እንዳ ራኣና ንጸንት ኣሎና ብዝረቐቐ

ውሒጅ እኳ እዩ ዝወስድ እንዳ ኣስሓቐ

 

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 

እንዳ ራኣና ንጸንት ኣሎና ብዝረቐቐ

ትም ኢልና ንዕዘብ ህዝቢ እዳ ሓቐቐ

ውሒጅ እኳ እዩ ዝወስድ እዳኣስሓቐ።

 

ውሽጡ ሑሩር ካሳብ ማዓስ እና ክቆርር

ሳአን ኣብ መንገዲ ባጽዕ ምባል ግትር

ክሳብ ማዓስ ኢና ኣሕ ክንብል ክነብር።

 

ሳኣን ከምቶም ጀጋኑ ስዉኣትና ከም ኣብራሃም ተኽለ ነፍሪ

ሕነ ህዝቡ ዝፈዲ ብለይቲ ብቀትሪ

ንሽፍትነት ህግደፍ ዝምክት ብግብሪ።

 

አብ ሃገራዊ ዋዕላ ከምዚ ዝብል መደረ ሰሚዔ ነረ

ህግደፍ ሓንቲ እግሩ ኣብ ተቓወምቲ ኣላ ኢሉ ዝነደረ    ሓደ ካብቶም ንሓርበኛታት ወኪሉ ዝመደረ

ንተኻፋላይ ዋዕለ ዘስተምሃረ ክንርፍሪ ፍረ።

ኣያ ዝሳኣነ ህዝቢ ተቐቲሉ ይድርበ ከም ከልቢ

ዳሓን እቶ ኣለና ኣጋሊጽካዮም ፈሊጥናዮ እቲ ሓቂ

ተረዲኡና መን ምዃኑ ናይ ቃልስና ዕንቅፋት ጠንቂ

ሎምስ እቲ ሓቂ መስ መስ ኢሉ በሪሁ ከም በርቂ

መንሽሮ ንህዝቢና ንጃንዳ ህግደፍ ሕቡአት ወርቂ።

 

መርሃዊ ደንጕዩዎ ህዝቢ ብህግደፍ ሃገር ተሸቢራ

ህዝቢ ንምድሓን ፐሎቲካዊያን ውድባት ስመራ

ሲቪካዊያን ማሕበራት ህዝቢ ኣላዓዕላ ክንምርሽ ንስመራ

ሓደ ካብቶም ብዙሓት ንምልኪ ዝቃወሙ ይብል ሓደራ

ሕጂ እዩ እዋኑ ሓቢርክን ዲክተተር ክተባርራ።

 

ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተገሩ    ጉባኤ ኣብ ኣስመራ ክከውን ናይ ሓባር ጽላኢ ኣባርሩ

ህዝቢ ኤረትራ ሓሳብ ልቡ ክሰምረሉ ዘተ ጀምሩ።

 

ጭጉራፍ ወቒዓ ተእዊ

እቶም ካብ ኣፍንጫና ኣርሒቕና ዘይንጥምት ዝመስሎም ክባራበሩ

ህዝቢ ኤረትራ ክብ ክብል ሞራሉ ትምክሕተኛታት ካሓፍሩ።

 

እዛ ብውሽጢ እዩ ዝመጽእ ለውጢ ትጋነን ኣላ

ኣየነይቲ ውድብ እያ ናይ ውሽጢ ሓይሊ ኣየድልን ኢላ

ኣየነይቲ ውድብ ከ ብዘይ ናይ ውሽጢ ሓይሊ ንዕወት ኢላ

ንተቓወምትን ናይ ውሽጢ ህዝብን ክትፈላልዩ ኣይትሓልኑ።

ኣያ ዝሳኣነ ህዝቢ ተቐቲሉ ይድርበ ከም ከልቢ

ዋዓል ሓደር ዝባሃሎ ግዝየ ኣይኮናን ዘለና

ካብ ህግደፍ ዘጋላግሎ ይደሊ ኣሎ ህዝብና

ይብል ኣሎ ካብ ኢሰያስን ጭፍሩኡን ኣድሑኑና።

 

ንሕናስ ካብ ቀደም ኣትሒዝና ምስ በልና ዓገብ

ኣብ ርእሲ ከይወረደ ኣይርድኦን እዩ ወዲሰብ

ሕደግ እንዳ በልካዮ ምስ በላዒኡ ይዋሰብ

ዝሓለፈስ ሓሊፉ ገጋ ካብ ምድጋም ኑዑ ንላዘብ።

 

ኣብ ስደት መን ኣሎ ዜና ዓለም ዘይካታተል

ገለ ኣብ ሳህራ ይመውት ገለ ብዓመጽ ይቕተል

ገለ ካብ ስቅያት ህግደፍ ከምልጥ ኣብ ውቅያኖስ ኣጥሕል

ገለ ብራሻይዳ ገንዘቡ ተዘምቱ ከም ስጋ ይዝልዘል

ያኣኽል.2 .ካብ ሚኢቲ ኸፈልካ ንሸፋቱ ምግልጋል።            

 

እዚ እንዳ ሰማዕካ ክንዲ ህግደፍ ትማጓት

ናዓኻትኩም ዝኣመነ ክልተሻዕ ይመውት

ካብ ተሓታትነት ክትድሕኑ ሕጂ ግበሩ ሓሞት።

 

ከም ጭሮሖ ተስፋማርያም ወ-ጊዮርጊስ ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘበን  ሓዲኡሎ።

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ኣንገልቶምን

 
 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...