ሽኮር ክፈት
OPEN SUGAR افتح سكر 

ሽኮር ባብካ ክፈት
ክንኣቱ ገዛና ንቤት
ክንራኸብ ምስ ስድራቤት
ክንዛተ ብዛዕባ ህይወት
ክንዛተ ብዛዕባ መሬት።

ሽኮር ክፈት ሰለ ናጽነት
ስለ ናይ ሓባር ቃልስታት
ስለ ናይ ሓባር መስዋእትታት
ስለ ናይ ሓባር ጻዕርታት።

ሽኮር ክፈት ንማዕርነት
ኣብ ሃላይ ጎልጎል ኣይኮነን
እቲ ናይ ብሄራት ራድዮ፡
እምበር ኣብ ጥዑይ ስቱድዮ
ክፈተልና ኣብ ቲቪ ንርኣዮ
ኩነታት ህዝብና ክንርእዮ
ኩነታት ብሄራትና ክንርእዮ
ኩነታት ሃገርና ክንርድኦ።

ሽኮር ክፈት ንቕሳነት
ብሓደ ክንግስግስ ን ዒብየት
ከይተናፋፈግና ከይተራሓሓቕና
ናዐቢ ከይተጻላእና ብፍትወት።

ሽኮር ክፈት ንጥዕና
ብድሆ ኢልና ክሓዊ ሕማምና
ሽኮር ክፈት ኣንጻር ድንቁርና
መሃይምነት ክጠፍእ ካብ ሃገርና
ሽኮር ባብካ ክፈትተልና
ሰሪሓና ክንነብር ናብራና
ሰሪሕና ክንዕንግል ስድራና።

ሽኮር ክፈት ንሓልዮት
ንርአ ናይ ህዝብና ሰላት
ንርአ ናይ ህዝብና ጸሎት
ኣዱናያ ዓለም ከሲርና
ከይነጥፍእ ቂያማ ምጽኣት።


Maazin Abdul Qhany 
13-Sept.-‘11



Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...