ብወድ ዓድ 24 ነሓሴ 2011ዓ.ም.ፈ
24 ሮሞዳን 1432ሂጅሪ
ሰናይ ንባብ

ዮሃና ንህዝቢ ሊብያ ብስዕረት ቀዛፊ
ዘንጋ! ዘንጋ! ኣርኪብኩም ደርቢኹምዎ ብጸድፊ
ውድቀት ንውልቀ መለኽቲ ናይ ውጹዓት ደርፊ
ብድሕሪ ቀዛፊ መን'ዩ ኮን ተቀዛፊ

ድሕሪ ቀዛፊ መን ተቀዛፊ

ኣብ ሃገርና ዘሎ ዲክታቶር ብሕልፊ
ወትሩ  ምስ  ሰኸረ ብናይ ስልጣን ወልፊ
ባዕሉ ፕረዚደንት ባዕሉ ፓርላማ ባዕሉ ሰልፊ
ኣብ ዘድልዮን ዘይድልዮን ባዕሉ ተወታፊ

ድሕሪ ቀዛፊ መን ተቀዛፊ

ቀዛፊ ተሳዒሩ ድሕሪ ብዙሕ ፈኸራ
ህዝቢ ሊብያ ተገላጊሉ ካብ ሓሳረ-መከራ
ብናህሪ ነፊሱ ንፋስ ናይ ሰውራ
መዕለቢ ደልዩ ኣብ ከተማ ኣስመራ
ይኣክል ትብል ኣላ ኩላ ብሃገራ
ወዲ ኣፎም ርእስኻ ኣጥልል ክትላጸ በጺሑ ናትካ ተራ
ክሳብ መኣስ ከተብሳብስ ንህዝቢ ኤርትራ

ድሕሪ ቀዛፊ መን ተቀዛፊ

ህዝቢ ሊብያ ተገላጊሉ ድሕሪ ከቢድ መስዋእቲ
ካብ ሕማቅ መራሒ ክላቀቅ ምእንቲ
ኩሉ ውረድ ይኣኽለካ በለ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ
ሓደ ኢድ ኮይኑ ኣብ ደገ ኣብ ውሽጢ

ድሕሪ ቀዛፊ መን ተቀዛፊ

ቀዛፊ ህዝቢ ንምጽናት ኣምጺኡ ዕሱባት
ቀቲሉ ኣሲሩ ዘይተኣደኑ ሰባት
ደጊም ይሸባሸብ ኣሎ ካብ ሊብያ ንምስንባት
ዓዲ ክትመሓደር ብምሁራት ብለባማት

ድሕሪ ቀዛፊ መን ተቀዛፊ

ወዲ ኣፎም እነሆ ዓርክኻ ቅሂሙ
ስልጣኑ ኣንቆልቂሉ ደጊም ተዛዚሙ
ብዙሕ ኣዕገርጊሩ ግዒሩ ኣዕዘምዚሙ
መእተዊ ስእኑ ተሸሪቡ ሃዲሙ

ድሕሪ ቀዛፊ መን ተቀዛፊ

ተለዓል ህዝብና ገልፎ ንህግደፍ
ሓደ ኢድ ኩን ናተይ ናትካ ግደፍ
ካልኦት ኣይትጸበ ክቶዅቡልካ ደገፍ
ንውልቀ መላኺ ደርብያ ኣብ ናይ ታሪኽ ጎሓፍ
ከም ቀደምካን ኣመልካን ጽቡቅ ታሪኽ ጸሓፍ

ድሕሪ ቀዛፊ መን ተቀዛፊ

ይኣክል ንበሎ ንሕናው'ን ሓቢርና
ኣብ ሃገርና ክንነብር ቀሲና' ከቢርና
ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ተዋሪድና ሓሲርና
ሃየ ንገል'ፎ ዝኸሰርና ኸሲርና

ድሕሪ ቀዛፊ መን ተቀዛፊ

ትርቡሊ ዮሃና ትብለኪ ኣስመራ
መባልዕትኺ ይግበሮ ናይ ሰውራኺ ኣዝመራ
ከማኺ የማስለኒ እጽበ ኣሎኹ ናተይ ተራ
ጥዑም ንፋስ ከስተንፍስ ካብ ዘለኹዎ መከራ

ድሕሪ ቀዛፊ መን ተቀዛፊ

ኣንቲ ኤረይ ኩሑሎ
ራህዋኺ ቀሪቡ'ሎ
ወዲ ኣፎም ክዕሎ

ወድ ዓድ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...