ኣዳላዊ- ኣህጉራዊ ማሕበር ኣይፋል ንኵናት

ኣገባባት ንዘይጎነጻዊ ጎስጓስ

መወከሲ-መጽሓፍ

ማሕበራዊ ለውጢ ብቐሊሉ ዝመጽእ ፍጻሜ ኣይኰነን። እዚ መወከሲ-መጽሓፍ በቶም ንፍትሓውን ሰላማውን ዓለም ንኽህሉ ዝቃለሱ ውፉያት ሰባት ዝተገብረ ናይ ስራሕ ውጺኢት ኰይኑ፡ ብጉጅለታት ወይ ብዋህዮታት ተሓለቕቲ ኣብ ዝርርባት፡ ናይ ታዕሊም ርክባት፡ ኣብ ምንጽብራቕ ሕሉፍ ተመኵሮታት፡ ኣብ ምውጣን ተግባራት፡ ኣብ ምርምርን ካብ ካልኦት ምምሃርን ዝተወሃሃደ እዩ። ኣብዚ እቲ ዝዓበየ ዓወት ንገዛእ ርእስና ንስራሓት ማሕበራዊ ፍትሒ ድልዋት ምግባር እዩ።

እዚ መወከሲ-መጽሓፍ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ዘማዕበልዎም ተመኵሮታት ንኻልኦት የካፍል።

ነዞም ዝስዕቡ ክፋላት ድማ የጠቓልል-

·        ምምዕባል እስትራተጂ ንዘይጎነጻዊ ጎስጓሳት

·        ምድላው ውጺኢታዊ ዘይጎነጻዊ ተግባራት (ምስ ምሉእ ዝርዝራዊ ሓበሬታ)

·        ንዘይጎነጻዊ ጎስጓስ ዝዀኑ ናይ ተግባር ልምምዳት (ናይ ጉጅለ ምትእስሳርን ናይ ጾታ ጉዳያትን ዝሓዙ ክፋላት)

·        ኣብ ውሱናት መደባትን ዓለማዊ (global) ጎስጓሳትን ዘለዉ ኣጠቓቕማ ናይ ዘይጎነጻዊ ናይ ምውዳብ መሳርሒ ዝዀኑ ዛንታታትን እስትራተጅን ዘላልዩ ክፋላት ኣለዎ።

ንሓደ ዕውት ዘይጎነጻዊ ተግባራትን ጎስጓሳትን ዝኸውን ንጹር/ፍሉጥ መምሪሒ ጽሑፍ የለን። እንተድኣ ትሕዝቶ ናይዚ መወከሲ-መጽሓፍ ምስ ስራሕኩምን ኩነታትኩምን ከተዋሃህድዎ ኪኢልኩም ግን፡ ንስራሕኩም ከበራብሩን ክድግፉን ዝኽእሉ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ዝሓዘ ጽሕፍ እዩ።

እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ኣብ መርበብ ኣህጉራዊ ማሕበር ኣይፋል ንኵናት ካብ ዘለዉ ኣብ ዘይጎነጻዊ ዝሰርሑ ሰባት ማለት ካብ ኣውስትራልያ፡ በልጁም፡ ብሪጣንያ፡ ኰሎምብያ፡ ቺለ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ እስራኤል፡ ደቡብ ኰርያ፡ እስካንዲናቭያ፡ ስፓኛ፡ ቱርክን ሕብራት መንግስታት ኣመሪካን ዝተዋሃሃደ ናይ ሓባር ጻዕሪ እዩ።

ኣህጉራዊ ማሕበር ኣይፋል ንኵናት ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ተቓወምቲ ኵናት ብምርኻብ ክድግፍ ዝቖመ ኰይኑ፡ ንዘይጎነጻዊ ተግባራት ብምዕባይ ኣንጻር ጠንቂ ናይ ኵናት ብፍላይ ይሰርሕ። እዚ ማሕበር፡ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ሎንደን ኰይኑ፡ ካብ 40 ሃገራት ንላዕሊ ዝተወጻጽኡ ልዕሊ 80 ናይ መቕርብ ጉጅለታት ዘራኽብ መርበብ እዩ። እዚ መወከሲ-መጽሓፍ ከም ሓደ ኣካል ናይ ዘይጎነጻዊ መደባት ናይ ማሕበር ኰይኑ ተዳልዩ ኣሎ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ NonviolenceHandbook ብምእታው ይመልከቱ።

ኣዳላዊ- ኣህጉራዊ ማሕበር ኣይፋል ንኵናት

ለካቲት 2009

ISBN 978-0-903517-21-8

ትርጐም ካብ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ-ብ ኣብራሃም ምሕረተኣብ

ዝተሓትመሉ-ጥቅምቲ 2011

ኣብ ካልእ እንተዘይተጠቒሱ፡ እዚ ሕታም ኣብ ትሕቲ ኣበርክቶ ዘይንግዳዊ ብርኪ ‘ኣላይክ’ 2.0 ሕብሩት ንግስነት ብሪጣንያ፡ እንግሊዝን ዌልስ ፍቓድ ዝተዋህቦ እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ (http://creativecommons.org/licenses/by-nc-sa/2.0/uk/) ተመልከት።

The ‘Handbook for Nonviolent Campaigns’ is pre­pared by War Resisters’ International (WRI) in 2009.

Translated-- by Abraham G. Mehreteab – in October 2011.

Printed—by Eritrean Antimilitarist Initiative with the support of Stiftung Umverteilen

With the cooperation of Connection e.V.

Contact E-mail: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

.........................................................................................................................................................................

ትሕዝቶ

1 ብዛዕባ መወከሲ-መጽሓፍን ኣጠቓቕምኡን 9

 

2 ሌላ ምስ ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ 12

-ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ እንታይ ማለት’ዩ? ስለ ምንታይከ ንጥቀመሉ?    12

-ታዕሊም ንዘይጎነጻዊ ጎስጓስ     16

-ንስኻን ጕጅለኻን    19

-ካብ ታሪኽ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ እንታይ ንመሃር?     24

-መጽናዕታዊ ጉዳይ- ታዕሊም ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ ኣብ ግዜ ምንቅስቓስ

-ሲቪላዊ መሰላት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ሕ.መ.ኣ)     28

-መጽናዕታዊ ጉዳይ- ናይ ህዝቢ ሓይሊ ኣብ ሰረብያ (ኦትፖር)     31

 

3 ጾታን ዘይጎነጻውን 33

-ጾታ እንታይ ማለት እዩ?     34

-ስለ ምንታይ ናይ ሰላም ምንቃስቓሳት ኣብ ጾታዊ ጐነጽ ዝዋስኡ?    36

-ናይ እስራኤል ‘ኒው ፐሮፋይል’ ኣብነት ምትእስሳር ሰላምን ጾታዊ ጉዳያትን      37

 

4 ንምውዳብን ምስላጥን ታዕሊም ዘገልግሉ ዕማማትን መስርሓትን 39

-ብሓባር ምስራሕ     40

-ንታዕሊም ንምውዳብ ዘድልዩ ኣገደስቲ ነገራት     41

-ንታዕሊም ንምስላጥ ዘድልዩ ኣገደስቲ ዝርዝራት     41

 

5 ዘይጎነጻዊ ጎስጓሳት 45

-ንጎስጓስ ዘይጎነጻዊ ዝገብሮ እንታይ እዩ?     45

-ውጥን ንዘይጎነጻዊ ጎስጓሳት    49

-ሃናጺ መደብ     59

-ናይ ቢል ሞየር ውጥን ተግባራዊ ምንቅስቓስ (ው.ተ.ም)     62

-ንምዕባለ ናይ ምንቅስቓስኩም ንምትንታን ዝሕግዙ መሳርሒ    64

-መልክዓት ናይ ዘይጎነጻዊ ተግባር     67

-ደረጃታት ኣማዕባብላ ናይ ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ    69

-ተራ ናይ መራኸቢ ብዙሓን (ሚድያ)        72

-ንጎስጓስ ዝኸውን መጽናዕታዊ መምሪሒ      79

 

6 ውደባ ንውጺኢታዊ ዘይጎነጻዊ ተግባራት 85

-ናይ እብያ መልእኽቲ ምልኣኽ-ንሓደ ተግባር ውጺኢታዊ ምገባር   85

-መርገጺኻ ኣብ ምውሳድ ዘሎ ጭንቀትን ጸቕጥን ምግጣም    93

-ዋዛን ዘይጎነጻዊ ተግባራትን        99

-ብጕጅለ ምስራሕ      104

-መቆጻጸሪ-ዝርዝር ንምውጣን ተግባር     122

-ተራ ኣባላት- ኣብ ቅድምን ኣብ ግዜ ተግባርን ድሕርኡን     125

-ናይ ሕጊ ደገፍ      127

-ንእሱራት ምድጋፍ (MOC) ናይ ስፓኛ ተመኲሮ     128

-ገምጋም ኣብ ልዕሊ ዝተወስደ ተግባራዊ ስጉምቲ     131

 

7 ዛንታታትን እስትራተጅታትን 135

-ኣህጉራዊ ናይ ጎስጓስ ምሕዝነት ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ     136

-ሲብሩክ -ዊል-ማርኰልስሃይም- ርክባት ሃገር-ሰገር ኣብ ዝተኣሳሰሩ ጎስጓሳት   139

-ኣህጉራዊ ጸረ-ውትህድርና ምረሻታት   142

-ቺለ- ናይ ጋንዲ መረዳእታ ንናይ ቺለ ዲክታተር ኣብ ምንጻግ ንህዝቢ ኣተባቢዑ    143

-እስራኤል- ኒው ፕሮፋይል ካብ ናይ ካልኦት ተመኵሮ ይማሃር    147

-ቱርኪ- ዘይጎነጻዊ ባህሊ ምህናጽ      151

-ኣጠቓቕማ ናይ ኦጉስቶ ቦል ‘ናይ ውጹዓት ተዋስኦ’    157

-ብድሆታትን ዓወታትን ኣብ ስራሓት ዘይጎነጻዊ ኣብ ደቡብ ኰርያ   159

-ናይ ሳን ጆስ ደ ኣፓርታዶ ናይ ሰላም ማሕበረሰብ፡ ኰሎምብያ- ናይ ተቓውሞ፡ ክብርን ትብዓትን ትምህርቲ    161

-ናይ ነቑጣ ቦምብ  (ቦምብስፖቲንግ) ኣብ ኤውሮጳ ዝተገብረ ጎስጓስ    166

 

8  ዘይጎነጻዊ ንምስራሕ ዘድልዩ ልምምዳት 171

-ኣእምራዊ ንብረት  171

-ቀዳማይ ልምምድ  ናይ ባእሲ መስመር      172

-ካልኣይ ልምምድ ናይ ሓንጎል ማዕበል      173

-ሳልሳይ ልምምድ  ዓው ኢልካ ምዝራብ      174

-ራባዓይ ልምምድ  ጾታዊ ዝርርብ ንሃነጽቲ ሰላም   177

-ሓምሻይ ልምምድ  ስለምንታይ መምህር ዝበሎ ትገብር?      178

-ሻዱሻይ ልምምድ  ኣብ ቤት ትምህርቲ መን’ዩ ስልጣን ዘለዎ?      179

-ሻባዓይ ልምምድ  10/10 እስትራተጅታት       181

-ሻሙናይ ልምምድ  ገረብ      182

-ታሻዓይ ልምምድ  ናይ ስልጣን የዕኑድ       183

-ዓስራይ ልምምድ  ናይ ፍርሒ ሳዕቤናት      184

-ልምምድ ዓሰርተ ሓደ  ዝርገሐ ናይ ምሕዝነት      185

-ልምምድ ዓሰርተ ክልተ ገረብን ንፋስን ናይ ምትእምማን ጸወታ   187

-ልምምድ ዓሰርተ ሰለስተ ምሕላፍ ውሳነ     188

-ልምምድ ዓሰርተ ኣርባዕተ ተራ ምጽዋት    189

-ልምምድ ዓሰርተ ሓሙሽተ ናይ መስቀል ዝርገሐ      191

-ልምምድ ዓሰርተ ሽዱሽተ  ናይ መድርኽ ተዋስኦ     192

-ልምምድ ዓሰርተ ሸውዓተ  ሜላታት ኣብ ምድልዳል፡ ምክልኻልን -ምዕጋትን     194

-ልምምድ ዓሰርተ ሸሞንተ  ዝርገሐ/ባሮሜትር (መዐቀኒ)       196

 

9 ባዕልኻ ግበሮ!! 197

-መወከሲ-መጽሓፍ ምድላው    197

 

10 ትርጕም ናይ ጎስጓሳዊ ቃላት 199

 

11 ምንጪታት 204

ብዛዕባ መወከሲ-መጽሓፍን ኣጠቓቕምኡን

ነዚ መወከሲ-መጽሓፍ ኣብ ምድላው፡ ኣባላት ኣህጉራዊ ማሕበር ኣይፋል ንኵናት (War Resisters’ International `WRI’) ካብ ተመኵሮ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርከቡ ጕጅለታትን ዝተፈላለዩ ወሎዶታት ተቓለስትን ምርኩስ ብምግባር ንሕትመት ኣብቅዕዎ። ዓንዲ ማእከል ናይ ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ ናይ ተሓለቕቲ ብልሕን ተወፋይነትን፡ ከምኡ’ውን ዘማሓላልፍዎ ዓይነት ዘለዎ ሓሳባት- ብዛዕባ ህሉው ኲነታት ሕቶታት ዝልዕል መልእኽቲ፡ ንህዝቢ ተገዳስነት ንኸርኢ ብዛዕባ እንታይ ይኸውን ኣሎ ወይ ክኸውን ይኽእል ንምርኣይን ንምብርባርን፡ ተደናገጽቲ ሰዓብቲ ምስሓብ፡ ወይ ንሂወቶም/ንሂወትና ክትንክፍ ዝኽእል ውሳነ ገለ ነገር ክትብል/ድምጺ ንምርካብ ጠለብ ዘቕርብ መልእኽቲ… ክኸውን ይኽእል። ሓደ ካብ’ቶም ኣምራት ናይ ዘይጎነጻዊ ጎስጓሳት እቲ መሰረታዊ ዝዀነ ‘ምሕያል’ እዩ። እዚ ማለት ብኸመይ ንነገራት ብፍላይ ምስ ካልኦት ተሓባቢርካ ተግባራዊ ትገብር ዝብለ ስምዒት’ዩ።

ብዙሓት ድራማዊ ምስልታት ዝዀኑ ናይ ዘይጎነጻዊ ተግባራት ኣለዉ። ብሓቂ’ውን ንጉዳያት ብድራማዊ መልክዕ ምቕራብ ሓደ ካብቲ ሓያል ጎኒ ናይ ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ እዩ። በዚ ድማ ህዝቢ ብዙሕ ግዜ ከየስተባሃለሎም ዘሓልፉ ነገራት ብቐሊሉ ንኽሪእዎምን ተግባራዊ ስጉምቲ ክወስድሎምን ክገብር ይፍትን። እዚ ድራማዊ ኣቀራርባ ግን ስቕ ኢሉ ብሃውሪ ዝኸውን ኣይኰነን። እዚኦም ኣብ ናይ ተሓለቕቲ ጕጅለታት ወይ ዋህዮታት፡ ኣብ ዝርርባት፡ ናይ ታዓሊም ርክባት፡ ሕሉፍ ፍጻሜታት ዘሎ ተመኵሮታትን ርእይቶታትን፡ ኣብ ውጥን ምሕንጻጽ፡ ኣብ ልምምዳትን ከምኡ’ውን ኣብ ርክባት ይህነጹ። ብዚ ምኽንያት እዩ ድማ ትሕዝቶ ናይዚ መወከሲ-መጽሓፍ ጕጅለታት ኣብ ዝሰርሕዎን ብኸመይ ከም ዘካይድዎን ንምርኣይ ዝፍትን። ኣብ’ዚ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ ሓደ ደምዳሚ ንድፊ/ሞዴል ኣይኰናን ከነቐርብ ንፍትን ዘለና። እንታይ ድኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ኲነታት ዝሰርሑ ሜላታት፡ ከምኡ’ውን ብካልኦት ናይ ፈጠራ ክእለት ዘለዎም ናይ ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ ተሓለቕቲ ኣብ ኲነታቶም ከዋሃህድዎም ከም ዝኽእሉ ብምእማን ኢና ርእይቶና ንህብ ዘለና።

እዚ ተሓቲሙ ዘሎ መወከሲ-መጽሓፍ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበር ኣይፋል ንኵናት (WRI) ዘለዉ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ወይ ካብ መርበብ ሓበሬታ ዝተመርጹ ሓሳባት የጠቓልል። ገለ ገለ ቴማታት፡ ተመኵሮታት፡ ናይ ጕጅለ ልምምዳት ዘላልዩ ጽሑፋት የዋሃህድ። ኣብ’ቲ ናይ መእተዊ ክፋል፡ ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ ክንብል ከለና እንታይ ማለትና ከም ዝዀነ ጽሟቕ መላለይ ብምቕራብ፡ ኣገዳስነት ታዕሊም፡ ንጕጅለኹም ዝዀኑ ጉዳያት/ሕቶታትን፡ ከምኡ’ውን ሒደት ኣብነታት ሓጺርቲ ታሪኻውያን ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ የላሊ።

ሳልሳይ ክፋል፡ ሓደ ፍሉይ ኣብነት ኣብ ምንቅስቓሳትና ዝርከብ ናይ ጾታዊ ጭቆና/ጸቕጢ ክርኢ’ዩ።

ራባዓይ ክፋል፡ ጽሟቕ ንውደባን ታዕሊምን ንምስላጥ ዘድልዩ ስራሓትን መሳርሕን የቕርብ።

ሓምሻይ ክፍል፡ ዘይጎነጻዊ ጎሰጓስን ግብራዊ ስራሓትን፡ ሃናጺ መደባትን ተራ ናይ መራኸቢ ብዙሓን (ሚድያን)፡ ብምጥቕላል የብርህ፡

ሻድሻይ ክፋል፡ ንውጺኢታዊ ኣወዳድባ ኣብ ኲሉ ደረጃታት ዝሕግዙ ኣገደስቲ ሓበሬታ ከቕርብ’ዩ።

ሻብዓይ ክፋል፡ ኣብ ዓለምና ካብ ዘጋጠሙ ዛንታታትን እስትራተጂታትን ከቕርብ’ዩ።

ኣብ’ዚ መወከሲ-መጽሓፍ ገለ ረብሓታት ናይ ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ ኣብ ስራሕ ብምግላጽ፡ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብነታት ክንህብ ኢና። ዘይትፈልጦም ቃላት እንተ ኣጋጢሙካ፡ ኣብ ዓስራይ ክፈል ትርጉም ናይ ቃላት ተመልከት።

ሻምናይ ክፍል፡ ኣብነታት ልምምዳት ናይ ዘይጎነጻዊ ጎስጓሳት ስርሓት የቕርብ። እዞም ናይ ጕጅለ ልምምዳት ናይ ኣባላት ኣብ ጉዳያትን ነንሕድሕዶም ዘለዎም ኣተሓሳስባ ንምጉልባትን፡ ወይ ነቲ ዝግበር ዘይጎነጻዊ ስርሓትን ጎስጓስን ብጽፈት ንምክያድ ይሕግዞም። ብሓፈሻ ነቲ ልምምዳት ንምክያድ ሓደ ኣሳላጢ ሰብ የድሊ። እሱ ድማ፡ ምስ ኣብነታት ንምልላይ፡ እንታይን ስለ ምንታይን ክገብሩ ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ ከምኡ’ውን ነቲ መስርሕ ምንቅስቓስ ኣብ ምከተታል፡ ብፍላይ ኣብ’ቲ ናይ መወዳእታ ናይ ሓሳባት ምእካብ ድማ ንፈራሓት ተሳተፍቲ ዓው ኢሎም ክዛረቡ ንህዉኻት ድማ ጽን ኢሎም ክሰምዑ የተባብዕ። ናይ ልምምዳት ሓበሬታ ብምልክት ተሓቢሮም ኣለዉ።

ኣንበብቲ ናይዚ መወከሲ-መጽሓፍ፡ ገለ ክፋሉ ንኽትርጕምዎን ወይ ንጉጅሎኦም ከም ዘካፍሉ ተስፋ ንገብር። ደስ ዝበለኩምን ምስ ኲነታትኩም ዝሰማማዕ ክፋል ክትወስዱን ጸገም የለን።

ክፍሊ ዓሰርተ ሓደ፡ ዝተመርጹ ምንጭታት የቕርብ፡ እንተድኣ ኣብ’ዚ መወከሲ-መጽሓፍ ብፍላይ ናዓኹም ኣገዳሲ ነገራት ረኺብኩም፡ ምስ ናይ ማሕበር መርበብ ሓበሬታ (website) ብምውህሃድ ክትጥቀሙሎም ትኽእሉ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ናይ ማሕበር መርበብ ሓበሬታ (http://wri-irg.org/wiki/index.php/Nonviolence_Handbook) ብምርኣይ ተወሰኽቲ ሰፋሕቲ ዓንቀጻትን ተመኵሮታትን ምርኣይ ይከኣል።

ኣብ ማሕበርና (WRI) ካብ ምሃብ ከነካፍል ንመርጽ። ካልኦት ሰባት ኣብ  ዘይጎነጻዊ ጎሰጓሳትን ታዕሊማትን ዝተማሃርክሞን ዝፈለጥክሞን ከንበቡ ይደልዩ። ስለዚ ተመኵሮኹም ናብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ማሕበርና ከተበርክትዎ ትኽእሉ። ከምኡ’ውን ንገለ ክፋላት ናይዚ ጹሑፍ እንተድኣ ተርጕምክሞ ናብ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ክትሰድዎ ትኸእሉ። ንሕና’ውን ናብቲ መርበብ ሓበሬታ ከነእትዎ ንኽእል።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...