ኣቶ ኣወልኼር ክትፈልጥ ሓደ ሰብ ሓሳባቱ ብኹሉ ዝከኣል መገድታት ክገልጽ ይፍትን። ብግጥሚ፡    ብስዲ ንባብ፡ ብካሪካቱር ወ.ዘ.ተ። ንኣብነት እዛ ሓሳብ'ዚኣ ከመይ ትመስለካ፡ ክልተ ስእሊ ዘለዋ ካሪካቱር ክንገብር ደሊና፡ ኤርትራውያን ተጋደልቲ ካብ ኩሉ ብሄራት ካብ ጀብሃ ይኹኑ ካብ ሻዕብያ ዕማ  ፍልስጤም ተኸዲኖም "መስርዕ ኔራትኒ" እናበሉ ይደርፉ፤ እታ ሓንቲ ስእሊ ከኣ ዕማ "ጀበርቲ" ዝተኸደኑ ካልኦት ወገናት። ሓደ ሰብ ከምዚኣ ካሪካቶር እንተገይሩ ሓሳቡ ክገልጽ ኣይፈተነን? ፈቲኑ እምበር። ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ተጋደልቲ ኤርትራውያን ኩሎም ብሄራት ዕማ ፈለስጢን ይወድዩ ከምዝነበሩ ክገልጽ ፈቲኑ! እዚ ነቲ ኣዝዩ ክቡር ቃልሲ ኤርትራውያን ኣየዘክርን ዶ? "ወመይ የዕመል ሚስቃላ ዛራቲን ኸይራን ያራ።"

እቲ ብጠበቓነት ክትገልጾ ዝደለኻ ናይ’ቲ ሙሉእ ሓጋይ ከተንብቦ ዝሓገኻ ጽሑፋት ኣቶ ግርማይ እንተኾይኑ እዚ ሃፋ ናይቲ ዘይገንፈለ እሳተ-ጎመራ ኢዩ።  ንዝበልካዮ

ኣነ ኣብ ሓጋይ ጥራሕ ኣይኮንኩን ዘንብብ፡ ኣብ ሓጋይ ኣንብብ (ወቕቲ)፤ ኣብ ሒራእ ኣቬኙ (ሻርዕ ሕራዕ) እንተለኹው'ን ምንባብ ኣየቑዋርጽን'የ። እስኻ ወላ ጎቦ እንተሓራእካ'ውን ኣነ ምንባብ ኣየቋርጽን'የ። ኣነ ንኹሎም ምሁራት ብፍላይ ንናይ ሓባር ስያመ ዘየጽብቡ ኣጸቢቐ'የ ዘኽብሮም።

(ተጸጊኑ - ጁቢራ፡ ጸገንቲ - ጀበርቲ)
ብመጠን ዓረብኛ ትግርኛን ዘለዎም ዝምድና ጀበረ ዝብል ዓረበኛ ቃል ብትግርኛ’ውን ኣብ ክንዲ ጸገነ ወይ ምስ ጸገነ ተጠቒምናሉ እንተትነብር ብሰዋስው ትግርኛ ብከምዚ ዝስዕብ ምተሰርዔ ነይሩ፡
ካብ ዓብዪ ዓንቀጽ ክሳብ ቅጽል:
ጸገነ   ጸጊኑ  ጽገና  ጸጋኒ/ጸገንቲ
ጀበረ  ጀቢሩ  ጅበራ  ጀባሪ/ጀበርቲ
     ንዝበልካዮ

ዓረብኛ ከምትፈልጥ ዘርኢ'ዩ፡ ግን ወግዓዊ ምእንቲ ክኾነልና ናይ ዓረብኛ ትግርኛ ዲክሸነሪ ኣላዶ? ወይስ ብልምዲ ወይ ከኣ ካብ ዓረብኛ ናብ ኢንግሊሽ ድሕሪኡ ከኣ ካብ ኢንግሊዝ ናብ ትግርኛ ኢኻ ተርጉምካያ ማለት ትራንዚት። ኣነ ክሳብ ሕጂ ካብ ዓረብኛ ናብ ትግርኛ ዲክሸነሪ ኣይራእኩን። ኣነ ስለዘይራእኩ ግን የላን ማለት ኣይኮነን። እንተላ ኣቶ ኣወልኬር ክንደይ ቃላት ኣለዋ? ምዕባያ ከም ናይ መሪ/ግርማጽዮን መርብራህቱ ድያ? ንቑርኣን ናብ ትግርኛ ዝተርጎሙ ስለዘለዉስ ትራንዚት ትርጓመ ዘይኮነስ ብኣኣ ተመሪሖም ተርጉሞም ከይኮኑ። ክንደይ ቃላት ኣለዋ? ዓባይ ዲያ ወይስ ምናልባት 9 ሽሕ ቃላት ዘለዋ? ሓረጋት፡ ስእላዊ መግለጺታት ከ ኣለዋዶ? ኣፍልጠና።

. . . ስለዚ እዚ ስያመ’ዚ ነቶም ኑጉስ ይኹን ንኣብ ትሕቲኦም ዝነበሩ ህዝብን ክዋሃብ እንከሎ እቶም ኑጉስ ይኹኑ እቲ ህዝቢ ኣብ ክርስትና ኢዩ ዝኣምን ነይሩ።
1. እሞ ስለምንታይ ደኣ ገለ ውሑዳት ግሩፖ ናብ ፕረዚዳንት ኢሳይያስ ከይዶም ነዚ ናይ ኩሉ ህዝቢ ሓበሻ ስያመ ክወስዱ ብምፍታን ንኽግብቱ ከም መበል 10ይቲ ብሄር ፍለጠና ወይ መዝግበና ዝበሉዎ?
2. ስለምንታይ ንኣቶ ፕረዚደንት "ጀበርቲ ማለት ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ነቢ መሓመድ (ሰ.ዓ.ወ) ብህይወቶም እንከለዉ ንኩሉ ህዝቢ ሓበሻ ዝተዋህበ ስያመ'ዩም እሞ፡ ከምዛ ኤርትራ ናጽነታ ረኹባ ሓዳስ ኮይና ዘላ ነዚ እናጸበበን ውሑዳት ጉጀለታት ከኣ መመሊሶም ጽበቱ እናግደዱሉ ዝኸይድ ዘሎ ክቡር ስያመ ንምሕዳስ ገለ ግበር ዘይበሉዎ? ከምኡዶ ኣይምሓሸን? ኣቶ ፕረዚዳንት ንጠለቦም እንቋዕ ተቐቢሉ ኣይመዝገቦም። ብህዝቢ ሓበሻ፡ ብኣብራሃማዊ ሃይማኖታትን፡ ብተጣበቕቲ መሰል ሰባትን ምተሓተተ ነይሩ።

 

3. እዞም ውሑዳት ጉሩፖ ኢትዮጵያ ሓበሻ ምዃና ኣይፈልጡን ድዮም?
4. እዚ ናይ ሓበሻ ታሪኽ፡ ናይ እስልምና ታሪኽ፡ ናይ ክርስትና ታሪኽ ናይ ኣብራሃማዊ ሃይማኖት ታሪኽ፡ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጣበቕቲ ታሪኽ ንበይኖም ክገብሩዎ ዶ ኣይኮኑን ፈቲኖም?

ስለዚ እዚ ስም’ዚ (ጀበርቲ) ልክዕ  ከምቲ ሓበሻ ዝብል መጸውዒ ስም እናተጸበበ ዝመጸ ብግዜኡ እናተጻበበ   ንዝበልካዮ

ዓቢ ዜና ድንቂ ዜና! ጀበርቲ ዝብል ስም ከምቲ ሓበሻ ዝብል መጸውዒ ስም እናተጻበበ መጺኡ። 

እቲ ነቶም ኣብ እስልምና ዝኣምኑ ጥራሕ እናኾነ መጺኡ፡ ዝበልካዮ ግን

ዓቢ ጌጋ! ኣብቶም ትግርኛ ተዛረብቲ ዝኾኑ ኣስላም ጥራይ'ዩ ተሓጺሩ። እሶም ከኣ ክንዲ ኩላትና ጀበርቲ ኢና እዚ ስያመ'ዚ ናይ ኩላትና ኢዩ ዝብሉ ንሕና ጥራሕ ኢና እናበሉ ኮለል እናበሉን እናበሉን ይርከቡ ኣለዉ። ዘይናትካ ናይ ሓፋሽ ስያመ ዶ ንበይንኻ ገቢትካ ይውሰድ'ዩ! "ይገርማል ስንቴን ስከተላት በተኣምር እያየቺኝ!" ነቲ ጽበት "ጀበርቲ ንሕና ኢና፡ ንሕና ፍሉያት ኢና፡ ቋንቋና ፍልዩ፡ ምሩጻት ኢና፡ ካልኦት ብሄራት ክመርጹ እንተደለዩ ምሩጽ ይፍጠር ይግበሩ፡ ን9 ብሄራት ኤርትራ ኮኑ ን10ታት ብሄራት ኢትዮጵያ ኣይንፈልጦምን ኢና፡ ብፍላይ ነቶም ብቋንቋኦም ዝጽዉዑ ከም እኒ ኦሮሞን ኣምሓራን" እናበሉ መመሊሶም የጽብቡዎ። ካብዚ ዝዓቢ ዓመጽ እንታይ ኣሎ?

ኣቶ ማዝን ብዛዕባ ጀበርቲ ብዛዕባ ዝመስለሙን ዝኸስተኑን ሻቕላ ስለ ዘለካ ንዛ ሕቶ ከም ናይ ገዛ ዕዮ (Home Work) ወሲድካ መጽናዕቲ ብምግባር ኣብ ክንዲ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ጭቡጥ ነገር ሒዝካልና ክትቀርብ ክንጽበየካ ኢና።   ንዝበልካዮ፡

እንታይ ዓይነት መጽናዕቲ (Home work) ክገብር ኢኻ ትደሊ። ሃይማኖት ግላዊ ምርጫ ስለዝኾነ ሓደ ሰብ ሚልዮን ኢላህ (Million Ilah) እንተሃለዎ ምርጫኡ'ዩ። ምርጫኡ ይኽበር።
 
ትግርኛ ዝበሃል ቛንቛ ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝብ’ውን ከምዘሎ ከተብርህ ተሓቲትካ ኔርካ፡  ንዝበልካዮ፡

እወ ብሄር ትግርኛ ህዝቢ ትግርኛ'ዩ። ኣቶ ኣወልኼር ኣብ ኤርትራውያንን ኣብ ኤርትራን ዓቢ ሽግር ኣለካ። ህዝቢ ኦሮሞ፡ ህዝቢ ኣምሓራ፡ ህዝቢ ሶማል፡ ህዝቢ ዓረብ ኣይንብልና ዲና? ከመይ ኢሉ'ዩ ህዝቢ ትግርኛ ተሓቢኡካ?

ንሓበሬታ ዝኣክል እቲ ክሳብ ሕጂ መወዳድርቲ ዘይብሉ ብመሪ/ግማጽዮን መብራህቱ ዝተወልዯ ትግርኛ ትብርኛ መዝገበ-ቃላት ትግርኛ ዝብል ቃል ናይ ቛንቛ ስም ጥራሕ ምዃኑ ኣነጺርዎ’ሎ።  ንዝበልካዮ፡

ብኸመይ ኢኻ መወዳድርቲ ዘይብሉ ዝበልካዮ? ክንደይ ዲክሸነሪ ኢኻ ኣነጻጺርካ? እዚ መወዳድርቲ የብሉን ዝበልካዮ ዲክሸነሪ "ናይ ጀበርቲ ቃላት" ኣለዎ ዶ? እንተለዎ ንመሪ/ግርማጽዮን መብራህቱ ዝቐረበሎም መን ይበሃል? ብሕ.ግ.ሓ.ኤ ዝተሓትመት ናይ ትግርኛ-ዓረብኛ-እንግሊሽ ዲክሸነሪ ተመራጺት'ያ ብፍላይ ንዜጋታት ተቐመጥቲ ሃገራት ዓረብን ንኣመንቲ እስልምናን። እዛ ናይ መሪ/ግርማጽዮ መብራህቱ ዲክሸነሪ ምስ ወለዶ ሰውራ 100% ትሰማማዕ ዶ?

ስለታ ዲክሸነሪ ንመሪ/ግርማጽዮን መብራህቱ ነመስግኖም። ረቢ ጎይታ ኩሉ ዓለማት ስለ'ቲ ጻዕርታቶምን ወፈያታቶምን ተወፋይነቶምን ጻማኦም ይሃቦም። ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንኤርትራውያንን ዓለምን ነጺግና ብናይ መሪ/ግርማጽዮን ርእይቶ ንኺድ ምባል ሚዛናዊ ኣይኮነን። ንኤርትራውያንን ንዓለምን ከነቐድም ይግበኣና።

 

ይገርመካ ይኸውን ኣቶ ኣወልኼር ዝገርም'ዩ ከኣ ገለ ጉጅለ ንቑርኣን ብዘይ ግቡእ መወከሲታት references (ንኣብነት ዲክሸነሪ) ተርጉሞሞ ወይ ፈሲሮሞ። ተርጎምቲ ቁርኣን ብግቡእ ዝተማህሩን፡ ግቡእ ተሞክሮታት ዘለዎምን፡ ኣብ ህዝቦም ፍሉጣት፡ ንህዝቦም ኣብ ስደት ኮይኖም UNMEE ድዩ ወይ ካልቶት ወገናት ብዘመሓላልፉሎም ዘይወግዓውያንን ዘይሓላፍነታውያንን ሓበረታታት ተጠቒሞም ዘይኮነስ ብቐረባ እናረኸቡ ኩነታቱን ሃለዋቱን ዝፈልጡ፡ ኩሉ ምንጭታትን መወከስታትን (references) ኣብ ኢዶም ዘሎ ሰባት ክኾኑ ኣለዎም።

ሓደ ኣብነት ናይቶም ብዘይ ግቡእ ረፈረንስስ (references) ዝተተርጎመ ከቕርብ ፍቐዱለይ። ኣብ ታሕቲ ኮፒ ጌረያ ዘለኹ ኣያ ተዓዘቡዋ። ንሓስድ ንሓሳድ ከም ቡዳ ኢሉ ተርጉሙዋ ተርጉዋሚ ናይዛ ኣያ። ቡዲዝም እተን ክልተ ሓያላት ሃገራት giants ዝበሃላ ሃገራት ህንዲን ቻይናን ዘምልኸኦ ሃይማኖት'ዩ፡  ኣምላኾም ከኣ ቡዳ። ኣብ ዓለምና ከኣ ቡዳ እቶም ዳርጋ ናይቶም ዝበዝሑ ሰባት ዘምልኹዎ ሃይማኖት ኣምላኽ'ዩ። ቡዲዝም ኣብ ኢንዶነስያ፡ ባንግላደሽ፡ ኣፍሪቃ ይርከብ። ደቡብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ኣብነት'ያ።

ገለ ሰባት ምናልባት እቲ ሃይማኖት ቡድሂዝም፡ እቲ ኣምላኽ ከኣ ቡድሃ ይብሉኻ ይኾኑ። እዚ ግን
ንሪያድ ሪያድ
ንኣቡ ደቢ ኣቡደቢ፡
ንዳህራን ዳህራን
ንረመዳን ከኣ ረመድሃን
ኢልና ብትግርኛ እንተጽሒፍና ቅቡል ክኸውን ይኽእል። ቡዳ ማለት ሓስድ ወይ ሓሳድ ምዃኑ ኣብ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ኣይትረክብን ኢኻ (ንኣብነት ኣብ ብኣሕተምቲ ሕድሪ ዝተሓትመት ዲክሸነሪ)። ቡዳ  ምናልባት ናይ ጎደና ወይ ወይ ብወግዒ ኣብ መዝገበ ቃላት ዘይኣተወ ናይ ትግርኛ ቃል ክኸውን ይኽእል፤ ዝኾነ ጽሑፍ ብፍላይ ሃይማኖታዊ ጽሑፍ ግን ብዘይ ወግዓዊ ቃል፡ ኣብ ወዓኣዊ መዝገበ ቃላት ብዘይተመዝገበ ቃል ወይ ብናይ ጎደና ቃል ክትትርጉሞ ዓቢ ጌጋ'ዩ። ኣነ ሓንቲ ኣብነት ኣቕሪበ ኣለኹ። ኩሉኹም ግዱሳት ከኣ ስለ ሃይማኖትኩም፡ ስለ ሃገርኩምን ስለ ትምህርትን ነናትኩም ርእይቶታትን መአረምታታትን ከተቕርቡ እምሕጸን።
 
 5) ከምኡ'ውን ካብ እከይ ናይ ሓሳድ

     ክሕስድ እንከሎ ቡዳ'ውን እንተዳኣ

      ሓሲዱ ካብ እከዩ እዕቆብ በል
                           

                                    ተቕዋ ይሃበና ረቢ ጎይታ ኩሉ ዓለማት።

Maazin Abdul Qhany
     24-Aug-‘11


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...