1 - ገበላ
Gallery  رواق

ናይ ኩሉ'ያ እታ ገበላ
ንተኽላይ ምስ ዓብደላ
ኣይትረአን ብሻላ ማላ
ስለዘለዋ ናይ ሃገር ማሕላ።

ገበላ የብላን ናይ ሓደ ዕብለላ
ብኹሉ ብሓባር'ያ ተተኺላ
ባይቶ ሃገር ኣዳራሽ ቪላ
ንኹሉ ትጥርንፍ ተጽልል ብጽላላ።

ዓያሹ ግን ንበይኖም ይገብሩዋ
ብዘይ ኣሕዋት ከም ዝተፈጥሩዋ
ንበይኖም ንዘይከላኸሉላ ንዘይዝሕልዉዋ
ንብሕቶም ለምለም ናይ ኩሉ ንዘይገብሩዋ።

ክፈልጡ'ዮም ግን ዳሕራይ ጽባሕ
ገበላ ብመን ከምትብልጽግ ከምትረብሕ
ብኹሉ ሸነኻ ልሳና ከምዝቃላሕ
ማይ ሓባር ከምዝስተያ ንኹሉ ከም ትጣጣሕ።

ሰላም ንግበር ገንዘብ ኣየዐሽወና
ተጣዒስካ ኣይርከብን እንተኸይዱ ሓውና
ቃልሲ ኩሉ ሸነኽ'ዩ ዘርብሕ ንኹልና
ማይ ሓባር ምስ ንሰቲ'ዩ ትንሳኤና ሕውየትና።

መዘከርታ መተስኢ፡
ንሰማማዕ ንቑሩብ ጊዜ ኢና
ኣይኮናን ነበርቲ...
 Maazin Abdul Qhany
  Jun-19-’11

     000000


2 - መምህር ኣኽባሪ ሕጊ
Charlie & Case شارلي وكَيّس

ናይ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ መምህረይ
መምህር ኣብርሃም ድዩ ኮይኑ
ናህዳ ንበይና ምውሓጥ ኣብያትኒ
ናይ ካምቦኒ ምጭውቲ መምህር
መምህር ሙሴ ድዩ ኮይኑ
ናህዳ ንበይና ምዝራባ ኣብያትኒ
ናይ እንዳ ማርያም መምህር
መምህር ዘካርያስ ድዩ ኮይኑ
ናህዳ ንበይና ፍልይቲ ኮይናትኒ
ናይ ተግባረ እድ መምህር
መምህር ዳዊት ድዩ ኮይኑ
ናህዳ ንበይና ጥበብ ኣብያትኒ
ናይ ሳንታ ኣና መምህር
መምህር ኢዮብ ድዩ ኮይኑ
ናህዳ ንበይና ትዕግስቲ ከሊኣትኒ
ናይ ኣስመራ ኣጠቃላይ መምህር
መምህር ኖህ ድዩ ኮይኑ
ናህዳ ምባል ኣዝያ ነዊሓትኒ
ናይ ኢብራሂም ሱልጣን መምህር
መምህር ሰለሙን ድዩ ኮይኑ
ናህዳ ንበይና ከመስግን ድየ ክኽሕድ
ርጉጽ ቁርጺ ውሳነ ዘየውሰደትኒ
ናይ ገዛ ኸኒሻ መምህር
መምህር ዮሴፍ ድዩ ኮይኑ
ናህዳ መልክዕን ቃልስን ዘይኮነትኒ
ኣዱሊስ ባንድ ምስ ካልኦት
ካብ እንዳ ኦርፋን ስለዝኾኑ ድዩ
ናህዳ ንበይና ምዝንጋዕ ዘይኮነትኒ፡


ኣቱም ክቡራት ሰባት
ክቡራት ኣሕዋት ምስ ኣሓት
ኣነ ዝተማሃርኩዎ
ካብ መምህር ኣብራሃም
ብሓባር ንብላዕ ንስተ፡
ካብ መምህር ሙሴ
ብሓባር ንበሃሃል ንግበር ዘተ፡
ካብ መምህር ዘካርያስ
ምኽኣል ዝተኸስተ እንተተኸስተ፡
ካብ መምህር ዳዊት
ኢደይ ኢድካ ክንዕወተ፡
ካብ መምህር ኢዮብ
ክወግሕ'ዩ ኣይተርፍን ዝጸልመተ፡
ካብ መምህር ኖህ
ብተስፋ ምቕጻል ወላ ጉዳይ እንተተጎተተ፡
ካብ መምህር ሰለሙን
ኣመስግን እምበር ክትዕወተ፡
ካብ መምህር ዮሴፍ
ሓቦ ዝገበረ ዘይተዘምተ ነይጸነተ፡
ካብ ኣዱሊስ ኣስመራ ባንድታት
ሓበሻ'ዮም ቅረቦም ብሓበራ
የቕርቦም ኣላ'ህ ይኸሊሆም
ቀረብቲ ተኣከብቲ ይግበረኦም ብሓበራ።

   Maazin Abdul Qhany
    Jun-20-’11


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...