ሉጓም ዝበተኸ ፈረስ ሒዙዃ ንገደል ይጸድፍ

ሉጓም ዝበተኽ ፈረስ ሒዙዅ ይጸድፍ
ሓልዮት ዝጎዶሎ ሃለውሎው ይጽሕፍ
ዓመት ነዊሕ ይመስሎ ዘይሓልፍ
ጥርናፈ ህዝቢ ዘበሎ ሃተፍተፍ።

ነቲ ጠላም ስርዓት ዝሕብሕቡ
ካብ ህዝቢ ዝተመንጠለ ገንዘብ በሊዖም ዝጸገቡ
ገለ ተጋደልቲ ነበር ገለ ናይ ደርጊ ለያቡ።

 



ወስ ክነብለሎም ንባዓል ዒንኪላሎ
ኢዶም ዘእትዉ ኣብ ሩሱን ሞቑሎ
ክጽሕፉ ዝሕድሩ ንኢሰያስ ደስ ዝብሎ
ከም ወናኒ መስከረም ዛኣምሰሉ ናይ ምልኪ ሸቃሎ

ንዓኻን ወዲ ኸማኻ ሊኢኹ ንህግደፍ ጢዒምዎሎ
ንተቓለስቲ ከጸልም ካብ ህግደፍ ገንዘብ ዝተኸፈሎ
ኣስማት ተኻፈልቲ ዋዕላ ኣብ መርበብካ ትሰቕሎ
ካብ ዑሱባትን ዎይጦታትን ህግደፍ ዝፈርሕ መን ኣሎ
ዘይተኸንሸበ መልሓሱ ንምልካዊያን ዘጋፍር መሊኡሎ

ሕድሪ ሰማእታትና ተጠሊሙ ኣይተርፍን ለብዘበን ሓዲኡሎ።

ኣይፋልካን በልዎ ነቲ ሽም ጥልያን ዘለዎ ሓበሻ
ኣብቲ ምዕቡል ዓዲ ስቶኮሎም ዝዋሓጦ ጣሻ
ናይ ጸለመ ኪኢላ ዝጽበ ካብ ህግደፍ ሕንባሻ
ትም ምባል ይሕሸካ ህዝቢ ከይብለካ ወይዚ ዓሻ።

ሃገራዊ ዋዕላ ነጺጉ ከም ማል ዘዔመ
ሕጂ ሓቂ ከምስል ብህዝቢ ዝሓመመ
ኣብ ስቶኮሎም ደቂሱ ስልጣን ኣስመራ ዝሓለመ
ኣብ ዘተ እመን ተማሃር ብዝቐደመ ።

ደንበኻ ኣጽሪ ካብ ትብል ጎቦ ጎቦ
ምባል ይትረፍካ ሉኡኽ ሓሊቦ
ጸለመ ክጽሕፍ መረት ዝዓረቦ
ኣብ ዋዕላ ምተኻፈልካ እንተ ዝህልወካ ሓቦ።

ብጹሑፋትካ ንተሳፋተፍቲ ዋዕላ ኣይትውጋእ
ኣዊያት ህዝቢ ሰሚዕካ ክትብል ይግባኣካ ሰጋእ።


ሓሶት ዝስንቆም ምስ ረኸቡ ጋዶ
ቀሪብና ኢና ክንብል ኣይበልናን ዶ
ኣብ ሕጊ ምስ ቀረቡ ናይ ህግደፍ ነጋዶ
ሃገር እንዳ ተረፈት ብዘይ ህዝቢ
ናዓይ ይጥዓመኒ ይብል ዘይብሉ ቀልቢ
ዒንኪላሎ ናይ ጥፍኣት ሰርቢ።

ሓደ ካብቶም ንሃገራዊ ዋዕላ ዝኾኖኑ  
ሕፍር ከይበለ ዝብል ዝበልናዮ ኮይኑ
ኣብ ህዝቢ ዘይብሉ ዳስ ዝስዕስዕ ንበይኑ።

ዕምሪ ዝሃቦ እንታይ ዘይርኢ ዘይሰምዕ
ናይ ደገ ምልኪ ቀሪቡ ጉዱ ክቕላዕ
ማዕረ ማዕረ ናይ ውሽጢ ምልኪ ክስራዕ።

እወ ንስኒት ንሓድነት ንጥርናፈ
ቦታ የብሉን ካብ ሎሚ ንስልጣን ዝሃረፈ
ህዝባዊ ፍርዲ ኣለዎ ማኣዲ ዘተ ዝኾለፈ
ክማሃር ይግብኦ ካብቲ ዝሓለፈ ገጋ ብዝቕልጠፈ።




ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...