ብመጀርያ ሰላምታ ይብጻሕካ።ቀጺለ ኣብቲ ዝገበርካዮ ነቐፌታን ጸርፍታትን ገለ ክብል እደሊ።

ኣቶ ማዝን ክትፍልጦ ዘለካ ቋንቋ ሓደ ከም ናይ ሓባር ነጥቢ (ሮቛሒ) መጺኡ ንብሔርነት
ዘረጋግጽ እምበር ከም ኣባሃህላኻ ብሄር ብቋንቋ ኣይኮነን። ዝበልክዮ፡

ንምንታይ'የን እሞ ዳርጋ ኩለን ብሄራት ኤርትራ ብቋንቋአን ዝጽወዓ? ህዝቢ ኤርትራ፡ ጎረባብቲ ኤርትራ፡ ኣህጉራውያንን ዘይኣህጉራውያንን ውድባት ነዘን ብሄራት እዚኣተን ካብ ቀደም፡ ካብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዞም ይፈልጡወን። ውድባት ኤርትራ ሻዕቢያ ኮኑ ጀብሃ ንዓመታት ነዘን ብሄራት ፈሊጦም ሃገራዊ ቃልሲ ኣካዪዶም። ብስም እዘን ብሄራት መጻሕፍቲ፡ ደርፍታት፡ ግጥምታት፡ ድራማታት ፊልምታትን ዝተፈላለየ ዶክመንታት ተጻሒፉን ተሰሪሑን።

ድሕሪ ናጽነት'ውን እዘን ብሄራት እዚኣተን ስመን ኣብ ወድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ንኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ዝፈለጣ ሃገራትን ውድባትን ዓለም ከም ብሄራት ብወግዒ ተፈልጣ።

ኣቶ ኣወልኬር እዚ ሓቂ ኣይኮነን፡ እዚኣተን ቅጥዕታት ብሄራት ዘየማልኣ ብሄራት'የን ብሄራት ተባሂለን ክጽውዓ የብለንን፡ ውድብ ህቡራት ሃገራት፡ ካልኦት ኣህጉራውያን ኮኑ    ዘይኣህጉራውያን ውድባትን ህዝቢ ዓለምን ነዘን ምሉእ ቅጥዕታት ብሄር ዘየማልኣ ከይፈልጠንን ካብቲ መዛግቡ ከውጽአንን ክሓከንን ኣለዎ ትብል እንተኾንካ እዚ ክኸውን ኣይክእልን'ዩ፡ ምኽንያቱ እስኻን ከማኻ ዝኣመሰሉን ሰፍ ዘይብል ዋጋ ክትከፍሉ ኢኹም። Cost dyes: ኮስቲ ረበክ ወል ኸጥ ሸበክ።

ኣብቲ "መሃሪ" ሰሌዳኻ ንኣብነት ኣብቲ ብሄር ዝብል መስመር ትግረ ኢልካ ። ኣቶ ማዝን ትግረ ዝቋንቆኦም ግና ከም ህዝቢ ትግረ ተባሂሎም ክጽውዑ ዘይደልዩ ከምዘለዉ ትፈልጥ ዶ? ዋላስ ኣመንጊካ'ዩ ። ዝበልካዮ፡

እዚ እንታይ ዘገርም ነገር ኣለዎ? "ጀበርቲ"ን ናህዳን እውን'ኮ ክልተ ዝተፈላለየ ሓሳባት ዘለዎም ጉጅለታት'ዮም። ፍልልያቶም ኢዩ ከኣ ናብ ናህዳ ዝበሃል ናብ ትግርኛ ዘይትርጎም ስም ገይሮም ሓድሽ ጉጅለ  ክፈጥሩ ዘገደዶም። ገለ ደቂ ትግረ ብትግረ ክንጽዋዕ ኣይንደልን ኢና እንተ ኢሎም እዚ ናቶም ምርጫ'ዩ፡ ምርጫኦም ነኽብሮ ግን ከም ቁርኣን ወይ ባይብል ጌርና ግን ክንወስዶ ኣይግባእን።

ብሄር ዝባሃል፡
• ኣብ ሓደ ውሱን ዞና/ሃገር ብምንባር
ብሄራት ኤርትራ ኣብ ዞናታት/ኣብ ሃገረ ኤርትራ ይንበሩ።

• ሓደ ቋንቋ ብምጥቃም
ኩሉ ብሄር ሓሓደ ቋንቋ ኣለዎ።

• ናይ ሓባር ጠቕሚ (ቁጠባ) ብምፍጣር
ናይ ሓባር ጠቕሚ ንኽፈጥር ኩሉ ብሄር ንስለ ብሄሩን ኤርትራ ይሰርሕ'ዩ። ወላ ቆልዑ ከይተረፉ kids cake from variance ይጠልቡ'ዮም።

• ናይ ሓባር ታሪኽ ኣብ ሞንጎኻ ብምህላው
ርዱእ'ዩ።

• ሓደ መበቆል (ማይቤት) ብምዃንካ
ርዱእ'ዩ።

"ብሄረ ዓረብ" ኢልካ ንዘምጻእካዮ "መሃሪ" ኣብነት ካኣ፡ ንህዝቢ ዓረብ (ኡማ ዓረቢያ) እቲ ክሳብ
ሕጂ ኣማሊኦሞ ዘሎዉ ገለ ካብቲ ብሄር ዘብል ሮቛሒታት፡
• ናይ ሓባር መበቆል/ትውልዲ
• ናይ ሓባር ቋንቋ ጥራሕ ኢዩ፡ ንዝበልካዮ፡

ብሄር ዓረብ'ውን ገና ክልተ ረቁቃሒታት እምበር ምሉእ ረቋሒታት ስለዘየማልኡ ብሄሮም ገና ምሉእ መኣዲ ኣይኮነን ዘሎ ማለት ድዩ? ንናይ ሓባር ጥቕሚ ወይ ንናይ ሓባር ቁጠባ ኣይሰርሑን ድዮም? ቑጠባ ደኣ እሶም ኣይኮኑን ካልኦት ኣህዛብ ዓለም'ውን ናብኦም'ዮም ዝመጹ። ኣብዚ ጊዜዚ ዓረብ ዝፍለጡሉ ቀንዲ መዳይ ቁጠባ'ዩ። ኣብ ሃገራት ኣይነብሩን ድዮም? ኣብ ሃገራት ዘይነብሩ እንተኾይኖም መላእኽቲ ወይ ኣብ ካርታ ዝነብሩ ኣህዛብ'ዮም ማለት'ዩ። ናይ ሓባር ታሪኽ የብሎምን ድዩ? እዚ ከመይ ገይሩ'ዩ ክኸውን ዝእኽል? ሃገራት ሻም ንበይነን ጥራሕ ምጥቃስ ይኣክል።

“ፈቲነ” ዝመስለንን ዝካኣለንን ገይረ ማለት እንተኾይኑ መርበብ ሓበሬታን በጻሕቱን መፈተኒ
ኣይመስለንን። ንዝበልካዮ፡

እወ ሓደ ሰብ ዝከኣሎ'ዩ ዝገብር እምበር ዘይክእሎ ዝገብር እንተደኣ ኮይኑ ብወለሓደ ከይተፈልጠ ኮለል እናበለ'ዩ ዝነብር።


Maazin Abdul Qhany
15-Aug-‘11


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...