መራሒ ህ.ግ.ደ.ፍ ዕሉም ጋኒን : ሃገር ዘሪኡላ ብዙሓት መጃኒን
መራሒ ህ.ግ.ደ.ፍ ዕሉም ጋኒን
ሃገር ዘሪኡላ ብዙሓት መጃኒን
ኣንታ ብሓቀን ድየን ክንድዚ ቅንጥስጥስ
ሓፍ ዘይብል ወርቂ ተጻዒንካ ፈኾስኮስ
ኣጉል ንህግደፍ ኣሚንካ ሃገር ዘየውሕስ
ለኪሙክን ክጠፍእ ዘርእኽን ክብንቁስ
ተራእያ ኣብ ቲቪ ኤረ ወርቂ ዝሰርነቓ
ካብ ታሕቲ ክሳብ ክሳዳ ዝናራ ዓጢቓ
ከንፈራ ተለኽያ ጭርናዕ መሲላ ጸቢቓ
ንሕጎስ መሲሉዋ ረሲዓቶ ከምንስሕቓ
ወርቅሃ ተቖኒና ራኣዩና ራኣዩና ራኣዩና
ቀበዝበዝ ክትብል ብመልክዓ ተሓቢና
ሓዘን መርዓ መሲሉዋ ግልቢጭ ተቖኒና
ታይ ንመስል ከኣ በለት ገልጣም ዓደቦና
ተበላጺት በላዒት በይና ጸረ ህዝብና
ህግደፍ ብኾቦሮ ብዕጸፋርስ ዘዐወና
ተካል ፍጥረት ዘጀነነን እንቋዕዚ ረአና
ንመጻኢ ወሎዶ ንታሪኽ ኣብነት ክኾና
ንሕና ንኽንኣልዮ ላዕሊ ታሕቲ ንብል
ንሳ ትጽበ ንዓመታ ዳግማይ ክትዕውል
ወርቂ ተኾሊዓ ኣብ ጽርግያ ክትኩብልል
ስሪኤላ ከም ኣመላ መልክዐኛየ ክትብል
ንሳዕስዒት ዩኒቨሪሲቲ ተኸፊቱለን
ናትክን ከይኣክል ተመሪዞም ደቅኽን
እንከይማሃሩ ንቁብነገር ዝኸውን
መራሕቲ ከይኾኑ ዞርሞ ንዕውንውን
እምብዛ ፋሉል ከይደን ኣደታት ህግደፍ
ጌታ እምሓረን ካብ ሕማም ወልከፍከፍ
ጨው እግረን ምዚአን ኣይሩሁ ኣይሓልፍ
ሃገርና ጓሲሰንኣ ንድሕሪት ከምትተርፍ
ፋብሪካ ኮቦሮ ኮይና ሃገረ ኤርትራና
ብኣኽን ኣዳም ተገሪሙ ኣዋሪድክናና
ክብረትክን ሓልዋ ግጉያት ኣደታትና
ግዜ ሃገራዊ ሓዘን ክትስዕስዓ ክትቁነና
ብሰርኽን ሃገር መስሓቕ ሸራፋት ኮይና
ፈስቲቫል ህግደፍ ብጠበንጃን ሴፍን
ሰላም ነጺጉ ንውግእ ንህዝቡ ከሕዝን
መቕዘፍቲ ክውልዕ ዳገማይ ክንማስን
ምውዳእ ኣቢናዮ ብምእሳር ብምርሻን
ኣብዚ ኩነታትዚ ብጓይላ ዝዕውኑ
ተጠበርቲ ፈራሓት ንህዝቦም ዘይኮኑ
ዘይረብሑ ንኸዕገርግሩ ዝተኸዘኑ
ህዝቢ ከይሰምር ውሽጡ ክበታትኑ
ጥልመት ከም ባህሊ ተወሲዱ
ፈራሓት ምስ ህግደፍ ዘኳዱዱ
ብሳላኻ ንበረለይ እናበሉ ዘኹዱዱ
ስሪኦም ዝፈትሑ ብእዋኑ ዝተሰዱ
ንሕና ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ኣበሃህላና
ብሳኻ ጠሚና ብሳላኻ ተሰዲድና
ብሳላኻ ጸኒትና ብሳላኻ ጠፊኡ ባህልና
ብሳላኻ ኣብ ባሕሪ ኣብ ሑጻ ሰጢምና
ብሳላኻ ፋሕ ብትን ኣትዩና ብሳላኻ ሓፊርና
ብሓሶትካ ዓለም ንዒቡና ብሳላኻ ተናዒቕና
ብሳላኻ ኤርትራ ሃገረ ባርነተት ኮይና
ብሳላኻ ቆልዑ ተዋፊረን ንሽርሙጥና
ብሳላኻ ታኣታትዩ ዘይነበረ ብልሽውና
ሳላኻ ብዙሕ ውግእ ገጢምና ተሳዒርና
ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ክንደይ ዘይራአና
ህዝቢ ፈንፊኑካ ተሓባእ ካብ ቅድመና
መርገምና ሰማይ ዓሪጋ ኣብቂዓ እዋና
ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ
ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ
13/06/2011 Norway