“ኣቶ ማዝን ጸገምካ ባዕልኻ ትፈልጦ፡ ግን ብዘይ ጸገምካ ምፍላጥ ብዛዕባ’ቲ ኣዝዩ ዘሰክፈካ ዘሎ ጉዳይ “ጀበርቲ” ቅድም ብዘይፍታሕ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ግጥምታትካ ዳሓር ዝርዳኣካ ምስ ሰኣንካ ኸኣ ብስዲ ንባብ ጥንቅቕ ኢልካ ብመልክዕ ሕቶ ከተራግፎ ዝደለኻ ጽዕነትካ በዚ መልክዕ’ዚ ይኹን ብንኣቶ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፍሊፖ) ብሕቶ “ምፍታን” ፈቲነ ኣለኹ ዝበልካዮ ክራገፈልካ ማለት ዘበት ኢዩ። በዚ ከምዚ ዝራገፍ ጾር ኣይኮነን ዘለካ።

ዝኾነ ኾይኑ ንሰናይ ግምት (ሑስኒዘን) ገይረ ገለ ይጠቕመካ ይኸውን ዝብሎ ሓበሬታ ክህበካ ኢየ። ቅድሚኡ ግን ናይ ጠበቓ ጸገም ከምዘይብልና ባዕሉ እቲ ምትዕርራይ ዘይደሊ፡ ርእስኻ ዘየሕክኽ፡ የማን ጸጋም ቁሊሕ ምልሕ ዘየብል ዝተጻወትናዮ “ኤርትራዊ ተራ” ጠበቓ ዘድልዮ ኣይኮነን። እቲ ብጠበቓነት ክትገልጾ ዝደለኻ ናይ’ቲ ሙሉእ ሓጋይ ከተንብቦ ዝሓገኻ ጽሑፋት ኣቶ ግርማይ እንተኾይኑ እዚ ሃፋ ናይቲ ዘይገንፈለ እሳተ-ጎመራ ኢዩ። ንኣቶ ግርማይ ኪዳነ ዘለና ኣኽብሮት ካኣ ከምቲ ንኹሎም ንሓቂ ዝነብሩን ዝሞቱን ዝዋሃብ ኣኽብሮት ኢዩ። ብዝተረፈ ከም መብጻዓይ ንሰናይ ግምት ተሞርኪሰ ናብቲ ዝበልኩካ ሓበሬታ ክኣቱ ኢየ።

ኣቶ ማዝን ነቲ ሓቂ ንኽትፈልጥ ምእንቲ ን14 ክፍለ ዘመን ቐዲምካ ዝተወለድካ’ሞ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ትነብር ዘለኻ ሰብ ክትከውን ነይሩካ ክብለካ ኣይክእልን ኢየ። ግን ንኣእምሮኻ ርሕዊ ጌርካ ብምንባብ ብምሕታት ብምምሃር ንቕድሚ 14 ክፍለ-ዘመን ዝተፈጸመ ኩነታት (ታሪኽ) ክትፈልጦ ትኽእል ኢኻ። ግን ከምቲ ብሄር ብቋንቋ ንዝብል እምነትካ ርእይቶይ ክህብ እንከለኹ ዝበልኹኻ ጎጉዑ ጥራሕ ኣይትልቀም።

ናብቲ ጉዳይ ክንኣቱ፡

ቕድሚ 14ክፍለ-ዘመን ቀዳሞት ኣመንቲ ምስልምና ካብቶም ካሓድቲ ንዝወርዶም ዝነበረ ዘይጽወር ወጽዓ ንምግልጋሎም ነቢ መሓመድ (ዓ.ሰ.ወ.) ነቶም ኣመንቲ ክሳብ’ቲ ዝኾነ ዝኸውን ኣብታ ሰብ ዘይውጻዓላ መድሪ ሓበሻ፡ ናብቲ በዓል ፍትሒ ኑጉስ ኸድኩም ተዓቐቡ ኢሎም ብዝሃብዎም መምርሒ ኣብቲ ወጽዓ ዘይፈልጥ ኑጉስ ተዓቒቦም እንከለዉ እቶም ኣብ ምድሪ መካ ሓይልን ሃብትን ገቢቶም ዝነበሩ ከሓድቲ (ቑረይሽ) እግሪ እግሪ’ቶም ሙሃጂሪን (ስደተኛታት) ስዒቦም ኣብ ቅድሚ’ቶም ኑጉስ ብምቕራብ ነቶም ኑጉስ የዕግብ’ዩ ዝበሉዎ ዲፕሎማሲ ፕሮፖጋንዳ ጸለማ ተጠቒሞም ከይኣክል ሰፍ ዘይብል ህያባት ብምቕራብ ነቶም ስደተኛታት ከረክብዎም ምስሓተቱ እቶም ኑጉስ ንህያባቶም ብዓብዩ ከኣ ንጠለባቶም ምስ ነጸጉዎ ብጓሂ ዝኣክል ሕርር ኢሎም “ጁቢራ ኣምሩ መሓመድ ብመሊከል ሓበሻ” ጉዳይ (ዓላማ) መሓመድ ኣዕኒውናዮ ሰርናዮ እናበልናስ ብኑጉስ ሓበሻ ተጸጊኑ!

(ተጸጊኑ - ጁቢራ፡ ጸገንቲ - ጀበርቲ)

ብመጠን ዓረብኛ ትግርኛን ዘለዎም ዝምድና ጀበረ ዝብል ዓረበኛ ቃል ብትግርኛ’ውን ኣብ ክንዲ ጸገነ ወይ ምስ ጸገነ ተጠቒምናሉ እንተትነብር ብሰዋስው ትግርኛ ብከምዚ ዝስዕብ ምተሰርዔ ነይሩ፡

ካብ ዓብዪ ዓንቀጽ ክሳብ ቅጽል:
               ጸገነ        ጸጊኑ       ጽገና       ጸጋኒ/ጸገንቲ
               ጀበረ       ጀቢሩ      ጅበራ      ጀባሪ/ጀበርቲ

ስለዚ እዚ ስያመ’ዚ ነቶም ኑጉስ ይኹን ንኣብ ትሕቲኦም ዝነበሩ ህዝብን ክዋሃብ እንከሎ እቶም ኑጉስ ይኹኑ እቲ ህዝቢ ኣብ ክርስትና ኢዩ ዝኣምን ነይሩ። ስለዚ እዚ ስም’ዚ (ጀበርቲ) ልክዕ  ከምቲ ሓበሻ ዝብል መጸውዒ ስም እናተጸበበ ዝመጸ ብግደኡ እናተጻበበ ነቶም ኣብ እስልምና ዝኣምኑ ጥራሕ እናኾነ መጺኡ፡ ስለምንታይ?

ኣቶ ማዝን ብዛዕባ ጀበርቲ ብዛዕባ ዝመስለሙን ዝኸስተኑን ሻቕላ ስለ ዘለካ ንዛ ሕቶ ከም ናይ ገዛ ዕዮ (Home Work) ወሲድካ መጽናዕቲ ብምግባር ኣብ ክንዲ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ጭቡጥ ነገር ሒዝካልና ክትቀርብ ክንጽበየካ ኢና።

ብተወሳኺ ን “ብሄር ብቛንቛ!” ብዝምከት ንዝቐረበልካ ስነ-ጽሑፋዊ ነቐፈታ ዝሃብካዮ መብርሂ ኣጠቓሊልና ንምምዛን ዝኣክል ዝሰገርካየን ኣገደስቲ ነጥብታት ስለ ዘለዋ፡ መሊእካ ጽደቕ፡ ስለዚ ብሄር ብቛንቛ እንተኾይኑ፡

1. ረሻይዳ ቛንቆኦም ዓረብኛ ኢዩ። ስለምንታይ ብሄረ ዓረብ ዘይተባህሉ?
2. ህዝቢ እስራኤል ቛንቆኦም ኣብራይስጢ ኢዩ። ስለዚ ብሄር ንኽባሃሉ እንታይ ተገበሩ ይሓይሽ?
3. ትግርኛ ዝበሃል ቛንቛ ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝብ’ውን ከምዘሎ ከተብርህ ተሓቲትካ ኔርካ፡

ንሓበሬታ ዝኣክል እቲ ክሳብ ሕጂ መወዳድርቲ ዘይብሉ ብመሪ/ግማጽዮን መብራህቱ ዝተወልደ ትግርኛ ትብርኛ መዝገበ-ቃላት ትግርኛ ዝብል ቃል ናይ ቛንቛ ስም ጥራሕ ምዃኑ ኣነጺርዎ’ሎ።

                            ጽቡቕ ቅነ
ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...