ዒራዕሮ
ዒራዕሮ
ሙኸንኪ’ምበሪ መከላኸሊ ዕርዲ
መድሓንክያ ሃገር ካብ ወራር ጸላኢ
ከመይ’ከ ጨከንኪ ጀጋኑ ከተሕቕቒ
መሐየሪ ክትኮኒ ንዘበሉ ፍትሒ
ነቶም ጋዜጠኛታት ዘናደዩ ሓቂ
እቶም ተባዓት ዝጠለቡ ለውጢ
ከይቅጽል ዝተሰከፉ ዝቐነየ ግፍዒ
ከይንስሕት ዝሰግኡ ነቲ ሓዲድ ዕርቂ
መልስሉ ሕጂ’ስ ይኣክል’ቲ ክፋእ
ደሃይኪ ኣስምዒ ዘስምዕ ንሰላም
ሸለል ኣይትበሊ ኣስተብህልሉ’ቲ ዒሚም
ዕጭለይ በሊዮ ነቲ ጨካን ስርዓት
ኣሕዋቱ ዝበልዕ ንስለ ስልጣን
ብደቁ ዝዕንገል ከም ድሙ ኣብ ውሻጠ
ንዓኺ ከሕጢ ብዙሕ ዝተሃንደደ
ብደም ዘጨማለቐኪ ታሪኽኪ ደምሲሱ
ሽምኪ ኣጠቂኑ ኣብ ሽርሒ ወዚዑ
ይኣክል በሊ’ባ ስምዕና ዒራዕሮ
ወይስ ዓጂቡኪ ውድድር ምስ ዓዲ ኣቤቶ
ኣነ እሓስም ኣነ እሓስም ንምጉባት ጭካነ
ከተልሕግያ ንዊዓ ኣብ ጌጋ መኸተ
ንምሕቓቕ ፍትሒ ዝተጠልበ ብደቂ ኤረ
ንዒ ድኣ ኣይፋልክን ይኣክል’ቲ ዓሰርተ
ፍትሕዮም ባዕልኺ በንጥስዮ ሰንሰለት
ይቕረ ክንበሃሃል ከይሓለፈ ዓቐን
ቂም ከይዕምርር ሓድነት ዘብርስ
ዝሓለፈ ሕሉፍ ነማዕዱ ንቕድሚት
እምበር ገባሪ ኽፉእ ኣበይ’ከ ከይድቅስ
ንዕዑ ኣሊና ንቕድሚት ንገስግስ
ዝተኸሎ ጽልኢ ካብ ሱሩ ቦንቂርና
ንባህ ኣይበሎ ንተሓቛቐፍ ንሕና
ስብሃት ገ
መስከረም 13, 2011