ኣታ ቀልጡፉናንዶ!
ኣታ ቀልጡፉናንዶ!
ኣታ ቀልጥፉናንዶ ተለዓሉ!
ኣድሕኑና ካብ ተዃሉ!
ሰሚዕና ጅግንነት ወዲ ዓሊ ተግባሩ
ፎርቶ ደይቡ ሓርነት ምብሳሩ
‘እሱራት ይፈትሑ!
ቅዋም ይተግበር!’ ኢሉ
ኩሉ ሰሚዑዎ’ቲ ጽቡቕ ፋሉ
ተቐቢሉዎ ህዝቢ ኣብ ዘዘለዎ ኮይኑ
ተስፋ ሓርነት ሰኒቑ ተሓቢኑ
ርእሱ ከቕንዕ ጀሚሩ
ክቕንጠጥ ዝጀመረ መሲሉዎ ስቓይ ጾሩ
ህዝብና ከይነብር ንሰማይ ኣንቃዕሪሩ
ኾልዑዎ ጅግንነት ወዲ ዓሊ ተግባሩ
ወዲ ዓሊ ኹኑ ወይ ወዲ ዓሊ ፍጠሩ
ቀልጥፉና ተለዓሉ
ኣዋጅ ወዲ ዓሊ ምልእ ክተብሉ
ክተድሕኑና ክይጸነትና ብተዃሉ
ምስሉ ተኪኤ