الـمـواطـن ما كـفـر

ወዲ ዓዲ ኣማኒ'ዩ ከቶ ኣይከሓደን
ኣንቢቡ'ዩ መጽሓፉ እምቢ ኣይበለን
ገንዘቡ ኣብ ወጻኢ ባንክታት ኣየቐመጠን
እምነት ኣየጉደለን ሓቂ ኣየጥፈአን።

የቐንየለን ወዲ ዓዲ ስለ እምነትካ
ፍትሒ ኣይዓምጸጽካን ደስ ይበልካ
40 ዓመት ንህዝብኻ ኣይቀዘፍካ
ቢልዮናት ህዝብኻ ኣይሰረቕካ ኣይገበትካ።

ንህዝብኻ ዘይምስራቕ ድሕነት'ዩ
ንህዝብኻ ዘይምስራቕ ሓርነት'ዩ
ጸጋታት ሃገር ዘይምግባት እምነት'ዩ
ወዲ ዓዲ ኣይከሓደን ኣማኒ'ዩ።

ወዲ ዓዲ ሕያዋይ'ዩ ምቕሉል
ንውልቃዊ ረብሓ ዘይብል ግልል
ኣብ በዓል ህዝቡ ምስኡ ዝጽንብል
ኣብ ሓዘኑ ምስ ህዝቡ ዝሓምም ዝቖስል።

ወዲ ዓዲ ኣማኒ'ዩ ኣየበሳበሰን ንዓመታት
ንመሻይኽ ንኣቕሽሽቲ ኣየእቱን ኣብ መዓት
ይብይን ሓቂ ኣብ ኩሉ ጊዜያት
ኣይክሕድን ኣብ መዓልታት ለይትታት።

ወዲ ዓዲ ይብጻሕካ ምስጋና
ስለ እምነትካ እብለካ ዮሃና
ስለ ናጽነት እብለካ ዮሃና
እምነትካ ከይተጥፍእ ሓደራ ኣማና
ኣብ እምነትካ ጽናዕ ምእንታኻ ንዓና።

ወዲ ኣዲ ከቶ ኣይከሓደን
ኣንቢቡ'ዩ መጽሓፉ እምቢ ኣይበለን።

Maazin Abdul Qhany
21-May-‘11


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...