ካልኣይ ክፋል

ኣፈጣጥራ ናይተን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፈረንጂ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ብኻልእ ኣዘራርባ ኣመጻጽኣን ኣፈጣጥራን ዶባተን ከም ዓቢ ገዛ ዝቆርስዎ ቅጫ ቁርሲ ቡን አእጃመን እየን ወሲደን እምበር በዝን በትን ምኽንያት እዚ'ዩ ዝሕሸኒ ኢለን ወሰናተን (ጂኦ ፖሎትከኤን) ዘነጸራ የለዋን። ኣብዚ ናይቲ ኣህዛብ ጠቕሚ ኣብ ግምት ዘየእተወ ምቁርራስ ብዙሓት ስድራ-ቤታት፡ ኣሕዋት፡ ማይ ቤት ኣብ ክልተ ሰለስተ ሃገራት ተገማሚዖም ኢዮም።  በቲ ዝተፈጥረ ጂኦ-ፖሎቲካ ከኣ መንነቶም ተነጺሩ።

ናይ ኤርትራ ጂኦ-ፖሎቲካ መንነት ዕለተ ልደት 30/10/1890 ኢዩ። ስለዚ "ደቀባት" ነዞም ብ1883 ኣብ መራጉዝ ሰራየ ዝተወልዱ ኤርትራዊ መራሒ ኣቦና ደግያት ሓሰን ዓሊ ኤርትራዊ ኣይኮኑን ክትብልዎም!! "ደቀባት" ኣበየናይ ዘመን ኢኹም ትነብሩ ዘለኹም? በየነይቲ ኤርትራ ኢኹም ከ ትዛረቡ ዘለኹም? እቲ ንኤርትራ ከዋኽብቲ፡ ጸሓይ፡ ወርሒ ኦክስጅን ጼርኩም ዘንጠብኩማ ዘመን መዓስ ኢዩ። ብዛዕባ ነፍስኹም ካበይ ከምዝመጻእኩም ዘይትዛረቡኸ ንምንታይ ኢኹም? ዶስ ንጎቦ እምባሰይራ፡ ንሓርማዝ ጋሽ ቀዲምኩም ዝሰፈርኩም ኢኹም!!

*ምድሪ ኣፍሪቃ ክቆራረስ እንከሎ ደንካልያ ምስ ጁቡቲ፡ ትግራይ ምስ ኤርትራ፡ ጋሽ ምስ ኢትዮጵያ ….ወዘተ ተገሚዑ እንተዝነብር ሕጂ ኤርትራውያን እንብሎም ዘለና ደቂ ጁቡቲ፡ ሕጂ ኢትዮጵያውያን ዝባሃሉ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ሕጂ ኤርትራውያን እንብሎም ዘለና ኢትዮጵያውያን … ወዘተ ምተባህሉ።

*ኩቡር ኣንባቢ ኣይትሓዘለይ ኢኻ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ዝኾነ ኤርትራዊ ዝኾነ ጸሓፊ ከበርክቶን ከተኩረሉን ዝግባእ ጉዳይ ከም ምልኪ ኣፋንዩ ምልኪ ከየእቱ መሰረት ሓድነት ህዝቢ እንታይ ኢዩ፡ ተኸባቢርካ ምንባር ብኸመይ ይረጋገጽ ዝብሉን ዝኣመሰሉን ሓፈሻዊ ጽሑፋት ምቕራብ ምዃኑ ይርዳኣኒ ኢዩ።

ብወገነይ ድሕሪ'ቲ ንሓሰን መ.ዓሊ ዝተባህለ ባእታ (መርበብ ሓበሬታ መስከረም ዓረብኛ) ዝመለስኩሉ ንጉዳይ ጀበርቲ ዝምልከት ጽሑፍ፡ ገና ካልእ መልስታት ምሃብ ዝጽበየኒ ዘሎ ይመስለኒ ኣይነበረን። ስለዚ ኢየ ኸኣ "መደያይቦ ምልኪ" ዘርእስቱ ሓተታታት ሓዘል መጽሓፍ ኣብ ምቕርራብ ከምዘለኹ ዝሓበርኹ። ዝኾነ ኾይኑ ነቲ መድረኻዊ ዝበልኩዎ ጉዳያት ቀዳምነት ኣትሒዞም ዝጽሕፉ ብዙሓት ብቑዓት ኤርትራውያን ከምዘለዉ ብምትእምማን ብወገነይ ግን ክሳብ እቶም ወገናውያን ብጠንቁ ዘይተፈልጠ ሕማሞም ኣብ ልዕሊ ጀበርቲ ዘለዎም ጽልኢ ደው ዘየበሉ ምምካቶም  ንባዕሉ ኢሉ ኢሉ ንኤርትራ ዘርብሕ ኮይኑ ንዓይ ከኣ ናይ መንነት ጉዳይ ኢዩ። ንንእሽተይ ስድርኡ ኼር ዘይብሉ ነታ ዓባይ ስድርኡ (ሃገሩ) ኼር ክህልዎ ኻኣ ዘይተባህለ ኢዩ። ንወገኑ ኣሕሊፉ ዝህብ ከኣ ንሃገሩ ኣሕሊፉ ኣይህብን ማለት ኣይኮነን።

ኣብ ጉዳይና ክንምለስ፡

ብ1890 ወኪል ኑጉስ ጥልያን ኣመሓዳዳሪ ግዝኣት ኤርትራ ጋንዶልፊ (GANDOLFI) ካብ ዓዲ ጥልያን ካብ ኑጉስ ጥልያን ዝተላእከሉ ህዝቢ ናይዛ ግዝኣት እዚኣ መንነት ኤርትራውነት ከነጽር በቲ በብቢሄሩ ተወኪሉ ዝመጸ ህዝቢ ነዚ ዝስዕብ ኣዋጅ ኣንበበሎም፡

1. ተኣኪብኩም ዘለኹም ወከልቲ ብሄራት ዝተዋሃበኩም ውክልና ህዝቢ ኣብ ሓንቲ ሃገር ጥሙር ህዝቢ ዘብቃዓኩም ኣብ በባህለ ልምድኹም ዘንብረኩም ጠማሪ ሕጊ እንዳቦኹም ኣኽቢርኩም ተኸባቢርኩም ዘፍቅር፡ ዘማኽር፡ ዘማዕብል፡ ዘየነጻጽል፡ ዘየመናጥል፡ ዘየዘናጥል ኣብ ክብሪ ተኸባበሪ ዋሕስነት ንኹሉኹም ዘዕግብ ፍታሕ ክትገብሩ፡

2. ውሻጠ እንዳኹም (ብሄርኩም) ብሕገ እንዳቦኹም ዝተኸብረ ዘነባብር ኣኽቢርኩም ተኸባቢርኩም ፍታሕ ብሄርኩም መሰሉ ኣብ ዝጣሓሰሉ ሃገራዊ ሕገ ቕዋም ተሰማሚዕኩም ተዓጋጊብኩም ከተኽብሩ ውሕስነት ዘረጋግጽ ትገብሩ፡

3. እተፈላለኹም ብሄራትን ስድራ-ቤትን ስለ ዝኾንኩም ውሽጣዊ ሕግታትኩም ይኹን ባህለ ልምድኹም ቋንቋ መላዘቢኹም ዝተፈላለየ ክኸውን ስለዝኽእል ንኹሉኹም እዞም ብሄራት ዓድታት ሃገር ኴንኩም ኣብ ሓደ ዓውዲ ተጽልሉ ዘለኹም ከሰማምዕን ከረዳድእን ዝበቅዕ ቋንቋ ክትእውጁ፡

4. ናይ ኩለን ብሄራት ጠርናፊ ምስለኔ ምሳና ምስ ገዛእትኹም ብስምኩም ወኪሉ ዝራኸበና ዝላዘበና ብዘይምጉንናጽ ምስለኔኹም ትመርጹ፡ ኢሉ መምርሒ ኣዋጅ ምስ ሃበ መኺሮም ተላዚቦም ክመጹ ቆጸራ ሂቡ ኣፋነዎም።

ብመሰረት ቆጸሮኦም ከኣ ብዕለት 30 ጥቅምቲ 1890 ኣብ ዋና ምምሕዳር ኤርትራ ከተማ ከረን ተራኺቦም። እቲ ዝተደልየ ፈጸሙ።

ኦ! "ደቀባት" ኣብዚ ዝተጥቅሰ ዕለትን ቦታን ንከበሳ ኤርትራ (ንደቂ-ሓማትጽዮን) ወኪሎም ዝተረኽቡን ዝፈረሙን መነመን ምዃኖም ትፈልጡ ዶ?

ዓይንኹም ዓምቱ!!

1. ደጊያት ኣስበሮም ኣቡኦም ነቦና ሃገራዊ ሓርበኛ ራስ ተሰማ ኣስበሮም (በዓል ማዕረባ)፡ ንኣግኣዝያን ወኪሎም፡
ዓይንኹም ዓምቱ!!!!

2. ነገድራስ ብርሃኑ ሓጎስ (ሽም ከየዓሽወኩም) ኣባሓጎኦም ነቦና ሃገራዊ ሓርበኛ ቀኛዝማች ብርሃኑ ኣሕመዲን (ኣቡኡ ንተጋዳላይ ዶክቶር ዩሱፍ ብርሃኑ) በዓል ደቂ ሽሓይ ዓንሰባ፡ ንጀበርቲ ወኪሎም፡

ኢሂ "ደቀባት"!

ብሄርነት ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ምንጻር ዝተኻፈሉን ዝፈረሙን ለጋስ ኣቦና፡ ንድኻታት መንበሪ ገዛውቲ ኣብ ማእከል ኣስመራ ብምዕዳል (ኣብቲ ብርሃኑ ዝሃበና ገዛ ኢና ንነብር ዘለና) ብዝብል መሐበሪ ቃል ስጋብ ሕጂ ሓወልቲ ኾይኑ ብሽሞም ዝጽዋዕ ዘሎ ነባር ዞና "ገዛ ብርሃኑ" ኣስመራ ዝመስረቱ ምስ ዓበይቲ ኤርትራውያን ኮይኖም ቋንቋን ህዝብን ኤርትራ እንታይን መንን ምዃኖም ዘረጋገጹ፤ ብ1821 ኣብ ደቂ ሸሓይ ሓማሴን ዝተወልዱ ሰብኣይሲ… 

"ዓሊ ሰይድ ንሕና ዜግነት እምበር ብሔርነት ኣይንህብን ኢና፡ ንትግራይ ኬድኩም ካብ ኢትዮጵያ ብሔርነት ሕተቱ" ኢልዎም!! ዘረብኡ (ዘረባ ዓሊ) ብዙሕ ስለዘሐጎሰኩም “ምኽሪ” “ዘይርሳዕ” “ታሪኻዊ” ኢልኩም ካኣ ኣመስጊንኩም!! ይርኣየልኩም።

ኩቡር ኣንባቢ ነዚ ዝምልከት ጽሑፍ “ደቀባት” ቃል ብቓሉ እነሆ፡

“… ከመዮ ወጻኢ ጉዳይ ነበር ንፍስሄር ዓሊ ሰይድ ኣብ ግዜ ረፈረንደም ኤርትራ ዝበሎ፡መንግስቲ ኤርትራ ዜግነት ትዕድል እምበር ብሔርነት ግን ኣይትዕድልን ኢያ፡ ብሔር ኢና ካብ በሉኩም ግን ኣብ ትግራይ ከድኩም ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሔር እንተሓተትኩም ይሓይሽ። ኢሉ ምኽሩ ከምዝለገሰሎም ዘይርሳዕታሪኽ ኢዩ።…………”

“ደቀባት”! ላ ዓሊ ወላ ሰይድ ወላ (….……) ፕረዚደንቲ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ “ጀበርቲ” ሓደ ካብ ብሄራት ኤርትራ “ኢዮም” እንተዝብሉ ነይሮም ሰምዔን ወ ጣዓን (ሰማዕትን ተኣዘዝትን) ኢና ምበልኩም፡ ዘባሁሉኹም ከኣ ኣይምተሳእኑን።

ኩቡራት ኤርትራውያን፡

ንዘረባ ዘረባ የምጸኦ እንድዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዶክቶር በረኸት ንናይ ኤርትራ ቁዋም (ሕገ መንግስቲ) ምድላው ኣቦ መንበር ዝነበረ ኣብ ሬድዮ ኤረና ቀሪቡ ብዛዕባ’ቲ ንድፊ ሹዑ ዘየጽደቕኩሞ (ዘይቐረብኩም) ዘይገበርኩሞ ሕጂ ክኸውን ዝነበሮ ኢልካ እትርእዮ ጉዳይ እንታይ ኣሎ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ካብቲ ሓደ ዝበሎ ናይ ኤርትራ ዕላዊ ቛንቛታት ዓረብኛን ትግርኛን ኢልና ዘይምስፋርና ክብል መሊሱ።

ግርም ክብለኩም እዚ ሙሁራትና ዶንግዮም ዝተረድእዎ ዓብይን ኣገዳስን ጉዳይ (ዓረብኛን ትግርኛን) ቅድሚ 121 ዓመት በዓል ኣቦና ደግያት ኣስበሮም ነገድራስ ብርሃኑ ሓጎስ ከምዝጸድቕ ገይሮም ነይሮም። (ንድሕሪት ከም ሽንቲ ገመል)። ዶክቶር በረኸት ምስቲ ዝቐደመ መልሱ ኣተሓሒዙ ገለ ካብ ውሽጢ’ታ ሽማግለ ትግርኛን ዓረብኛን ቛንቛ ኤርትራ ክኾና ርእይቶኦም ዘቕረቡ ወይ ዝጻዓሩ ነይሮም ይብል። ኣስማት ኣይቖረሐን ግን በዓል ዶክቶር ጣሃ መሓመድ ኑር ምዃኖም ርዱእ ኢዩ። ካብ ቤት-ትምህርቲ እንደርያስ ብርሃኑን ደግያት ኣስበሮምን ስለ ዝኾኑ’ዩ ስለዚ ኢዩ ኻኣ እናተጋደለ ዝተሰወአ።

ሓደ ሓደ ጊዜ ኣብ ኣእሙረይ ሓደ ካሪካቶር ይስእል’ሞ  ናይ ምስኣል ክእለት እንተዝነብረንስ ካብ 10 ገጻት ጽሕፍ ምውዓል ኣብ ሓንቲ ገጽ መልእኽተይ መተሓላለፍኩ ኢለ የስተማስል። እዚ ስራሕ’ዚ ብኽልተ ሰባት ማለት ሓደ ሓሳብ ዘቕርብ እቲ ኻልኣይ ካኣ ዝስእል ብምዃን’ውን ይፍጸም ኢዩ። እዚ ዕድል’ዚ እውን ኣብ ህይወተይ ሓደ ጊዜ ጥራይ ኢዩ ኣጋጢሙኒ። ንሱ ኸኣ ኣብ ኮረኮን ኣብ ዝነበርናሉ እዋን ንሜዳ ክንምለስ ናይ ተሓኤ ቀጻልነት ከነረጋግጽ መደብ ዝነበረና ብዙሓት ኢና። ልክዕ’ዩ መሪሕነት ጀብሃ ማእከልነቱ ለሚሱ’ዮ ነይሩ ግን በቲ ኣብ ጀብሃ ዝነበረ ናይ ነጻ ኮንካ ምሕሳብ ምስ ዝረዳዳኣካ ሰብ ምምኻር፡ ምምይያጥ …ወዘተ መሰላት ዝፈጠሮ ጸጋ ተዓሚትካ እትመርጾም ካድራት ኣብ ሓጺር ጊዜ ጥርኑፍ ምንቅስቓስ ንኽፍጠሩ ኣየጸግመሙን ኢዩ። እዚ ንሕማቕ ወይ ንጽቡቕ ከትጥቀመሉ እትኽእል ደሞክራሲያዊ ሃዋሁው ተሓኤ ተጠቂምና ናይ ንሜዳ ምምላስ ሓሳብና ዘዕውት እስትራተጂ ምውጻእ ጊዜ ኣይወሰደን። ኣብ ሓደ ሓጺር ግዜ ከምቲ ጀብሃ ንህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ዶብ ሱዳን ኣብጺሓታ ንሜዳ ዝተመልሰት ክንምለስ ኮታ ታሪኽ ክድገም እንከሎ ተራእዩና። ግን እቲ ዕንቅፋት ብዘይ ተጸበናዮ ኣቕጣጫ እናመጸኤ ይጻባኣና ነይሩ።

ንሱ ኸኣ ገሊኦም ብኣፎም ንድሕነት ጀብሃ እናተዛረቡ ናብ ሻዕብያ ክኸዱ ሻንጥኦም ኣብ ምጥርናፍ ዝነበሩ፡ ገሊኦም ከኣ ዝሓሰቡ ሓሲቦም ነቲ ምምላስ ዘይቃወሙ ክንሶም ፍልይ ኢሎም ብመንገዶም ዝደልይዎ ዝነበሩ ኢዮም። ሽዑ ነዚ ኹሉ ኣብ ሓንቲ ስእሊ ገይረ ነዚ ኩነታት ክገልጾ ዮውሃንስ ዝባሃል ተጋዳላይ እንተዘይተጋግየ ኣባል ማሕበር መንእሰያት ኢዩ ናይ ስእሊ ክእለት ኣለዎ ሰሚዔ እኸዶ፡ እንታይ ክስእለልካ ትደሊ ይብለኒ፡

ሓንቲ ተጋደልቲ ዝጻዓነት ናይ ጽዕነት መኪና እናተበገሰት እንከላ ሓደ ንኸይትኸይድ ታኮ እናወተፈላ ከብቅዕ ኣፉ ክሳብ ዝጭደድ ዓው ኢሉ “ብጾት እንድያሞ (ንኺድ)” እናበለ ዝጭድር፡ ብድሕሪ’ታ መኪና ኻኣ ኻልእ ንገለ ካብቶም ተጻዒኖም ንኽምርሹ ዝተዳለዉ ተጋደልቲ “ምስ ዘይመካይድና ኢኹም ትኸዱ ዘለኹም” እናበለ ጎቲቱ ከውርዶም እንከሎ!! ኣይደንጎየን ነታ ኣብ ርእሰይ ዝነበረት ስእሊ ብዘይ ገለ ጎደል ኣብ ወረቐት ክርእያ ኣኽኣለኒ። ኣብ ዘለዎ ድሓን ይሃሉ።

ሕጂ ከኣ ድሕሪ 30 ዓመት እቲ ዕድል ተደጊሙ ሓደ ካብ ኣንበብቲ “ኣነ ኣለኹኻ” ኢሉ ነዛ ኣብ ርእሰይ ዘላ ካሪካቶር ዝስእለለይ እሓትት?

ኣሰር ናይ ታሪኽ ንምርካብ ዝግበር ናይ ሙኽዓት ስራሕ ድሕሪ ብዙሕ ኣማኢት ወይ’ውን ኣሽሓት ዓመታት ኢዩ ዝፍጸም።  ኣብ ኤርትራ ግን ኣብ ዘይግባእ ኣዝዩ ሓጺር ዓመታት ኣጓኒፉ! ስለዚ ኢዩ ኸኣ መብዝሕትኡ ኣሰራት ኣብ ኣዝዩ ዓሚቕ ዘይኮነ ከም ዝርከብ ግምት ተገይርሉ ዘሎ።

እታ ትድለ ዘላ ስእሊ፡

ሓደ ወዲ ሰብዓ ዓመት ኣቢሎም ኣብ ኢዶም ሞኽዓቲ ኣብ ጥቆኦም ባዴላ እስኮባ ፉርሻ መንገፊ ከምኡ ኸኣ ካብቲ ድሮ ፍሒሮም ኣብ ቀረባ ዝረኸብዎ ኣሰር ኣብ ላስቲግ ተዓሽጉ ገለ ካብኡ ንቕርብ ኢሉ ዝራኣዮ (ጎደና ፊተውራሪ ዓሊ በኺት) ዝብል ኮይኑ፡ እቶም ዝፍሕሩ ዘለዉ ሽማግሌ ንዓይኖም ክከላኸሉ ገፊሕ መነጸር ለቢሶም ንምልላዮም ስለ ዘሸግር ንምልላዮም ኣብ ዝጥዕም ዝበልካዮ ቦታ ኣቶ ግርማይ ኪዳነ ኢልካ ጸሓፍ።
ይቕጽል……

ብቐትሩ ዓይንኹም ኣዔሚትኩም
ኣብ ጸላም ክትነብሩ ትኽእሉ ኢኹም
ጸሓይ የላን ኢልኩም ከተእሙኑና ግን ፍጹም ዘበት ኢዩ።

“ኼር ዘለዎ ሮሞዳን ይግበረልና”

ኣወልኼር ዓብዱልሓፊዝ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...