ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ትሕቲ መግለጺ መርገጽ ስድሪ ካብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝብል ኣርእስቲ ዘስደምም ኣሽምባይዶ ካብ ምሁራት ካብ ተራ ሰባት ዘይትጽበዮ ጽሑፍ ድሕር ምንባብ በዛ ትስዕብ ግጥሚ ክምልሰሎም ወሲነ

ስሰናይ ንባብ
ድሪየ ስድሪ እንታይ ኢኺ ክትገብሪ
ጉድክን ምስጢርክን ተቃሊዑ ብቀትሪ
ብርሃን ካብ ትርእዪ ጠሚትኪ ንምድሪ
እስከ ንገርና ምስ መን ኢኺ ትመኽሪ
 
ስድሪየ ስድሪ እንታይ ኢኺ ክትገብሪ
ጉድክን ምስጢርክን ተቃሊዑ ብቀትሪ
 
ብርሃን ካብ ትርእዪ ኣይሰጎምክን ስድሪ
እምባና እንዳ ፈረሰ ትጥምቲ ንኣድሪ
እምብዛ ንዒቅክዮ ናይ ተቃወምቲ ወፍሪ
ግሁድ ነገር ሓዲግኪ ድጉል ትጽሕትሪ
እኩባት ገዲፍኪ በይንኺ ትምድሪ
ካብ ሰብኪ ርሒቅኪ መኽሰብ ነይትዓትሪ
 
ስድሪየ ስድሪ እንታይ ኢኺ ክትገብሪ
ጉድክን ምስጢርክን ተቃሊዑ ብቀትሪ
 
እንታይ ምስ ኮንኪ ኢኺ እዚ ኩሉ ትዓፍሪ
ህዝቢ እንዳ ሃለቀ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ ባሕሪ
ኣብ ማሕቡስ ተዳጕኑ ክቅጥቀጥ ብበትሪ
ብሃሩር ክጥጠቅ ክሳቀ ብቍሪ
ኣብ ክንዲ ትሓዝንሉ በሰል ህግደፍ ክትሰትሪ
ከም ሽፍታን ዘማትን ክትዕንቅፊ ትጽዕሪ
 
ስድሪየ ስድሪ እንታይ ኢኺ ክትገብሪ
ጉድክን ምስጢርክን ተቃሊዑ ብቀትሪ
 
ምሁራት ናይ ስድሪ ዘረባኹም መስደምም
እኩባት ይዘርግ ጥዑያት የሕምም
ኣይትንፍዑ መርገም'ዩ ዝጸንሐ ካብ ቀደም
እንዳ ረኣኻ ሱቅ ኣይትበል ኣይትጽመም
ንዑ ተሓወሱ ኣብ ሰብኩም ፍትሑ ናይ ህዝብኹም ጸገም
 
ስድሪየ ስድሪ እንታይ ኢኺ ክትገብሪ
ጉድክን ምስጢርክን ተቃሊዑ ብቀትሪ
 
ለውጢ ኢልኩም ግርም መታለሊ
ኣስተውዕል ህዝብና ጎዳእትኻ ኣለሊ
ፍለጦ መን'ዩ ጉድኣትካ ዝደሊ
መን'ዩ ጥቅሚ ሃገርን ጥቅሚ ነፍስን መምዩ ዘይፈሊ
 
ስድሪየ ስድሪ እንታይ ኢኺ ክትገብሪ
ጉድክን ምስጢርክን ተቃሊዑ ብቀትሪ
 
ዘረባ ስድሪ መስደምም ምስትንክር
ኣብ ክንዲ ምል'ዛብ ወትሩ ዕግርግር
ካን ረሲዕኩምዎ ዲኹም ናይ ህዝብና ሽግር
ብሽሙ ትሽቅጡ ካብ ማዕዶ ካብ ስግር
 
ስድሪየ ስድሪ እንታይ ኢኺ ክትገብሪ
ጉድክን ምስጢርክን ተቃሊዑ ብቀትሪ
 
ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና ጀጋኑ
ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን በጃ ዝኾኑ
ሰላምታይ ይብጻሕኩም ለውጢ ቀሪቡ እዋኑ
ኣብ መቃብርኩም ምእንቲ ክትቀስኑ
ስድሪየ ስድሪ እንታይ ኢኺ ክትገብሪ
ጉድክን ምስጢርክን ተቃሊዑ ብቀትሪ
 
ኣንቲ ኤረይ ኩሑሎ
ራህዋኺ ቀሪቡ'ሎ
ወድ ኣፎም ክዕሎ

ብወድ ዓድ ካብ ስደት ዕለት 2 ሰኔ 2011
 
 
 
 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...