እሳ ሽኮር ሰላም ይኹና
She Sugar Peace Be upon Her

እሳ ሽኮር ሰላም ይኹና
እሳ መዓር ዘይብላ መዘና
እሳ ምቅርቲ ፍልይቲ መኣዛና
እሳ ጓል ሰብ ሓበንና።

እሳ ሽኮር ዓባይ ጓል
እሳ ሽኮር ሓላል
እሳ መሻርኽቲ ጽላል
መካፍልቲ ኣብ ሓዘን ኣብ በዓል።

እሳ ድራር ለባም
ምስኣ ዘየለ ጸገም
እሳ ቀያሕ ለምለም
እሳ ዓጽመ ስጋ ደም።

እሳ እምንቲ ብኹሉ
እሳ ሓብሓቢት ትግደስ ንኹሉ
እሳ ሽኮር ዕረ ጎሓላሉ
እሳ ቀመም ዘይማፍያ ጎሓላሉ።

እሳ ቀመም ዘይተበላጺት
ዘይማፍያ ተንኮለኛ ገናሒት
ንኹሉ ማዕረ ትርኢ መዓዲት
ንኹሉ ብማዕረ ኣመቃሪት።

እሳ ፈሪሃ ጎይታ ዘለዋ
ኩሎም ወገናት ዝደልዩዋ
ዘይትርዕድ ኣብ ኩሉ ዘይትስእኑዋ
መቓሊት ልቢ ኩሎም ዝብህጉዋ።

እሳ ሽኮር ሰላም ይኹና
እሳ መዓር ዘይብላ መዘና
እሳ ሽኮር ፍልይቲ መኣዛና
እሳ ጓል ሰብ ሓበንና።
 
Maazin Abdul Qhany 
19-Sept.-‘11

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...