ኤርትራ ብባዕዳውያን ተዳሂኽኪ
ሎሚ ኸኣ ደግሲ ብውላድኪ
ኢሰያስ ምስ ጭፍራኡ ሓመድ ኣስሒኑኪ

ዓመት መጸ ማሕጎማ  ቀያይሩ ማጽዩኪ
ደምኪ ወዲኡ ተሳጊሩ ናብ ኣንጉዕኪ
ኣንጉዕ ኣይርከብን ከይተሰበረ መሓውርኪ

እንታይ ተርፉዎ ተፋሒቑ ብርኪ
ረይረይ ትብሊ ኣሎኺ መድሕን ስኢንኪ 

ቀንፈዘው በዚሑ ዓገብ ረኺበ
መን ኣሎሞ ብደመይ ዘይተሓጸበ
ጠላም በዚሑ ሕልናኡ ዘዕረበ
ይኣክል በልዎም ዝኸፍኤ ከየርከበ 

ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ፧ ኣሓ ከም መራሒተን  ክበሃል ከሎ፡ ውሑዳት ሰባት ንሕስያ ዘይብሎም ኣብ ልዕሊ ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ብስቅያት እናተሰሓገ ከሎ ንበሃሎ ዘይብሉ፡ ገለ ብኽሳዱ ሓኒቖም ክዕፍርዎ ከለዉ፡ ገለ ከኣ ብስሙ ኣብ ስግር ሰፊሮም ከሽካዕልሉሉ  ከለዉሞ እቲ ሓመድ ሓፋሽ ደድሕረኦም እናሰዓበ ከም ድልየቶም ኣራግጽ ከንጠቕጥቕዎ ከለዉ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ክልካዕ ከሎ  እዩ።

ቅድም ቀዳድም ንደራሳይ ኣለምሰገድ ተስፋይ ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላ ትብል መጽሓፍ ምስ ሰነዳታ ዝጸሓፈ ምሉእ ምስግንታ ይብጸሓዮ። መጽሓፍ ክቡር ደራሳይ ብጽሞና ዘንበበሞ ንነብሱ ክቕሽሽ ዘይደለየ ኩሉ እቲ ሕማቕ ዘይምርድዳእ ውርሻ ታሪኽ ኣርበዓታት ይድገም ምህላዉ ቁልጭ ኣቢሉ የረድኣካ። ኻልእስ ይትረፍ እቶም ኩሉ ኤርትራዊ መጽረይ ኣፉ ዝግብሮም ኣቦ ኮታ ንነጻነት ኤርትራ መሪሕ ግደ ተጻዊቶም ተባሂሉ ዝጽወየሎም ኣብራሂም ስልጣን ከይተረፉ ንተድላ ንምጥቃዕ ምስ ሰዓብቶም  ንኣዲስ ኣበባ ከይዶም ናብ ጃንሆይ ኢድ ከም ዝነስኡ ብሰነድ ተወሪቑ ይርከብ።

 ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ፧ ንዝሓለፉ ንምኽሳስ ዘይኮነስ  ዛጊት ዝሓለፈ ተመኩሮ ብብቕዓት ክግምገም ብዘይምኽኣሉ ነዚ ሎሚ ዘድበንብን ዘሎ ኣስጋኢ ኩነታት ክንሳጣሕ ተደሪኽና ንርከብ። ብቒምን ቅርሕንት ዝተጠጀኤ ፖለቲካ ውጽኢቱ ህልቀትን ዕንወትን እንተዘይኮይኑ ፋይዳ የብሉን። ካብዚ ዘንጃብብ ዘሎ ሓደጋ ንምድሓን ልቦናና ፈቲሽና ከነስቆርቁር ይግባእ። ብሰንኪ ምጉጅጃል ዝፈሰሰ ደም ዛጊት ምርጋእ ኣቕቢጹ ጌና ቀጻሊ ይነዝዕ ምህላዉ፡ ብምንም ተኣምር ክስወር ዘይከኣል  ኣብ ቃልዕ ዝዛረብ ዘሎ ክውንነት እዩ። ነዚ ሓቂዚ ከይዘለልና ናብ ዝኸፍኤ ሰልሚ ደም ጥራሕ ኣይኮነን ዘምርሕ ዘሎ ዕጫ ህዝቢ ኤርትራ፡ እንታይ ደኣ ንዝብል ለባም ናብ ዘይምህላው ዘሰጋግር ይነፍስ ምህላዉ ክንዝንግዕ ኣይግባእን።    


ገብረሂወት ወልደሚካኤል
2011 09 13  ስቶክሆልም

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...