ጋንታይ ጋንታኹም ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ
         ዓበይትና ነኣሽቱና ኔሩና ኣብኣ ዘይነጽፍ ፍቕሪ
          ናይ ጸሓይ ናይ ጽላል ትሪቡና ኤልፓ’ልና ክንሰራሰር
                         ዋንጫ ሻምፕዮና፡ ዋንጫ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ክንኣስር
                         ኣንታ ደምና’ኮያ ኔራ ኣብ መትንና ትዘውር
                         ብኩዕሶ ኣምሲላ ሃገራዊ ስምዒት ተበራብር
            ንስኽኺ ጋንታና ንኩልና ደቂ’ስመራ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ
            ዝለገስክልና ከይበቐቕኪ ንፋንጁዕ፡ ንተፈራ ንኾረሪ
            ንሚኪኤል ቡኛ፡ ንሻጌ ንበረኸት ሰብ ጸጋማይ እግሪ
            ኣብ ሜዳ ኩዕሶ ንመጋጥምትኺ ፊደል ሃሁ እትምህሪ
            ንስኺ ኤልፓና ምዓምበብኪ እምበር ንስኺ ዶ ትሓሪ
                           እወ ኤልፓ እኮ’ያ በዓልቲ ጸሊምን ጻዕዳን ማልያ
                           ኣሕሊፋ ዘይትህብ ንናኩራ ንጦር ሰራዊት ንዋልያ
                           እንታይ’ሞ ቲፎዝኣ ህዝቢ እንዳኸኣለ ክሕግዛ ክኣልያ
                           ብዘይተነጸረ ናብ ሃብታማት የዕሩኽቲ ኢሰያስ ተደርብያ 
            ሽዑኡ ጌሮሞ ነቲ ታሪኻዊ ማልያ ነበረ’ያ ነበረ
            ሕቖ መግዛእቲ ከምዘይዶቖሰ ከምዘይሰበረ
                          እንታይ’ዩ ግን ኣቢሱ እቲ ሽራጥ ሽራጥ ማልያ
                          ናይ ዘመናት ክንሱ ዝቐየርዎ ብቐጠልያ መጠልያ
                          ሕጂ’ንዶሞ ምጸኣተ ቀሪቡ መስለኒ መሬት የእውያ
                          ለካስ ሓቂ ብእግራ’ያ ትወጽእ ብርእሳ እንተቐበርካያ
        እሞ እንታይ ይገበር
        ጋንታይ ቀይሕ ባሕሪ ብዘይ ንሕስያ ቲፎዞኺ ክባረሩ
        ብዘይ ዋላ ሓደ ምኽንያት ኣርማኺ ተቐይሩ
        ስለ ዝሳኣንኪ ምኽኣሉ ምጻሩ
       ትምህርቲ’ባ ሃብክዮም ነዞም ዘይማሃሩ

ሰሎሞን ገብረእየሱስ ካብ ቦታ ሓርነት ኣብ ስደት ከተማ ኦክላንድ
       

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...