መስከረም ዕምባባ
መስተርሆት ናይ ጸበባ
ድርኩዂት ናይ ራህዋ
ጎርዞ ጎምበለ ዝብህጉዋ
መስከረም ጣዕዋ።
ከም ስገም ሳዕሰዓ
 ከም ዕፉን ራዓ
 ደሃይኪ ዝሰምዓ
 ስምኪ እንዳጸውዓ
ክስዕሰዓ ከጣቕዓ 
ክስለማ ክኾርዓ
ከተፍ ትብሊ ከም መብጽዓ
መስከረም መርዓ።
ብርሃን ናይ ወጋሕታ
መራሕ ዕለት መፈለምታ
ናይ ሓዲሽ ዘመን መባእታ
ናይ ለውጢ መጸጋዕታ
ንኣረጊት መተካእታ
ኣለኪ ምዑዝ ሽታ
መስከረም ወጋሕታ።
ብሃንዛ ብጣይታ
ብሓለሾ ብብርኩታ
ብመለሊኽ ብጣሳ
ብኹርማ ብዋንጫ
ብብኩዖ ብቕጫ ብዝግኒ በ’ልጫ
ተሙቕዮ ናይ ሓረስታይ ባይታ
ተሰካም ነዊት ምሰ’ርዑታ።
መስከረም ባህታ
ኣላትኪ’ዶ መሰታ።
ናትኪ መፈለጣ
ሰሓቕ ጸወታ ዕላል ፍሽኽታ።
መዓር ወለላ ተኽሊ ወይኒ ዘለላ።
ንኣኺ ምስኣመኑ
መናእሰይ ይእከቡ ዓሊባ’ቦ ክቕምቀሙ
ጎተነኦም ሰንቲሮም ባህሎም ከኽብሩ ክዘሉ ክድብሉ።
 ክጻወቱ!
ኣርኩብ ምስ ገበጣ
ክሕጸዩ ክምርዓዉ ብዲኖ ብእምብልታ
ብኸበሮ ብዋጣ።
መስከረም ደስታ!
ኣንቲ መስከረም!
ይህሉ’ዶ’ኸውን ብኣኺ ዘይግረም።
ኣዕዋፍ ሰማይ’ኳ ንኣኺ ኣሚነን ዝዝምብዋ
ሽሻይኪ ዝቕለባ ከይጻሕተራ ዝለቕማ
ፈቐዶ ዓውዲ ዝሕምበባ
ቀለብ ዓመት ክእክባ።
ኣቤት ፍንጥርያዕ ዝብልኦ ያዕ-ያዕ!
ካብ ዳዕሮ ናብ ሳግላ ካብ ዕፉን ናብ መሸላ
ካብ በለስ ናበ’ውሒ ካብ ከውሊ ናብ ሰጥሒ።
ኣቤት ጥዋዕዋዕ ዘለኻ ዋዕ ዋዕ
ሰይጣን ኣይስማዕ 
ከይዘርገለን ናትኪ ጽዋዕ።
መስከረም ብሩንዶ
ካብ ግራት ካብ ጎቦ ናብ ቆፎ ናብ ሞጎጎ
ዝኣቱ ምህርቲ ካብ ቅሚጦ ንዳእቲ
ዝቕረብ መኣዲ ንውሉድ ንወላዲ
የጽግብ ከብዲ
መስከረም ዘውዲ።
ሕምባሻ ምስ ጎጎ ብራሕ ምስ ኣጅቦ
ብመሶብ መሊኡ መርዓት ክትቅርቦ
ክበልዕ ክሰቲ እዝጊ ዝሃቦ
መስከረም የራኽቦ።
ንእስነት ክትዕንገል ብጽጋብ ብሓበን።
ብኹሕሊ ብጠሊ ብወግዒ ብባህሊ
ብድጊ ብዕሊ።
ናይ ሎሚ ግን እንድዒ!
ጠጥዑሙ ዝሓለፈ ይመስል ምስ ዘመን እኒ-እኒ።
 ምስ ተዘምተ ዓደ’ቦ ምስ ተዓጽወ ብሎኮ
ባሕሪ ምራድ ተቖጺሩ ብሲናይ ንደማስቆ
ጎደና ኢየሩሳሌም ንእስነት ይወድቆ።
ብሃሩር ብጓህሪ ደምን ግዕያትን ይዛሪ
መስከረም ምድሪ ክንዲ መርዓስ በዚሑ ቀብሪ
መስከረም ክብሪ።
አረ ንሓዋሩ’ውን የጸብቆ
ማዕበያ ዝጸየቖ ጽጋብ ዝሰርነቖ
ሽመት ጸቒጥዎ ዘውዲ ዝሓነቖ።
ናይ ርሑቕ ዘብህጎ ናይ ቀረባ ዝርሕቆ
 ከመይ ንፋስ መስከረም ትበርቁቆ
ምእንቲ ኽርከብ መዋድቖ።
መስከረም ግርማ
ዛላ’ምበሳ ራማ፣ ባሌ ጎባ ጂማ
ከም ኮረያ ከም ቻይና መንገዶም ተሓቲማ።
 መሓኽሎ ተረኺባ ጁባ
ዝዓበ ዝነኣሰ ይመጣጠር ከርክባ
ናይ ሎሚ መስከረም  ተቐይሩዶ ሕሳባ።
ክንዲ ዓጺድ ኣብ ጎልጎል ኣብ ጎቦ
መሻቕሎ ኾይኑ ዳያሞንድ ናይ ኮንጎ
መንገዲ ሩባ መሲሉ ንኣመሪካ ብመክሲኮ።
መስከረም ኣጉዶ
ቀውዕና ሰኣን ዝዓጽዶ
ተበሊዑ ብባርኖስ ብባጎ።
ግራት ግብርና ምስተጸግአ
ከይፈረየ ከይለምዐ
ወሪሩዎ ሓራሳ’ምዐ
ኣብ ዛንታ ዘይጸንሐ
ምስ መስከረም ዘይተሰምዐ።
ከይወርደና ካብኡ ዝኸፍአ
ኣባ ዥጎ ንሕጻናት ይርአ
ይፍጠረልና ልግዐ
ክሳብ ሕጂ ዘይተረአ
መስከረም መስአ
ኣውጽእዮ ዝተሓብአ።
(መስከረም- 01- 2011)
Daniel T Teclegiorgis
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...