ኣባይ ዓርኪ መረብ ናይ ጎረቤትዶ ክንዛረብ!
ኣባይ ወዲ መረብ
ዝብላዕ’ስኪ ተዛረብ
ኣይውዳእን’ዩ’ቲ መረቕ።
ኣባይ ወዲ ጣና - ነቶም ዘፋነና
ዓይንና እናረአና - መረቕ ዓደ’ቦና
ዝለኣኽና ናበ’ሕዋትና
እንታይ’ዩና ማይ ኢዳ።
እቲ ንፈልጦ ማይ
ከምዘይፈሰሰ ካብ ሰማይ
ገዛ ንኽኣቱ ኣብ ዓዲ-ጸሓይ፣
ይውሕዝ ይፈስስ - ዶባት ይጠሓሕስ
የልምዕ የተርክስ - የፋቕር የባእስ
የድግም የድግስ - ይጽሕፍ ይድምስስ
ኣጽርዩ ኣጻርዩ ይምለስ ናብ ባሕሩ ይፈስስ።
ናይ ሎምስ ኣይተርአን
ብፈይስቡክ ብትዊተር
ምስጢራት እንዳ ንጉስ’ኮ’የን ተቐሊዐን
ማዕረ ህዝበን ተሰሪዐን።
ወይ ጉድ! እዚ ፈይስ ቡክ ቁሩሕ
ኣየፍቅድ ኣይኹሕኩሕ
ማዕጾ ብዕጹዉ ዝኣቱ እንዳንጉስ።
ዝኣረገ ስርዓት ዘቦኽቡኽ
ንመለኽቲ ዘዐምቡኽ ብሰሙናት ዘምበርክኽ።
እዛ ትዊተር ዕንቅርቢት
ካን! በጻብዕ ትውት ትውት’ሲ
ከይተተኮሰ ጥይት ተቕስን ተዐውት።
እሞ’ዛ ትዊተር
ክሳብ ክንድ’ዚ’ለዋ’ዩ ቁም ነገር
ዘናዕብ ንሃገር
ኣንጻር መላኺ ዲክተይተር።
ካን’ዞም መለኽቲ ስሱዓት
እንክትርእዮም  ከሳዓት-ፈርጣዓት
ክሳብ ክንድ’ዚ’ዮም ግዱዓት
ብተክስት- መሰጅ’ሲ ካብ ዙፋኖም ይወርዱ ናብ ቅርዓት።
ዝገርም’ዩ!
ወላ ኣብ’ቲ ዓቢ-ዓዲ፣ ኩሉ ሰብ ዝፈርሖ
ዓዲ ነጋውስ ዓዲ ፈርዖን
ዓዲ ፒራሚድ ዝመስል ጣዖት
መበቆል ሃይማኖት መሰረት ኣምልኾት
እቶም ሓያላት ዓቀይቶት
መልሓሶም ተቖሊፎም
ኢዶምን እግሮምን ተጠሊፎም
ንድልየት ብዙሓት ኣሜን ኢሎም።
ኣቤት!
ተኣምር’ዩ መጺኡ ከም እሳት ዘንበልብል
ኣብ ኩሉ ዝርከብ መንፈስ ቅዱስ ዝመስል
መን’ኻ እንተበልዎ’ስ ጉጉል’የ ዝብል
ጻህይዩ ዝጉልጉል ንጎደፋ ዝቐብር።
ናባና’ብሎ’ምበር! ይሓንና’ሎ የጥበልብል
ይጎዪ’ሎ ይድብል።
ካብ ካይሮ ንሰንዓ - ኩላተን ክሰምዓ
ካብ ሰንዓ ንጅቡቲ - የማስላ’ሎ ጎረባብቲ።
ስለ’ዚ ዓለም መድረኽ’ንድያ ናይ ተራ
ደጊም ተራኺ’ዩ ኣስመራ
ጎረባብትኺ ከይጀሃራ ብኣኺ ከይፍክራ
ሃየ ሓደራ ኣባኺ በጺሐን፣ በዓል ትዊተር ከይቅበራ።
በዓል ፈይስ ቡክ ከይክዕቡኺ
ኣይማዕበለትን ከይብሉኺ
ካብ’ቲ ናይ ጉጉል መጽሓፎም ከይስርዙኺ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ
02/10/2011


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...