ኣለዋ
LEYA

ኣለዋ ሃገረይ ኣለዋ ፍቕሪ
ቀይሕ ዝሕብሩ ዛህራ ፍዮሪ
መብራህቲ'ምበር ዘይኮነ ነውሪ
ኣብ ዝኾነ በይታ ዘየራሓሕቕ ስድሪ
ንዕማ ሽሻይ ጥዑም ጓህሪ።

ኣለዋ ሃገረይ ኣለዋ ፍልጠት
ንኹሎም ትምቕሎ ብዘይ ክፍሊት
ዘገስግስ ዘቐድም ንህዝባ ንቕድሚት
ኣብ ዝኸድካዮ ዘኽብረካ ክብረት።

ኣለዋ ሃገረይ ኣለዋ ጥበብ
ን9 ደቃ ዝሸብክ መርበብ
ብሓባር ዝጥርንፍ ዝእክብ
ኩሉ ነቲ ሓደ ባቡ ከርሕብ።

ኣለዋ ሃገረይ ኣለዋ ሰብኣውነት
ቀይሕ ዝሕብሩ እወ ደም ሰብኣውነት
ዝከናኸን ተበጊሱ ካብ ሓልዮት
ኣሸንኳይ ኣብ መንደቕ ገዝኡ ንዘሎ
ዝግደስ ብዛዕባ ርሑቕ ጎረቤት
ካብ ምሒር ሓልዮቱ ሰብኣውነት
ማዕጾ ኣይኮነን መስኮት ዝኸፍት።
ኣለዋ ሃገረይ ኣለዋ ቁመና
ኣፍ ዘኽፍት ሃነን ዘብል ቁንጅና
ኣለዋ ሃገረይ ኣለዋ መልክዕ
ኣበር ዘይብሉ ዝተሳእለ ብልክዕ
ኣለዋ ሃገረይ ኣለዋ ጽባቐ
ንዓለም መሬት ኩሉ ዘደነቐ
ኣለዋ ሃገረይ ኣለዋ ውሕልነት
ከም ዝተጻረየ ማይ ዘለዎ መቀረት።

ኣለዋ ሃገረይ ኣለዋ ጅግንነት
ቀይሕ ዝሕብሩ ስለ ድሕነት
ስለ መሬት ስምረት ማዕርነት
ስለ ልኡላውነት ፍቕሪ ስኒት።

ኣለዋ ሃገረይ ኣለዋ ዝኽሪ
ካብ ኩሉ ዓይነት ካብ ኩሉ ሕብሪ
ፍቕሪ ሓድነት መዋእል ዕምሪ
ዘስምር ዘስኒ ብሓባር
ገዛ፡ ቤት ምስ ደብሪ።

Maazin Abdul Qhany
29-June-‘11

መዓልታዊ መሸጣ
DAILY SALES

መዓልታዊ መሸጣ ጎዲሉ
ታቤላና ሽም ስለዘይብሉ
ብመን'ዩ ተኸዊሉ
ብመን'ዩ ተደምሲሱ ተፈናቒሉ።

መዓልታዊ መሸጣና ትሒቱ
ኣዝዩ ዘጢጡ ካብ ባጀቱ
ብዝሒ ድዩ ኮይኑ ከም ሓሰኻ
ኣብ ክንዲ ንህቢ ዓይነቱ
እንታይ ክንገብር እንታይ'ዩ ብልሓቱ
መሕወዪ ኣለካ ዶ ኣታ ገርሃቱ?

ኣይከሰብናን ኣብ መዓልታዊ መሸጣና
ምንቺብዮ ድዮም ተጻቢኦምና
ወይስ ምርዳእ ኣብዩዎም ቋንቋና
እንኮለና ኢልናዮም ናይ ሰላም ኢና።

ግን ምንችብዮ ከይህልዎም ሓቅነት
ሰላም ዶ ይህሉ'ዩ
ከይፈለጥካ ከይተረዳእካ ኩነታት
ሰላም ዶ ኣሎ'ዩ
እናኸወልካ ዓላመት ቲጃረት
ሰላም ዶ ኣሎ'ዩ
ከይገበርካ ንጽረት ስምረት?
ፈትዋ'ውን ይበሃል ይጽሎ
ብጊዜ ወቕቲ ምስ ኩነታት
ዙሩፍ ናይ ሓደ ህዝቢ
ምፍላጥ ብውሕልነት፡
ጊዜ ወቕቲ ሓደ ሃገር
ምፍላጥ ብጋህዲ ብድምቀት፡
ሽዑኡ መሸጣ ምግባር
ምስ ሰብ ድዮ ምስ ረቢ
ጎይታ ረቢ ኩሉ ዓለማት
ንግዲ ኮመርስ ብማዕርነት።

ኣኮ ሞጎስ ስለዝገበረ ተርጓሚ
መሸጣኡ ኣዝዩ ዓብዩ
ሎሚ ዓመት ካብ ናይ ዓሚ፡
ንግድሲ ካብ ፈለማ ትልሚ
ክትሓዊ ዳሕራይ ከይትሓሚ
ረቢ ከይጸልኣና ከይንሓሚ።

እዚኣ ናተይ ምዕዶ'ያ
ኣይተናኣእሳ ትጠቕም'ያ
ክንዲ ዓቢ ምሉእ ርኣያ።

Maazin Abdul Qhany
July-04-’11


ዝበለጸ ሸያጢ
BEST SELLER

ዝበለጸ ተገዛኢ ክኸውን ፍርያትካ
ኩሉ ቅጥዕታት ከተማልእ ኣለካ
ኩሉ ረቛሒታት ከተማልእ ይግበኣካ
ንኹሉ ዓሚል ክትሕዝ ኣለካ።

ሓደ ካብቲ ረቛሒታት
ኣድራሻካ ንዓሚል ምፍላጥ ብግቡእ
ቲጃራ ንግዲ ዝለዘይከውን ብሕቡእ
ታቤላ ብሄሮቕሎፊ ከይከይውን
እንታይ ደኣ ብትግርኛን ብዓረብን
ሸያጢ'ውን ገጹ ክኽወል የብሉን
ኣብ ምምላስ ኣቕሓ ምናልባት
ኣነ ኣይሸጥኩልካን ላላእ ከይብለካ
ዝሸጠትልካ ኪሮስ ከይትኸውን።

ሞዳ'ዩ ኢልካ ከኣ
ከምዚ ከይትገብር ከይትፍጽም፡
ሓደ ካብ ኣቡኡ ዱካን ምስ ወረሰ
ስማ ዝነበረ "በቃላ ሓጂ ሱከር"
ለወጣ ብ"ዘመናዊ ስም"
"ሞል ኦፍ ሓጅ ሹገር"።


ካልእ ከኣ ዝብሎ እንተሎ
ንውጹዕ ህዝቢ ይግባእ ክትሓስበሉ
ንወዲ ሃገር ይግባእ ክትሓስበሉ
ስም ኣቑሑትካ ብሓባር ብኹሉ
በቲ ዝርደኦ ቋንቋ ክትትርጉመሉ
ወይ ከኣ ንዝመጸ ዓሚል ኩሉ
ፍሉዩ ተርጓሚ ክትቆጽረሉ።

ከምዚ እንተዘይጌርካ
ቁጠባኻ ፈጺሙ ኣይሓዊ
ዓሚል ፈጺሙ ኣይረዊ
ስትና ማጅዳ እዚ ኩሉ ሓጊዛ
ዘለዋ ገንዘብ ኣፍሲሳ
ክንጊዲ ፍሽኽታ ዝኸውን ኣመላ
ገጻ ይጽወግ ይኸውን ዓበሳ።

ኣድራሻና ይኹን ብጋህዲ
ንኹሉ ዓሚል ክስሕብ
ክዕምር ቲጃራና ንግዲ።

Maazin Abdul Qhany
    July-04-’11


መስኮት ክፈት
WINDOW OPEN DOOR IS

መስኮት ክፈት
ኣይትፈልጥን ዲኻ ሎሚ
ናይ ኤርትራ ኩነታት
ናህዳ ንበይና ኣይትኣክልን
ኣይተኽስብን ብዘይ ሕውየት፡
ናህዳ ውሒዳ ንበይና ኮይና
ብሓባር ከየንንቡ ነናቶም
መሓመድ ምስ ምስግና፡
ይትከሉ'ባ ናይ በይቶና ባላ
ብሓባር ተኽላይ ምስ ኣብደላ
ኣብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ'ውን
ብሓባር ሳቤላ ምስ ጀሚላ።

ሎሚ ናይ ኤርትራውያን ኩነታት
ብናይ ትግርኛ ድምቀት ድዩ
ወይስ ብናይ ዓረብ ድኽመት
ዝበዝሐ ሰብ ካብ ናህዳ ንላዕሊ
ይፈልጥ ብዝያዳ ንሕውየት፡
ስለዚ ዝበዝሐ ኣንባቢ ከይትስእን
ስትና ማጅዳ ከኣ ከይትሓዝን
ወይዘሮ ክብራ ምእንቲ ክትቀስን

ምስ ናህዳ ወስኸላ ሕውየት
ትምኒት ትርከብ ርውየት
ሕማም ይልገሰላ ጥዕና'ዩ ርውየት
ትምኒት ትርከብ ሕውየት።

እዚኣ ምኽረይ ካብ ልቢ
ኣይኮነትን ካብ ሳንቡእ
ተስፋ እገብር ከኣ ምኽረይ
ክትከውን መሰል ምስ ግቡእ።

Maazin Abdul Qhany
    July-04-’11


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...