መስከረም 17. 2011

ዝኽሪ 18 መስከረም ምስ  ክብርቲ ሓፍቲ ኤልሳ ጭሩም ብሓባር ኣብ ከተማ ዙሪክ ይዝክር
 
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 17 መሰከም.2011 ምንቅስቃስ መንእሰያት ንዲሞከራስያዊ ለውጢ ስዊዘርላንድ ዓስራይ ዓመት ዝኽሪ እቶም ምሕደራዊን መንግስታን ኣካዪዳ ንኽቅየር ዝሓተቱን ላዕለዎት ሓለፍቲ ከምኡውን ነዚ ጻዊዒት‘ዚ ናብ ህዝቢ ዘብጽሑን ተባዓት ሰብ ሞያ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ደለይቲ ለውጢን ዝተኣሰርሉ ክሳብ ሕጂ‘ውን ኣበይ ከምዘለዉ ዘይተፈለጠሉን ንምዝካር ኣብ ከተማ ዙሪክ ክብርቲ ገባሪት ሰናይ ሓፍትና ኤልሳ ጭሩም ኣብ ዝተረኽበትሉ ብሓባር ዘኪሩ።
 
ኣብቲ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ሓፍትና ኤልሳ ድኻማ ከይጸብጸበት ካብ ከተማ ለንደን በሪራ ናብ ከተማ ጀነቫ፡ መሊሳውን ካብ ጀንቫ ናብ ከተማ ዙሪክ ንኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ናይ ባቡር ጉዕዞ ወሲኻ፡ ምሳና ክትውዕል ምብቃዓ ልባዊ ምስጋና ብስም ኩሎም መንእሰያት ነብጽሕ። ኣብዚ ዓቢ ናይ ዝኽሪ ኣጋጣሚ ብሓብትና ኤልሳ ዝቀረበ ሰፊሕ እዋናዊ መግለጺታትን ሓበሬታታትን ንኹሉ ተሳታፋይ ኣመና ዝሰሓበን ናይ ቃልሱ መንፈሱ ዘለዓዓለን ሙዉቅ ናይ ምርድዳእን ነጻ መድረኽ ተዘክሮታት ምግላጽን‘ውን እዩ ነይሩ።
 
ብተወሳኪ ኤልሳ ዘቅረበቶ ሃብታም ተሞክርኣን ኣበርክቶ ማሕበራ፡ ማሕበር ሰብኣዊ ሓልዮት ኤርትራ፡ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ክሳብ እዚ ሕጂ ዘካይዶ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ ሰብኣዊ ምሰል ኣብ ኤርትራ ክኽበርን ልዕልና ሕጊ ክነግስን፡ ከምኡውን ኩነታት ኣብ ፈቀደኡ ኩርናዓት ዓለም ብሰንኪ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሕሉፍ ውለቀ ምልኪ ስርዓት ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ኤርትራዊ ስደተኛ መብርሂ ሂባን ካብ ተሳትፍቲ ከኣ ዝቀረበላ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልስታት ሂባትሎምን።
 
ብዘይካዚ እውን ካብ ሓያለ መንእሰያት ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ካብ ዘጋጥሞም ዝነበረ ኣደዳ ማእሰርቲን መግረፍቲን ኣብቲ፤ እዋንቲ ካብቶም ብቀዳምነት ትጣበቀሎምን ኪሳብ መውዳእታ ነጻ ንኪወጹ እጃማ ዘበርከተትን ተበርክት ዘላን ሓንቲ ካብቶም ተባዓት ዜይግነታዊ ሓላፍነት ዝስምዓ ዜጋ ኤልሳ ጭሮም ምኻና፡ ብዝገበረትሎም መዘና ኣልቦ ሓገዛትን ሞራልን ብልቢ ከመስግኑዋ ዕድል ብምርካቦም ሓጎሶም ገሊጸም። ብምቅጻል‘ ውን ሓደ ለበዋ ንኩሉ ኣብ ስድት ዝርከብ መንእሰይ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣቅሪቦም፡
 
 “ኦ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ኣብ ከልበትበት ስደት እትርከብ ኤርትራዊ መንእሰይን  ብፍላይ፡ብሓፈሻ ንኩሉ ዜጋ፡ እዚ ዘሎናዮ ናብራ ስደት ክሳብ መኣስ እዩ ኢልና እስከ ንሕሰብ? ዘሎናዮ ኩሉ ዓይነታት መስገድላት ካልእ ሰብ ክሕብረና ኣይንጸበ። ንሕና ብዋጋናን ዋጋ ካልኦትን ኣይንጻወት። እዚ ናይ ጋይነናት ስርዓት ደቂባት ኣጥፊኡ፡ እንሆ‘ውን ሕጂ ብርስቲ መሬትናን ጸጋታቱን ይጣላዕ።
 
እሞ ሃየ እቲ ወርቃዊ ግዜ ሕጂ እዩ ሕቶታትና መልሲ ዝረኽብሉ። ሃየ ብድምጽና፡ በእዳውና፡ ብእግርና ነድምጽ። ስቅታና እንተቀጺሉ ግን፡ ዘልኣለማዊ ስቅታውን ታርኡ ኣለዎ። ንዝበኾሩን ንተበለጸትን ኣይነማዓዱ፡ እንታይ ድኣ ስራሕን ርትዒን ንምሃሮም። ታሪኽ ሰብ ሑቡእ ኣጀንዳ ከነቃናጁ፡ ስኑድ ታሪኽና ኣይነብርስ። ዘገምታዊ ለውጢ ይኣክል፡ ሕጂ እዋናዊ ለውጢ ነበግስ! “
 
ክብሉ ሓባራዊ ጻዊዒቶም ብሓባር ኣቃሊሖም።
 
ለውጢ ይበግስ፡ ፍትሒ ክምለስ፡ ምልኪ ኪድመሰስ !!!!!!
 
ምንቅስቃስ መንእሰያተ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ስዊዘርላንድ
ጨንፈር ዙሪክ
    
 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...