ኤርትራዊ ንሃገሩ እቲ’ምሰሉ ንመንበሩ ተቓሊሱ (ሻምናይ ክፋል)

ኤርትራ ክንሳ ናይ ኩላትና
ናይ ሳሕል ዲክታተር በይኑ ምስ ወነና፡

ኣባጽሓ ኩሎም ረኺቦም መከራ
ንዓመታት ተፈልዮም ካብ ስድራ፡

ኣይትምህርቲ ስራሕ ካብ ወጽዓ ናብ ወጽዓ
ዕድሚኦም ሓሊፉ ከይወለዱ ቆልዓ
ክሕልዉ ንዲክታተር ስርዓት ኮይኖም ደቀርብዓ
ብናቶም ናፍቖት ኣቦ’ደ ነቢዓ
ኣብ ዘመን ኣምሰሉ ፍትሒ የልቦን መንዩ’ሞ ክሰምዓ፡

ከይልቀቑ ታዕሊሞም ወዲኦም
ዶባት ክሕልዉ ተፈሪዶም
መዕለቢ ዘይብሉ ንሙሉእ ዕድሚኦም
ንዋዒ ናይ ጸሓይ ባህርያዊ ጸገም
ንጥምየት ንጽምኢ ንዕርቃን ንድኻም
ብትብዓት ብሓቦ ተጻዊሮም
ንሱ ከይኣኽሎም
ኣብ ብሻ ወዘተ … ተዋፊሮም፡

ብስራሕ ጊላነት ንዘይብሉ ተስፋ
ላዕልን ታሕትን ክብሉ ትንፋሶም ሓሊፋ
ካብ ምሳሕ ካብ ድራር ዘይሓልፋ
ዓስቢ ባርነቶም ይዋሃቦም ናቕፋ፡

እቶም ኩሎም ዋርሳይ ሃገሮም ዘውሓሱ
ድሕሪ ክንደይ እዋን ፍቓድ ተዋሂብዎም እንተገሹ
ኣብ ገዛ ትጸንሖም እታ’ደ ሓሚማ ኣቦ ተረሚሱ
ብምኽኑይ ጸገሞም ደንጉዮም ምስ ተመልሱ
ኮብሊልካ ብዝብል ይውቀሱ
ብሕማቕ ማእሰርቲ ይቕጽዑ ኣብ ከም ትሕቲ መሬት ዋዒ ይጥበሱ
ገሊኦም ይሞቱ ገሊኦም ይለምሱ፡

መዳሕንቶም ዝተቐብራ ሃገር እዛ ዘይትቕበጽ
ስርዓት ኢሳይያስ ብህዝቢ ዘላግጽ
ምስ ኮነቶም ዘይትንበር ዘይትርገጽ ረመጽ
ከይፈተዉ ገዲፎማ ይብሉ ነፊጾም ሃጽ፡

ኣብ ምህዳም’ውን ኣሎ ዓወት ወይ ሞት
ደው በል! ተባሂሎም ክጎዩ ንቕድሚት
ሽዑ ይርሸኑ ብዘይምሕር ጥይት፡

ንናቶም ወለዲ ኣብ ገዛ ዘይብሎም ምሳሕ ድራር
ሓገዝ ሰብ ዝደልዩ ዝብሉ ውዕል ሕድር
መስዋእቶምሲ ይትረፍ ሞቶም’ውን ነይንገር
ከም ኣራዊት ሬስኦም ይስንዶ ኣብ ፈቖዶ መሮር፡

መንእሰይ ኣብ ምብራስ በዚ ዝኽተሎ
ስርዓት ኢሳይያስ ኤርትራዊ እዩ ንኽትብሎ
ኣብ መጻኢ እዋን ጌና ዘይተጋህደ ሰፊሕ ሓተታ’ሎ።

ሃረርታ ፍትሕን ሓቅን ዲሞክራስን ዘለዎ ኤርትራዊ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...