ሓሰውቲ ጉጅለ ብዓል ሶፍያ
ግ.ስሞሮም ዕባይ ኢትዮጵያ
ዎሽላኽ ኤምባሲ ወደ ርኣያ
ዶ.ጊደኦን ምሁር ናይ ጽርግያ
ዓሊ ዝኸተቦም ብዘይ ማሃያ
ዓሊስ ጥሒሉ ኣብ ዳስ ሓውያ

ሸያጥ ሕልኑኡ ዶቶር ጊዲኦን
ሰነፍ ምሁር ንሃገሩ ዘይከውን
ዲግሪ ተጸዓነ መሊሱ ዝዕውን
ጻዕሩ ንኮንቱ ዘደንግጽ ዘሕዝን

ዓልን ግርማን እዮም መንሽሮና
ዓሊ እዩ ምንጪ ናይ ጥፍኣትና
ብሰንኩ ተባሪሮም መንእሰያትና
ንሱ ምስ ከደልና ጥዑም ሰሚዕና

ብብርኩ የተንፍስ ይብል ዝነበረ
ብዙሕ ግዜ ብጎይትኡ ዝተጃህረ
ወይዚ ሃዳሚ ጀጃዊፉቱሕ ስረ
ሓቂ ጠምዚዙ ኣሉ ዝብል ዝነበረ
ድሕሪኡኸ ክፍሊ ዜና ታዩ ክውረ?

ዓሊ ዓ. ናይ ሓሶት መሃንድስ
ምስ ገበንካ ኣበይ ከይትድቅስ
በደልካ ምስ ሰብ ስለ ዘየሕወስ
ይቕረ ሕተት ክትሓዊ ክትፍወስ

ሓቂ ተዛረብ ብሰብ ክትከብር
ጣዕሳኻ ኣርኢ ምስጢር ሓብር
ተጋለጽ ናብ ወሎዶኻ ከይሰግር
ታሪኽካ ኣዐሪ ንድሕረኻ ዝነብር
ደቅኻ ብሰላም ክነብሩ ኣብሃገር

ብዙሕ ኣሎ ንስኻ ሓላፍነቱ
ጉድካ ተቓሊዑ በብማዓልቱ
ሕማምካ ዝለገቦ ወዲ ገራህቱ
ብሓሶት ዓዊሩ እዝኑ ተለኺቱ

ይኣኽለካ በሎ ክቕንስ ሓሶቱ
ብዘስካሕክሕ ቅትለት ናጸነቱ
ሃገር ምሉእ ዝወሓዘ ንብዓቱ
ይቕረ በለሎም ምሳና ክትኣቱ

ብደም ዝተጠላቐዩ ተበሉ ጉያ
መን ክሰዶም ኩላ ተለልያ እያ
ፍርዶም ቀሪቡ ህግደፍ ማፍያ
ገባር ክፉእ መዓልትኻ ኣኺላያ

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...