ንኹሉ ምሃብ ነናቱ
እንታዩኾን ሓጥያቱ

ኣለዉና ዑቑራት ሙሁራን ሊቃወንቲ
ይቀላቐሉ ኣለዉ ቀስብቐስ በብሓንቲ
ድሕሪ ሃገራዊ ዋዕላ ብርኽቲ መዓልቲ
ታሪኻዊት ዓመት ሓናፊጽኪ ተቓለስቲ
ኣኪብክና ብኣላዝቦ ክንመክር ክንዝቲ

ኣለዉና ከም ባዓል ኣሰና ባዓል ኣለና
ተባዓት ሰብ ቅያ ኣናብስ ሰብ ሕልና
ንጥቕመይ ከይበሉ ቅድምያ ንህዝብና
ብሳላ መርበብኩም ብዙሕ ተማሂርና
 ተንኮላት ናይ ህግደፍ ኩሉ በሪሁለና

 ኣለዉና ምንጪ ወረ ዝህቡ እሙናት
 ምስ wikileaks ዝወዳደሩ ንቑሓት
እዋናዊ ትኩስ ወረ ዝህቡ ሓቀኛታት
ሓንጎፋይ ብህዝቢ ምሉእ ተቐባልነት
ንህዝቦም ጸባ ዘስተዩ ኡነት ብኡነት

ሓሶትዩ ዝብል እንተሎ ጭብጢ የቕርብ
ብዘይካታ ናይ ሸፋቱ ሓሳዊት መርበብ
ማዕጾ ክፉትዩ ምስ ኣለና ዝደለየ ክዛረብ
ምስጢር የለን ኣብ ዓይኒ ሓቂ ንተዓዘብ
ከይንዳናገር ብበዓል ቀለታ ወላዕቲ ሰበብ

 ንድኹም ሕልና መስከረም ነት ትሓቑፎ
 ኣንጻር ሃገራዊ ዋዕላ ክዓጥቕ ንኸተሰልፎ
 ካብ ገለ ኣራርያ ዘይዕረዩ ከም ስባር ቆፎ
 ማዕከን ጠፋሻት ናይ ንጹላት ማዓርፎ
 ልሳነ ዲክታቶር ህዝቢ ዓኽ.ሉ ዝጓሓፎ

መንዩ ኣብ ኖርወይ ኮይኑ ዝጻረፍ ዘሎ?
ቀናእ እኩይ መርገም ስንቁ ዶ ክንብሎ
ዕሉም ጸያቒ ክፍኣት ክሰረሕ ዘይሕለሎ
ንኣባላት ብጾቱ ፈላልዩ ሓዊ ዘእቱ ዘሎ
ጃህረኛ ኣነሓይሽ ባሃላይ ድሒሩ እንከሎ

ንድርቅና ዓቢ ሞያ ፍልጠት ገሩ ዝወስዶ
ነግራም መላኽዒ ከምታ ፈላሲት ዑናጉዶ
ጥርናፈ ተረአ ከም ሕማም ርእሲ ዝኸብዶ
መርገጺኡ ዘይንጹር ውሒጅ ናብ ዝወሰዶ

ንሲቢካዊ ማሕበር ኣብ ኖርወይ ኣቋናጺቡና
ስራሕ ስለያ 1.2.3.እናበለ ክሳብ4.ኣብጺሑና 
ኣንታ ሕማቕ ሰብ ዓለም ብኻልእዩ ዝፈልጠና
ተደለኻ ጻሕጽሕ ዘኳልፎ የለን ዋዕላ ኮሙሽና
ገመድ ስቐሉ እንሆ ሕጂውን ሃ.ጉባኤ ይጽበየና

ዋዕላ ብዝሰምዑ ሰንቢዶም ዝባህረሩ
ሰዓቢ ምስ ሳአኑ ናንዳማቶም ዝቖጽሩ
 ብዝሰርሓ ዘለዋ ማሕበራት ከጭበርብሩ
ፕሮጀክት ምስ ኢትዮጵያ እናሉ ከደናግሩ
ኮነ ኢሎም ኣብ ህዝቢ ሕማም ከሕድሩ

ኣሰና ኣለና ኩለን መርበባትና 
ማዕከናት ራዲዮታትና ንቕድሚት
ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...