣይግባእን በሃላይ እየ። እንተሓመቐ ገለ ጥዑይ ጨና ዝነስዑ ኣይሰኣኑን። ከምኡ’ውን ከም ደቂ ሃገር መሰረት ተኣኪቦም ብዛዕባ ሃገሮምን ህዝቦም ክዛተዩ መሰሎም እዩ። እንተኾነ ግን ገዲፍካዮ ዘይትኣቱስ ገዲፍካዮ ኣይትጉየ እዩ ነገራቱ። ብሳላ ዘይብቕዓት ኣመራርሓኦም ኣቓልቦ ህዝቢ ስሒትዎም ምህላዉ ዝዘንግዑ ይመስሉ፡ ብኣንጻሩ ጉዳይ ዳኒኤል ተወልደ ርሱን እህህታ ከለዓዕል ምኻኑ ዘይምግማቶም  ክሳብ ክንዳይ ናይ ዝሓለፍዎ ተመክሮ ድኽነት ነጽይዎም ምህላዉ ክምዘን ይከኣል። ልዕሊ ፍርቂ ዕድመኦም ዝተቓለሱ’ሞ ንዓመት ምሉእ ንጉባኤኦም ንኸዐውት ዝተረጋረገ መንእሰይ ንስለ ኣቶ ኣማሃ ደመኒኮ ምስ ጉጅለኡ ካብ ነቐፈታ ከድሕኑ ክብሉ በጃ ኣሕሊፎም ክሰቕልዎ ከለዉ ሕንዚ ሳዕበናቱ  ንጉባኤኦም ተመሊሱ የራጽሞ ምህላዉ ብተግባር ኣብ ባይታ ይርእዎዶኾን ይህልዉ፤ እዚ’ዩ ከኣ ሓባል መጠመቲኣ ትኮሓል ዝበሃል ወይ’ውን ውጠጦ ንወጠጦ መኒና ንተሓረድ እንተበሎስ ክልቲና ኣይንተሓረድ  ዝበሎ። ነንሕድሕዶም ክተሓላለዩ ክብሉ ክፋኦም መሊሱ ተቓሊዑ።

ይቕጽል...፡

ገብረሂወት ውልደሚካኤል

2011-11-29

ስቶክሆልም


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...