ሳልሳይ ክፋል
“ኣብ ኤርትራ ነበርቲ” ብቛንቛ “ደቀባት” ነበርቲ ዝብል ኣብ ክንዲ ጀበርቲ ኢዩ። “ኣብ ኤርትራ” ዝብል ቃል ከኣ ዘይደቀባት ወይ መንነት ዝተመጽወተሎም ከም ማለት'ዩ ዘስምዕ። ከምኡ ከኣ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ጽሑፎም ኣብ 10ይ ክፋል ገጽ 3 ከምዝቐረበ  “ተዛረብቲ ትግርኛ ነበርቲ ኣብ ኤርትራ ዝኾኑ ኣስላም ካብ ምስልምና መታሕት ስለ ዘይፍለዩ ፍሉይ ብሄርነት ንተዛረብቲ ትግርኛ ኣስላም ካብ ጥንቲ ኮቶ ጠሊቦም ኣይፈልጡን።።”

ብወገነይ እዛ ኣበሃህላ ሙሉእ ሓሳብ ድያ እኽብካብ ቃላት ኣይበራሃለይን።። ዝኾነ ኮይኑ ከምዝሃበና ደጋጊፍና ክንርደኦ እንተፈተና ካብ ኣስላም መታሕት ንፍለ ኢና ወይ ይፍለዩ ኢዮም ዝበሎም ኸኣ የለን።። ብጉዳይ ብሄር እናተዛረቡ ጉዳይ ሃይማኖት እንታይ ኣምጸኦ!።። “… ጠሊቦም ኣይፈልጡን …” ካብ መን ክጠልቡ?! መስራቲ ዶ ኣባልነት ይጠልብ'ዩ? ጠሊቡን ኣይጠለበን ዝባሃል ድሒሩ ዝመጸ ኢዩ።። እንተላይ ኣብ ናይ ኩዕሶ ጋንታ ክበብ። (እዛ ኣበሃህላ ን2ይ ክፋል ዘንበበ ብርህቲ ኢያ)።።

“ኣብ ኤርትራ ነበርቲ” እትብል ኣበሃህላ “ደቀባት” ንሃጼ ሃይለስላሴ ተፈሪ ኣባ-ጠቅል ኣዘኻኺራትኒ።። ጃንሆይ ብጉዳይ ኣስላም ኢትዮጵያ ክዛረቡ እንከለዉ (በኢትዮጵያ የሚኖሩ እስላሞች) ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኣስላም ኢዮም ዝብሉ ነይሮም።።

“ደቀባት” ንምጥፋእን ሕስረትን ጃንሆይ ካብ ዘቐላጠፉን ኣብ መቐመጫ ዘውዶም ኩርዃሕ ዝፈጠረሎም ቀዳማይ ዃኺቶ እዚ ኣበሃህሎኦም እዝን ንዑኡ ዘንጸባርቕ ግዕዙይ ኣመሓዳድረኦምን ምንባሩ ትፈልጡ ዶ? (ንናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ሰውራ ኣንጻር ስርዓት ሃይለስላሴ ተወከስ)።። ዝኾነ ኮይኑ ኩሎም ፉዩዳል (መሳፍንቲ) ሓደ ዓይነት ቛንቛን ኣተሓሳስባን ክጥቀሙ ባህሪያዊ ኢዩ።። ሓደ ቛንቛ ከም ቛንቛ እንግሊዘኛ ዓረብኛ ትግርኛ… ወዘተ እናተባህለ ንሽሙ ጸይሩ ካብ ሓደ ሕብረተሰብኣዊ ምዕባሌ ናብ ካልእ ሕብረተሰብኣዊ ምዕባሌ ዝሰጋገር'ኳ እንተኾነ መንፈሱ ግን ይቕየር ኢዩ። ቋንቋ ብደረጃ'ቲ ዝፍጠር ሓድሽ ኣተሓሳስባ ናይቲ ሕብረተሰብ ንቓላቱ ቃነኦም ኽቕይሩ ይገብር።። 

ንኣብነት ኣብ ሓደ ርእሰማላዊ ምዕባሌ ዝነብር ባእታ ንኹሉ ነገር ብመኽሰብን ክሳራን ክዕቅኖ እንከሎ እቲ ኣብቲ ንርእሰማልነት ቀዲሙ ዝመጸ ፉዩዳል (መስፍናዊ) ሕብረተሰብ ካኣ ካብ መኽሰብን ክሳራን ንላዕሊ ዘገድሶ ናይ ትምክሕቲ ናይ ሾቮንያ (ጸብለልትነት)ጉዳይ'ዩ። ዝያዳ ንምብራህ ሓደ ርእሰማላዊ ኣታሓሳስባ ዘለዎ ሰብ ንኣገልጋሊኡ ጉልበቱን ግዜኡን ምእንቲ ነገራዊ ረብሓ (ገንዘብ) ዝሸጠሉ ዘሎ ነጻ ሰብ ገይሩ ክርደኦ እንከሎ ኣብ ኣድላይ ግዜ'ውን ነቲ ዓዲጉ ዝጥቀመሉ ጉልበት ብጉልበቱ ክትኮኦ ጸገም የብሉን።። እቲ ፍዩዳል ኣተሓሳስባ ዘለዎ ግን ነቲ ዘገልግሎ ዘሎ ሰብ ካብኡ ዝተሓተን ዝተረግመን ትሑት ፍጥረት ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ።። ከም ኣብነት ጸባ ሓሊብካ ምስታይ ናይ ትሑት ዝኹነ ፍጡር ስራሕ ገይሩ ስለዝርደኦ ዝሓልበሉ እንተዘይረኺቡ ካብ ሓሊቡ ጻባ ዝሰቲ ጸሙ ክሓድር ይመርጽ።። ፉዩዳል (መሳፍንቲ) ጸብለል ዝብሉሉ ጉዳይ እንተሲኢኖም ዋላ ካብ ባዶ ነቒሎም ሾቨንያዊ ጽምኦም ከርውዩ ድልዋት ኢዮም።። ዋላ ብእምነት ብባህሊ ብቋንቋ ብታሪኽ ብመበቆል ዘይፍለዮም ብዘይቅቡል መንገዲ ከካፍእዎ ይረኣዩ ኢዮም። ንስለ ሸቨንያዊ ቃሕተኦም።።
ኣብ ኣርእስትና ክንምልለስ፡

“ደቀባት” ሑሉፍ ሓሊፍዎም ነታ ጀበርቲ እትብል ስም'ውን ብነበርቲ ቀይሮም ክካረጁ ዝደለዩ ኢዮም ዝመስሉ።። ግን ካብ 1400 ዓመት ንላዕሊ ነንዝመጾ ተጻበኦታት ጸይሩ ደው ዝብለ ስም ምሕካኽ ከንቱ ፈተነ ኢዩ።። ጀበርቲ ንስለ ሃብቲ ቆፎን ኣእምሮን ኣርሒቆም ይጓዓዙ ስለዝነበሩ ኣሰሮም ኣብ ብዙሓት ሃገራት ስለዘሎ ኣብ ጸቢብ ቦታ ተወሲንካ ታሪኾም ክድምሰስ'ዩ ምባል ዘይካኣል ኢዩ።። ካብ ብዙሕ ዉሑድ ንኣብነት። ኣብ ዋና ከተማ ግብጺ ካይሮ ዝርከብ ሓደ ገዲም ዩኒቨርስቲ ዝምረቕ ዝኾነ ይኹን ወዲ ቅርኒ ኣፍሪቃ ጀበርቲ ተባሂሉ ይምረቕ ከምዝነበረ ትፈልጡ ዶ? ስለምንታይ'ከ ይመስለኩም?

ናይ ግብጺ ሓድሽ ታሪኽ ዝጻሓፉ ግብጻዊ “ዓብዱልራሕማን ኣልጀበርቲ” ብሓበሻ ዘርኦም ይኾርዑን ይዛረቡን ነይሮም ኢዮም።። ኣቦታቶም ንፍልጠትን ንማካ ምብጻሕን ብዙሕ ጉዕዞታት ይገብሩ ስለዝነበሩ ከም ውጺኢቱ ኸኣ ዘርኦም ኣብ ምድሪ ግብጺ ሰሲኑ።። ጀበርቲ ዝብል ስም ኣብ ኤርትራ ኢትዮጵያ ሶማል … ወዘተ ዝቕየር ስም ኣይኮነን።። ልክዕ ትርጉሙ ንምርካብ ናይ ትግርኛ መዝገበ ቃላት (ልሳኔ ኣግዓዚ ገጽ 570 ተወከስ)።።

ንታሪኾም ብዝምልከት (ኤርትራውያን ጀበርቲ) ከኣ ነቲ ኣቐዲሙ ብስዉእ ዶክቶር ያሲን ኣበራ ሓጎስ ዝተጻሕፈ ወይ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብኣቶ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፍሊፖ) ክትንተን ዝሓገየ ታሪኽ ጀበርቲ ምንባብ ዝኣክል ሓብሬታ ከስንቐኩም ይኽእል'ዩ።። ብዛዕባ'ቲ “…መብዝሕትኦም ኣዴታቶም ክርስትያን ኢየን ነይረን። ስለዚ ኤርትራ ብማህጸን ደቃ ድያ ክትምስልም…”  ዝበልክሞ ኸኣ መልስን ኣስተምህሮን ዘድልየኩም ዘለኹም ኢኹም ትመስሉ'ሞ በቲ ኣስተምህሮ ምጅማር ክምረጽ ኢዩ።። 

ቅድም ቀዳድም በቲ ነደ እንህባ ኽብሪ ብትእዛዝ ፈጣሪ ኸኣ ካብ ንወላዲና እንገብሮ ምክብኻብ ንላዕሊ ብሰለስተ ዕጽፊ ክንከባኻባ ስለዝተኣዘዝና በዴታትና ዝመጸና ስለዘይንፈቱ ነዚ ስሚዕትና'ዚ ከተኽብሩ ብትሕትና ንምሕጸነኩም።። ብዝተረፈ ኣዴና ኣስላመይቲ ወይ ክርስትያን ወይ ኣይሁዳዊት ክትከውን ትኽእል'ያ።። ሕጋውነትና (ብሕጊ ዝተወለድና ምዃና) ኣብ ከምዚ ኩነታት እሙን ኢዩ።። ካብዚ ሓሊፉ እታ ትወልደና ኣደ ብመሰረቱ ሃይማኖት ዘይብላ ወይ ካኣ ካብቲ ዝተጠቕሰ ሃይማኖት ወጻኢ ከም ሁንዲዝም ቡዲዝም ወይ ካልእ እምነታት እትኣምን ኮይና ኻኣ ዘይሕጋውያን (ብዘይ ሕጊ ዝተወልዱ) ተቆጺርና ክሳብ ንስድራና ናይ ምውራስ ጉዳይ ይንፈገና።። እዚ ኸኣ ንገለ ደስ ክብሎ ንገለ ከቕሕሮ ኢልካ ዝባሃል ዘይኮነስ ዉዱእ ሃይማኖታዊ ትእዛዝ ኢዩ።። ልክዕ ከምቲ ሓደ ኣስላማይ ስለምንታይ ክርስትያን ናይ መቕርቦ መርዓ ዘየፍቅዱ፡ ስለምንታይ በዓልቲ ቤቶም ብርኪ ትኣቱ ኢሉ ክነቅፍን ክማጎትን ዘይግቦኦ መጠን።። ኣዴታትና መብዝሕትኤን ክርስትያን ምንባረን ካበይ ዘምጻእኩሞ ሓበሬታ ኢዩ።። እንድዒ! ግን ብስነ-ሞጎት ክንርእዮ እንተኾና እስልምና ኣብ ምድሪ ሓበሻ ክኣትው እንከሎ ህዝቢ ሓበሻ ድሮ ኣብ ክርስትና ሃይማኖት ኣሚኑ'ዩ ነይሩ።። ስለዚ እቲ ንእስልምና ዝተቀበሌ (ዝኣመነ) ካብቶም ኑጉስ ጀሚርካ ክርስትያን ዝነበሩ ኢዮም።። ዶስ እቶም ኣሰብኡት ጥራሕ ስለ ዘመስለሙ "ሃይማኖት ዘስፋሕፉሑሉ ማህጸን የድልዮም ነይሩ" እዚ ዘረባዚ ሕሰቡሉ ብጣዕሚ ክባሃል ዘይነበሮ ካብ ንተባሃሊኡ ንባሃሊኡ ዘኽዕብ ስለ ዝኾነ።። እንተ'ቲ "… ንብሄረ ትግርኛ ኣይንቅበልን ኢና። ንሕና ፍሉያት ብሄር ኢና ዝብሉ እንተኾይኖም ግን ብሔራዊ መሰሎም ኣብ ትግራይ ከይዶም ይሕተቱ…." ዝበልክሞ ኸኣ እዚ  ይጽናሓልና'ሞ። ኣቐዲምኩም ትግርኛ ዝባሃል ቛንቛ ዘይኮነስ ትግርኛ ዝባሃል ህዝቢ'ውን ከምዘሎ ርሑቕ ከይከድኩም ሕጂ ብሂወቶም ዘለዉ ሽማግሌታት ዝምስክርዎ ጭብጢ ኣምጽኡ።። ክትስእኑን ክትረኽቡን ካኣ ንዓና ናይ ሓበሬታ ጉዳይ ጥራሕ ኢዩ።። ጀበርትነት ግን 1400 ዓመት ስለ ዘለዎ ኪኖ እዚ ዘመናት ፋሕቲርካ ዝርከብ ስም ንምዝካር ብዘይካቲ ሓበሻ ዝብል ሓፈሻውን ሰፊሕን ስም ካልእ ንምርካብ ዝካኣል ኣይኮነን።።

ኦ"ደቀባት"ብወገና ቛሕ-ሰም ኢልና ሓደ ዝሃይማኖታ።ሓደ ዝባህላ። ሓደ ዝቛንቛኣ ኤርትራ ክንርእይ ኣይምጸላእናን።። እቲ ጉዳይ ግን ግጉይ ትምኒት ስለ ዘይኮነ ዕብድ-ብድ ገዲፍኩም ህዝቢ ኤርትራ ኣብዛ ዝተዓደለቶ ምጭውትን ንእሽቶን ብምድርን ማይን ምስካለኦት እትዳወብ ብናይ ሓደ ክልተ ሰዓት ናይ እግሪ ጉዕዞ ሙቀት እንተጸላእካ ናብ ቆራሪ ቁሪ እንተጸላእካ ናብ ምዉቕ መሬታ እትዛወረላ ክልተ ክራማት እተስተማቕረላ ሃገሩ ተኻባቢሩን ብሰላምን ብፍትሕን ዝነብረሉ መንገዲ እንተትሓስቡ ምሓሸ።።

ደምበ ኣንድነት ሃገሮም ሸይጦም ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘይተገብረ ንረሳታቶም ብባንዴራ ኢትዮጵያ ኣማዕሪጎም ንደምበ ነጻነት ሕርር በሉ ዝዓይነቱ ካብ እንዳ ሙዉት ክሳብ መቓብር ምኻድ ከም ባህሊ ኣታኣታትዮም ንሕና ንሕና ወ መንዩ ከማና እናበሉ ኤርትራ መበል 14 ክፍለ ጠቅላይ ግዝኣት ኢትዮጵያ ምስ ገበርዋ ነቲ ሙሩጻቱ እናቐተሉ ሃብቱ እንዳንደዱ እሺ ንኢትዮጵያ ከብልዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ኤርትራዊ ጀበርቲ ማዓርግ ደሪቦም ድቃስ ኽኸልእዎ እናተዳለዉ ግርማውነቶም ጠቢሮም ኣብ ዘይዓበይሉን ክሳዶም ከነፍሕሉ ኣብ ዘይክእሉን ምድሪ ኣምሓራ ምስ ኣስፈሮም ብጓሂ ጣዕ ኢሎም "ሸየጥቲ ዓዶም ጽባሕ ካኣ ዝሽየጥ ምስ ሳኣንኩም ዘውድና ትሸጡ" ምስተባህሎም ሰውራ ኤርትራ ኸኣ ብኣዝዩ ቁልጡፍ እናጓሃረ (ካብ ምውራድ ባንዴራ ታሪኻዊ ዓወት ውግእ ተጎርባን ዘሎ ሚዛን ግዜ ውሰድ) እናፈራረሄ እናቕበጸ ምስ መጸ ካብ ደቂ ደምበ ኣንድነት ንደምበ ናጽነት ክጽግዕዎ ምስ ተራእዩ ዓወት ሓጎስ ኢና ዝቆጸርናዮ እምበር እቲ ቀንዲ መባኣሲና ኣንድነት'ዶ ናጽነት ዝብል ተፈቲሑ ኩሉና ኣብ ናጽነት ዝብል ደምበ ተጠርኒፍና እናበልና ነቲ ኣብ ልዕሊ ጀበርቲ ዝነበሮም ናጽነት ኤርትራ ዝጠንቁ ጽልኢ ኣብ ኩርምቶም ይጸንሕ ዝብል ግምት ኣይነበርናን።። ሕጂ ኸኣ ብሓድሽ ሞዴል ኣብ ግዜ ጽልኢ ኢትዮ-ኤርትራ መንነቶም (ኢትዮጵያውነቶም) ትዝ ኢልዎም ኣንጻር ኤርትራ ዝሰርሑ ኣምሲልካ ምጥቃዖም።። እዚ ምስዘይሰልጥ ካኣ ብሃይማኖቶም ኣቢልካ ኣንጻሮም ምልዕዓል ምግባር።። ወይ ሰብ ደቀይ!!! ካን እታ ጌጋስ እግሪ እግርኹም ክትስዕበኩም! ሕራይ ደቂ ዶክቶር ሳልሕ ከቢረስ ብጌጋ ገምጊምኩሞም ትኹኑ።። ደቂ ራስ ተሰማ ኣሰበሮም ከ?
ቐደም ዘይተገረህልኩም ሎሚ ዝግርህልኩም ዶ ይመስለኩም? ከምቲ ደምና ኣፍሲስና ንብረትና ኣጥፊእና ንኤርትራ ህልውቲ ዝገበርናያ። ከምኡ'ውን ኣስላማይ ክስታናያ ህዝባ ሓቒፋ ኣኽቢራ ኣከባቢራ ትነብር ኤርትራ ህልውቲ ምግባር ካኣ ንሰብ ተሞክሮ ዘሸግር ኣይኮነን።። በዚ ኣጋጣሚ'ዚ እዚ ኮነ ኢልካ ኣንጻር ጀበርቲ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ናይ ታሪኽ። ናይ ባህሊ። ናይ ፖሎቲካ ናይ መንነት ቅንጸላ ብሸለልትነት ክረኤ ዘይብሉ ቅድም ንደቂ ጀበርቲ ዳሓር ካኣ ንኤርትራ ሃሳዪ ስለዝኾነ።
     -      ኩሎም ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ኤርትራ ዝርከቡ ደቂ ጀበርቲ ኣብ ውድባቶም እዚ ጉዳይ'ዚ ክዝረቦን መርገጽ ክውሰዶን ክገብሩ ይግባእ።

      -     ሰልፊ ናህዳ ምስተን ተመሓዝይወን ዝጓዓዝ ዘሎ ውድባት ነዚ ጉዳይ'ዚ ከልዕሎን መርጋጻተን ክፈልጥን      ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣሎዎ።

     -      ኩለን ብሄራውን ሊበራላውን ውድባት ኣብ ጉዳይ ጀበርቲ ብሄር ድዩ ኣይኮነን ብተወሳኺ ኣብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝግበር ዘሎ ቅንጸላ መርገጸን ከነጽራ ናይ ግድን ኢዩ።

     -      ዝኾነ ወዲ ጀበርቲ ጉዳይ መንነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱን ባኒ ኸቢሩ ሓሲሩ ምባል እውን ፖሎቲካ ምዃኑ ከርደኦ ጉቡእ ኢዩ።

ብዝተረፈ ክሳብ ኣብቲ ስዒቡ ዝመጽእ ራብዓይን መደምደምታን ክፋል ነቲ ካብቲ ስጋብ ሕጂ ክንዛረበሉ ዝጸናሕና ጉዳይ ጀበርቲ ንላዕሊ ዝኸፈኤ ደቀባት ንሃይማኖታዊ ጎንጽን ቂምታን ዞባኹዕ ጽሑፋቶም ዝምልከት ጽሑፍ ዝቐርብ።

ኤርትራ ብኣብ መንጎ ገዛእታን (መንግስቲ ጥልያን) ዓበይቲ ዓዳን ነቲ ሕጂ ሒዛቶ ዘላ ጆኦ-ፖሎቲካ ንምትሓዛ ነበርታን ዕላዊ ቋንቋታታን ኣብ ቅድሚ መንግስቲ ጥልያን ቀሪቡ ዘማእክል ምስሌነኣን ንምንጻር ኣብ ዋና ከተማ ምምሕዳር ኤርትራ ከተማ ከረን ብ30-10-1890 ዝተገብረ ዋዕላ ዝተነጸሩ ነበርታ (ህዝባ)።

1) ኩናማ    
2) ዓፋር
3) ጀበርቲ
4) ኣግኣዝያን
5) ትግረ
6) ሳሆ
7) ብሌን
8) ናራ
9) ሕዳርብ

ዝኾነ ምስ'ዚ ዝጻረር ሰነድ ዘለዎ የቕርብ።። ……………………………….
ይቕጽል……

ብቐትሩ ዓይንኹም ኣዔሚትኩም
ኣብ ጸላም ክትነብሩ ትኽእሉ ኢኹም
ጸሓይ የላን ኢልኩም ከተእሙኑና ግን ፍጹም ዘበት ኢዩ።

ኣወልኼር ዓብዱልሓፊዝ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...