ክቡራት ኮሚሽናራት ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡
ክቡራት ንኡስን ህዝባውያን ሽማግለታት ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡
ክቡራን ኣባላት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን፡
ክቡራት ዕዱማትና ብጠቕላላ፡

ኣቐዲመ ብስም እቲ ኵሉ ዝከኣሎ ኣምላኽ እንቋዕ ብደሓነ ሰላም ኣብዚ ናይ ሎሚ ኮንፈረንስ መጻእኩም እናበልኩ ምዉቕ ሰላምታይ ኣቕርበልኩም፡፡ ኣስዒበ ኸኣ ንኤርትራዊ ጕባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንምዕዋት፡ድኻማትኩምን ክሳራታትኩም ኣብ ግምት ከይኣተኹም ንህዝብን ሃገረን ንምድሓን ክብ ዝበለ ምንቅስቓሳትን ጻዕሪን እተካይድዎ ዘለኹም ምስጋናይ ኣቕርበልኩም።ካብዚ ኣስዒበ ድማ ንመንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ በቲ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ናይ ምቕባልን ምእላይን፡ከምኡ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንመንሰእያት ኤርትራ ልዕሊ 300 ተማሃሮ ኣብ ዩኒቪርሲቲ ምቕባሎምን፡ ሎሚ ዓመት ውን ልዕሊ 750 ተማሃሮ ክቕበሉ ምዃኖም ምሕባሮምን፡ ኣብ ምግባእ ሃገራዊ ዋዕላ ንዝገብርዎ ሓገዛትን (Charitable)፡ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ዘገብርዎ ዘለዉ ሕውነታዊ ምትሕብባር ክብ ዝበለ ሞገስን ምስጋናን እናቕረብኩ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ተራን ሰናይ ታሪኻዊ ምዕራፍን ዝሓዘ ምዃኑን ከስምረሉ ይፈቱ።

ስርዓት ህግደፍ መተካእታ ናይቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ሕሱማት ባዕዳውያን ገዛእቲ ኰይኑ ንህዝቢ ኤርትራ ምስ ኩሉ ጐረባብቲ ሃገራት እናኣጋጨወ ብሓሽሓት ዝቑጸር ህይወትን ንብረትን መቕዘፍትን ስንክልናን ዘውረደን ዘስዓበን ቃኤላዊ ስርዓት ኢዩ።ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኤርትራ ከኣ ግደ መግፋዕትን ማእሰርትን ስቅያትን ዝዀኑ ካብ ህግዲፍ ሃገሮም ገዲፎም ሃጽ ኢሎም እግረይ ኣውጽእኒ ክብሉ ንስደት ዘምርሑ ኣብ ምድረ በዳ ልብያን ሲናይን ኣብ ቀላያት ባሕሪን ዝጠፍኡ ዘለዉ ማእለያ የብሎምን።እቲ ዘስደምም ከኣ ህላወኦም ንዘይተራጋገጸ መንእሰያት 50.000 ናቕፋ ክፍሉ ወድኹም/¶ልኩም ኮብሊሉ/ላ ኢዩ/ያ ተባሂሎም ዝተኣሰሩ ወለዲ ውሑዳት ኣይኰኑን።ተቓወምቲ ውድባት ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ክብላ ክገብርኦ ዝነበረን ዝተፈላለ ዕድላት እኳ እንተነበረን ብሰንኪ መን መርሐ ኣብ ዝብል ተበቲነን ብዙሕ ዕድላት ኣምሊጡወን ሓለፈ።ህዝብና ኣብ ምጽናት ገጹ ዝርከሉበሉ ዘሎ ግዜ በጺሕና ኣሎና።ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዘይተራእየን ዘይተሰምዐን ከኣ ብህግዲፍ ካብ ዶብ ኤርትራ ክሳብ ምድረ-በዳ ልብያን ሲናይን ዝተዋፈሩ ኤርትራውያን ዑሱባት ምስ ገለ ደቂ ጐረባብቲ ተኣሳሲሮም ንስደተኛታት ኤርትራውያን ብቕትለትን ምውሳድ ኩልትን እናሳቐዩ ዶላራት ካብ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣዝማዶም ከምዝኽፈሉ ዝገብሩ ዘለዉ እንሆ ንርኢ ኣሎና።ጀኔራላትን ኰነረላትን ስርዓት ኢሰያስ ሓሽሓት ዶላራት እናወሰዱ ንብዙሓት ስድራ-ቤታት ካብ ውሽጢ ኤርትራ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት የሰጋግሩ ምህላዎም ንዅሉ ብሩህ ኰይኑ ኣሎ፡ናብራ ህዝቢ ኤርትራ መሬት ዘቢጡ ይርከብ ኣሎ።

ህግዲፍ ብኣይተ ኢሰያስ ዝዚወር ስርዓት ቃኤላውያን ብምዃኑ ካብ ብእዋኑ ንእከይን ቕትለትን ተንከ÷ልን ምጽናት ህዝቢ ኤርትራ ዝዓለመ ጉጅለ ምንባሩ ነቶም ኣቐዲምና ዝፈለጥናዮ ብሩህን ንጹርን ኢዩ ነይሩ፡፡ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ዕንደራ ህግዲፍ ብሕቡራት ሃገራት ናይ እግዳ ወሳኔ በጺሑዎ ኣብ ዝገደደ ኵነታት ገጹ ኣምሪሑ ይርከብ ኣሎ።እዚ ስርዓት‘ዚ ንኤርትራ ግደ መቕዘፍትን ዓመጽን ጥሜትን ሕማምን ምንዝርናን ማእሰርትን ስሰዐን ቅንእን ስደትን ዝሰፈና ሃገር ክትከውን ዝገበረ ማፍያዊ ጕጅለ ምዃኑ ንማንም ሓላፍ መገዲ ግሉጽን ብሩህን ኰይኑ ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ብቃልስታቱ ንዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ገዛእቲ ይገጥም ምንባሩ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ፡ብቀጻሊ ውን ዝተናወሐ ብረታዊ ቃልሲ ኣካይዱ ንመግዛእቲ ስርዓት ሃይለስላሴን ደርግን ስዒሩ ልዑላውነት ኤርትራ ከረጋግጽ ዝኸኣለ ህዝቢ ውን ኢዩ፡፡ኮይኑ ግን ንስሙ ነጻነት ኤርትራ ተባሂሉ እምበር ብመግዛእቲ ኣይተ ኢሳያስ ተሓኒቑ ናብራ ባርነት ከሕልፍ ዝርከብ ዘሎ ህዝቢ ኢዩ። ፋሽሽታዊ ስርዓት ኢሰያስ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውግእን ማእሰርትን ድኽነትን ስደትን ከም ዝኣቱ ዝገበረን፡ ኣኸቲሉ ድማ ነቲ ብቐዳሞት ኣቦታት ዝቆመ ጭዋ ባህልታትን ልምድታትን ኣልሚሱን ደምሲሱን፡ንዩኒቪርሲቲ ዓጽዩ ንምድንጋር ኮሌጅስ ኢሉ ዝሰመዮ ወተሃደራውን ጸጥታውን ስልጠና ዘካይደሉ ዘሎ ኢዩ።ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ብልጽግናን ሃብትን ሰላምን ቅሳነትን ዝነበረ ኣቕሂሙ ብናቱ ዛራት ዝለወጠ ውልቀ መላኺ ካብ ምዃኑ ውን ኣይሓለፈን።
 
እምበኣረይ ሎሚ ብጉዳይ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ሃገራዊ ዋዕላ ብሕጽር ዝበለ ክጠቕስ ኣፍቁዱለይ።ጥንታውያን ኣቦታት ንህዝቢ ኣብ ምእላይን ምምሕዳርን ኣብ ትሕቲ ዋዕላ ዝብል ቃል ዝተጠርነፈ ጕዳዮም የካይዱ ነበሩ።ንኣብነት ኣብ ጥንቲ ኣብ መንጎ ሕብረተ-ሰብን፡ ዓድታትን፡እንዳታትን ንዝርከብ ዝነበረ ጸገማት ዋዕላ ኣካይዶም ይፈትሕዎን የዕርፍዎን ነበሩ፡ ዋዕላ ዝብል ቃል ብደሕሪ ስዕረት ጣልያን ኣብ ኣርባዓታት ፖለቲካዊ ሰረታት ኣብ ዝተጀመረሉ ግዜ ኣጸቢቓ ከትደምቕ ጀመረት፡ብፍላይ ከኣ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ብ1946 ዓ.ም.ፈ. ፖለቲካውያን ኣቦታት እንብዓል ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ወልደኣብ ወልደማርማርያም፡ ሼኽ ዓብደልቃድር ከቢረን ዝተኻፈልዎ ዋዕላ ነበረ።ካብቲ ናይ ሽዑ ዋዕላ ክልተ መለለዪ ህዝብና ዝተወልዳ ነይረን ክንብል ንኽእል። ንሳተን ድማ መንነትን፡ ሃገርነትን ኰይነን ንቃልሲ ዝዕድማ ውን ነበራ።ኣብቲ ቀጻሊ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእታዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕቶ ሓድነት ንምፍታሕ ብዙሕ ጻዕሪታት ዝተኻየደ’ኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ንሓርበኛታት ኣቦታት ኣብቲ ናይ መጀመርያ ሓምሳታት ሰለማዊ ቃልሲ ዘካይድሉ ግዜ ዝገጠሞም ውሽጣውን ግዳማውን ከበድቲ ዕንቅፋታት ንምስግጋር ኣብ 1949 ኣብ ደቀምሓረ ኣብ ትሕቲ ቀጽሪ ነጻነት (Independence Block) ብሽዱሽተ ውድባት (ሰልፍታት) ዝተመስረተ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ኣብ ጉዕዞ ሓድነት ደምበ-ተቓውሞ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ዝተወንጨፈ ታሪኻዊ ዓወት ነበረ።

ኣብ ሓሙሳታት ድሕሪ ናይ ነዊሕ ጻዕሪን ቃልስን መስዋእትን ከኣ እዘን ክልተ መንነትን፡ሃገርነትን መለለዪታት ህዝቢ ኤርትራ ዝነበራ ከኣ ብፈደረሽን ተቖጽየን ይጽንሓ እምበር ቀጺለን ንሓርነትን ነጻነትን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘበገሳ ውን ነበራ።ናይ’ዚ ውጽኢት ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ኣካይዱ ክብ ዝበለ ዋጋ መስዋእቲ ከፊሉ 1991 ዓ.ም.ፈ. ሃገሩ ክጭብጥ ከኣለ፡እንተዀነ ነቲ ብጀጋኑ ደቂ ኤርትራ ዝተረኽበ ነጻነት ብሓደ ሕሱም ዝዀነ ውላድ ገዛእቲ ተጨወየ፡ ኣብ ትሕቲኡ ኣእትዩ ከኣ ንህዝቢ ሓመድ ድፋጭኡ ከምዝሰቲ ገይሩ ኣብ መገዲ ምጽናት ገጹ ኣብጽሒዎ ይርከብ ኣሎ።እምበኣረይ ኣውያት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝቃላሕ እንሆ ልዕሊ ዕስራ ዓመት በጺሑ ኣሎ።እሞ ንሕና ከም ተቓወምቲ ውድባትን በርገሳውያንን ኣብዚ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ባርነት እንተይ ኢና ገርናሉን ቀሪብናሉን ንህዝቢና ክንብልን ክንመዝንን ናይ ግድን ይኸውን።

ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ዋዕላ ብእዋኑ ከም ጭርሖ ዝተላዕለሉ ኣብ  ራብዓይ ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ. ሰውራዊ ባይቶ 1995 ዓ.ም.ፈ. ነበረ። በብግዚኡ ጭርሖታት ዝተገብረሉ ኣወንታዊ ተበግሶታት’ኳ እንተነበረ መዕረፊ ግን ኣይበጽሐን ነበረ፡ ድሕሪ መሪር ከቢድ ተጋድሎ ባዕላዊ ጻዕሪታትን ንሓድነት ዘቀላጥፍን ዝድግፍን ውድዓዊ ምቹእ ናይ ምድግጋፍ ጉዕዞ መስርሕ ናይ ፈተውትን ዝዀነ ድማ ኣብ 1999 ዓ.ም.ፈ. ምምስራት “ምሕዝነት ሃገራዊ“ ዝተኻየደሉ ድምጺ ዋዕላ ከም ጭርሖ ተላዒሉ ጥራሕ ቀሃመ።ብድሕሪ’ዚ ግዜ’ዚ ኣብቲ ብሰንኪ ምፍራስን ምዕንቃፍን “ምሕዝነት.ሃ.ሓ.ኤ” ውድብ ሰውራዊ ባይቶ ዝተፈናጨለሉ ዓመት 2003 ዓ.ም.ፈ. እቲ ብመሰረታት ተ.ሓ.ኤ. ሰ.ባ. (ተ.ሓ.ኤ. ሃገራዊ ጉባኤ) ዝፍለጥ ውድብ፡ ኣብቲ ሽዑ ዝካየድ ዝነበረ በዓል ኤርትራ ኣብ ካስል ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ብግብሪ ክዕወት ከምዘለዎ ኣትሪሩ ተቓለሰ፡ብድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ከኣ ቦኽሪ “ሃገራዊ ዋዕላ” ብማኒፈስቶ ካስል ዝፍለጥ ኣብ ነሃሰ 2004 ዓ.ም.ፈ. በዓል ኤርትራ ኣብ ካስል ዝተኻየደሉ ብዝለዓለ ኣብ ግብሪ ክውዕልን ክትግበርን ክትዓት ተኻየደ፡ ኩሎም እቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ውድባትን፡ በርጌሳውያንን ምሁራትን፡ዓበይቲ ዓድን ክሳብ 24 ዝኣኽሉ  ንመጀመርያ ግዜ ዝፈረምሉ “ማኒፈስቶ” ውን ነበረ።ኣብቲ ሰዓት’ቲ ከኣ ሓንቲ ሽማግለ ንሰፊሕ ዋዕላ ዘእቱ ቻርተር ክትነድፍ ተመዘዘት።እታ ዝተመዘዘት ሽማግለ ብዶ/ር ተስፋጽን መድሃንየ ትምራሓ ኰይና ነታ ብ16 ውድባትን ሰልፊታትን ኣብ መጀመርያ ናይ 2005 ዝቖመት ኪዳን ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት መጽናዕቲ ንሃገራዊ ዋዕላ ዘብጽሕ ቻርተር ብቋንቋ ትግርኛን ዓረብን ኣዳልያ ንኪዳን ዝመርሕ ዝነበረ መሪሕነት ኣቕረበት።እንተዀነ ናይ ሽዑ መሪሕነት ኪዳን ነቲ ናይ ሽማግለ ስራሕ ኣቃልቦ ከይሃበ ነቲ ቻርተር ሒዙዎ ቀሃመ፡ቀጺሉ ህዝብን መሰረታት ውድባትን ስፊካውያንን ሃገራዊ ዋዕላ ክብሉ ንነዊሕ ዓመታት እኳ እንተተጸበዩ ወጽኢቱ ቅበጸት ኰይኑ ቀጸለ፡፡

ኪዳን ኣብቲ ካብ 15-20/02/ 2007 ዝገበሮ ጉባኤ ኣብ መን መርሐ ተማናጪቱ ኣብ ብሎክ ሓደን ክልተን ተባሃሂሉ ተበታተኑ ተዓዝረ።እንተዀነ መሰረታት ውድባትን በርጌሳውያንን ምሁራትን ከኣ ንሓድነት ህዝብናን ልኡላውነት ሃገርናን ንሓደጋ ዘሳጥሕ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ንምግጣም ኪዳን ሓድነቱ ከረጋግጽን ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ክብጻሕን ወከሳን ለበዋታትን ብኹሉ ሸነኻት ቀረበ።ካብዚ ዝነቐለ ከኣ ንኹሉ ክፍልታት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝወርዶ ዘሎ ዝተፈላለየ ግፍዕታትን ውርደትን ወጽዓታትን ፍትሓውን ርትዓውን ደሞክራስያዊ ሕቶታትን ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ተጋድሎ ሰፊሕ ህዝባዊ ተሳትፎ ንምርግጋጽ ሓያል ብድሆታት ከኣ ተኻየደ።ድሕሪ ናይ ነዊሕ ጻዕሪታት ኪዳን ካብ 5-11 ግንቦት 2008 ዓ.ም.ፈ. 13 ውድባትን ስቪካውያን ማሕበረት፡ተዓዘብትን ዝተሳተፍዎ ጉባኤ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ክዕወትን ክረጋገጽን ከኣለ።ብቀጻሊ ኪዳን ካብ ዝሓለፉ ምስንኻላት ተሞኲሩ ካብ 15-27/01/2009 ኣኼባኡ ኣካይዱ ሓንቲ ሽማግለ ንሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ እተሳልጥ መዘዘ።

ብመሰረት ውሳኔ ጉባኤ ኪዳን ካብ 4-8/07/2009 ካብ ሲቪካውያንን ዝተኻፈልዎ ዓውዲ መጽናዕቲ ንሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዜተ ተኻየደ።ኣብቲ ሰዓት’ቲ ካብ መራሕቲ ኪዳን ተጋዳላይ ተወለደ ገብረስላሰን፡ተጋዳላይ ዓብደላ ማሕሙድን፡ ተጋዳላይ በሺርን ይስሃቕን ምስ ገለ ብጾቶም ኮይኖም ንሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ንምዕዋት ጐሽጓሻትን ዎርክ-ሾባትን ክሳብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ኣስያን ሱዳን ሓያል ጻዕሪ ከምዝካየድ ገበሩ።ቀጺሎም ከኣ ካብ 16-23/2010 ንምዕዋት ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ንምክያድ ሓንቲ ኣሳናዲኢት ሽማግለ ንሃገራዊ ዋዕላ ንምግባእ ኣብ ኩሉ ኵርንዓት ዓለም ጽዑቕ ቃልሲ እተካይድ ካብ ሲቪካውያንን፡ምኩራትን፡ ምሁራትን ዝተሓወስዎም ተመርጽት።ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንምዕዋት ሃገራዊ ዋዕላ ሓያል ቃልሲ  ተካይድ እምበር ብተቓወምትን ዝመስላ ቋንቋ ህግዲፍ ዝዛረባን፡ብገለ ሕሱማት ዓንቀፍቲ ዝዀኑ ባእታትን ንምምካን ሃገራዊ ዋዕላ ዘይፈተንዎ መጻወድያን መዳፍንታን ኮታ ኣይነበረን።

እንተዀነ ኣሳናዳኢት ሽማግለ/ኮሚሽን ነቲ ፈታንን ፈንጣሒን መደረኻት ሰንጢቖም ካብ ኩሉ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝተኻፈልዎ በርጌሳውያን ማሕበራት፡ ሃይማኖታውያንን፡ ዓበይቲ ዓድን፡ መንእሰያትን፡ ደቂ ኣንስትዮን፡ ገዳይም ተጋደልትን ነቲ ታሪኻዊ ሃገራዊ ዋዕላ ካብ 31/8-09/08/210 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝጋባእ ምግባሮም ብታሪኽ ዘሕብንን ዘዅርዕን ብምዃኑ በዚ ናይ ሎሚ ኣገጣሚ ኮንፈረንስ ኣቢለ ከይኣስመርኩሉን ረዚን ኣድናቖትን ምስጋናን ከሕልፈሎም ደስ ይብለኒ።እዚ ድማ ወጽኢት ናይ’ቲ ንነዊሕ ዓመታት ከይተተግበረ ተዓኪሹ ዝጸንሐ ጠለብ መሰረታትን በርጌሳውያንን “ሃገራዊ ዋዕላ” ብማኒፈስቶ ካስል 2004 ዓ.ም.ፈ. ዝፍለጥ ዝነበረ ኢዩ፡......ነዚ ድማ ሎሚ ዓይንና በርሀት፡ነጻነት ህዝብና ድማ ቀረበት እናበልና ተመስገን ፈጥሪ ንሃገራዊ ዋዕላ ዘዓወትካና ንብል።....እምበኣረይ ካብ ምዝዛም ሃገራዊ ዋዕላ ሓንቲ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ቆይማ ንሃገራዊ ጕባኤ ኣብ ምስንዳእ ኣትያ ከቢድ ጻዕሪ ከተካይድ ጸኒሓን ትርከብን ኣላ፡እዚ ውን በቲ መከራን ስቅያትን ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጥ ሓያል ኣምላኽ ክዕወት ምዃኑ ይኣምን።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ጕባኤ ኣብዚ ሓጺር ኣዋርሕ ንምክያድ ኮሚሽናራትን ንኡሳን ህዝባውያን ሽማግለታትን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንጡፍ ዝዀነ ስርሓት ኣሳሊጦም ይርከቡ ኣለው፡ስለዚ ሃገራዊ ጉባኤ ወሳኒ ግደ ሒዙ ክወጽእ ዘለኒ ትጽቢት ወሰን የብሉን እሞ ሓደ መሳጋገሪ ግዚያዊ መንግስቲ ኣብ ስደት ክምስረትን ባይቶ ክቐወምንን ይጽበ፡፡እምበኣረይ መጻኢት ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ሰላምን ርግኣትን ዝሰፈና ኰይና፡ ህዝባ ድማ ዝኸብረላን ነጻነቱ ዘስተማቕረላን ክትከውን ይምነ፡፡ስርዓት ህግዲፍ ተፈንፊኑ ኣብ ምዕናዉን ውድቀቱን በጺሑ ኣእጋሩ ኣብ ገምገም መቓብሩ ጠልጠል ኢለን ዝርከበሉ ዘሎ ሰዓት በጺሑ ይርከብ፡ስለዚ ምድላዉ ጥርናፈን ጸጥታትን ከድሊ ምዃኑ ስለዝርኣየኒ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ነዘን ዝስዕባ ሓርፋፍ ርእይቶታይ ንኤርትራዊ ጉባኤ ከሕልፈን ደስ ይብለኒ፦

ሀ. ሓደ ላዕለዋይ መሪሕነት ክህሉ፦
ለ. ሓደ ግንባር ሰራዊት ክህሉ፡-
ሐ. ጥርኑፍ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ምጣነ-ሃብታውን ክህሉ፦

እምበኣረይ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ክንሰርሕ እንተዀና ጠለብ ህዝቢ ክንሰምዕ ይግባእ፡፡ስለዚ ሎሚ ውን ከምቲ ዝሓለፈ ዓመታት ንወርቃዊ ዕድል  ከይተጠቐምናሉ ኣብ መን መርሐን ግርጭትን ከይሓልፍ ምእንቲ፡ ነዚ ጽቡቕ ዕድል ናይ ቃልሲ ክንጥቀመሉን ምስ መድረኽ ክንቃዳደምን ከተሓሳስብ ይደሊ።

ክቡራትን ዕዱማት፡ ስልጣን ሰይጣንን መሳርሕቲ ስለዝዀኑ ወትሩ ተንኰልን ውዲትን ክምህዙ ኢዮም እሞ ወትሩ ጥንቁቓት ክንከውን ይግባእ፡ ምፍራስ ምሕዝነትን፡ምምጻኣ ብሎክ ሓደን ክልተን ኣብ ተሞኵሮና ዘይርሳዕ ታሪኻዊ  ስምብራት ኢዩ፡፡ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ምዕንቃፍን ምርማስን ብዙሓት ተቓወምቲ መሰልትን፡ ኣብ ውሽጢ ተቓወምቲ ዝርከቡ ዘርግትን፡ዓንቀፍትን ብዝተፈለላለየ ምኽንያታት ንስልጣን ናይ ምውናን መሳልል ዝደልዩን፡ ንምፍሻል ሃገራዊ ጕባኤ ጓል ነገር ዝኣርዩን ገና ኣይክሰኣኑን ኢዮም።ስለዚ እቶም ንምንዋሕ ስርዓት ህግዲፍ ዝቀላቐሉ ውድባት ይኹኑ፡ ውልቀ ሰባት ብእዋኑ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምግላጾም ግደ እቶም ብቐረባ ዝምልክትዎም ዘለዉ ንጽሃት ሃገራውያን ተቓለስቲ ኢዩ።ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንዝተጓነፎም ምሕንኳላት ብትረት ክገጥምዎምን ክገልጽዎምን ደጊመ ከተሓሳስብ ይፈቱ።

እምበኣረይ ካብ ሕብረተ-ሰብዊ ቅርሕትታትን፡ ጽልእን፡ ሸለልትነትን ካብ እንታይ ገዲሱኒ ኣእዳወይ ኣጣሚረ ዘይሪኢ ዝብል ሕማቕ ባህርያት ወጺኢና ህጹጽ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ክንገብርን፡ ብናይ ሓባር ቃልሲ መጻኢ ቅሳነት ህዝብና ክንርእን ህጹጽ ስጉምቲ ክንወስድ ይግብኣና። ብግዝያዊ ጥቕምን ስልጣንን ተቐይዶም ንዕምሪ ስርዓት ህግዲፍ ከናውሑ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታትን በደልን ዝፍጽሙ ዘለው ኤርትራውያን ክቑጠቡን፡ ካብቶም ታሪኽ ዝጓሓፎም ዲክታቶራያውያን ከም እንበዓል ኢትለርን፡ መንግስቱን፡ ኢድኣሚን፡ መቡቱን .....ወዘተ  ክምሃሩን ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ደው ክብሉን ደጊመ ኤማሕጽን።

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን፡ እዚ ዝመጽእ ዘሎ ኤርትራዊ ጕባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክብ ዝበለ ትጽቢት ገይሩ ራህዋን ቅሳነትን ክርክብን ክዓስሎን ይጽበ ምህላዉ ክንዝግዕ የብልናን እሞ ሃገራዊ ጕባኤና ሓደን ወሳኒን ናይ ሲኒትን ድሕነትን ራህዋን ዘለዎ ምዕራፍ ሒዙ ክወጽእ ዘለኒ ሃንቀውታን ሃረርታን ወሰን የብሉን።ስለዚ ሃገርና ካብ ስርዓት ቃኤል ሓራ ክትከውንን ነጻነትን ፍትሕን ሰላምን ዝሰፈና ክትከውን ምእንቲ፡ ኩላትና ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብሓባርን ብምሉእ ልብን ካብ ጸቢብ ዝምባሌታት ነጻ ኰና ንቕድሚት ክንርኢን ክንደፍእን ይላቦ።ነቲ ኹሉ ጉዕዞታት ቃልስን ዋዕላን ዝሓገዘ ኣምላኽ ከኣ ምስጋና ይብጻሓዮ፡ከምኡ ድማ እዚ ተመዲቡ ዘሎ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስን ኣፍራዪን ምእንቲ ክኸውን ወትሩ ጸሎትናን ጻዕሪናን ናብ ኣምላኽ ይኹን፡፡ኣምላኽ ንሃገርናን ንጐረባብቲ ሃገራትን ድማ ይባርኽን ሰላምን ቅሳነትን ድማ የውርደልና።
                      
                         ዓወትን ኣሳልጦን ንኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ
                           እግዚኣብሄር ንዓመጽትና የልምሰልና
                                ጽንዓት ንህዝቢ ኤርትራ

                                   ምስ ሰናይ ትምኒት
                                ዶ/ር ኣብርሃም ጳውሎስ
                              ካስል/ጀርመን፡ 06/08/2011

 


 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...