ዘዋፍርዎ ዘለዉ ናይ ህግደፍ ወያጡ
ብዘይካ ተንኮል ካልእ ዘይፈልጡ
ተሸይጣ መስሊማ እናበሉ ከዋጥጡ
መሲልዎም ግብሮም ዘይተፈልጡ
ተኸሽሕኩም ቆርቦትኩም ቅለጡ  

ኣስላሙ ክርስትያኑ ብሓባር ተላዒሉ
ኣንስትዮ መንእሰያት እንካብ ዓጠቕሉ
እንሆ ዋዕላና ታተ ይብል እግሪ ተኺሉ
እምነ ሰረት ኣውዲቑ እዝጊ መሪቑሉ
ህዝበይ ወጊሑዩ ሽግርካ ተቓሊሉ
ንዕጥይጥይ ዝብል ኣይተስተብህለሉ

ክፍተን'ዩ ህዝቢ ክበታትኑ ብደቂ ህግደፍ
ሀለውሎው ከም ዕቡድ ወልከፍከፍ
በተን ዘለዋ መርበባት ልሳነ ህግደፍ
ይውቅዑ ኮቦሮ ውድቀቶም ዘይተርፍ

ዘለና ንጠርነፍ ኣብ ሓደ መኣዲ
ከይበረሰት ከላ'ዛ ተካሊት ዓዲ
ንግደፎ ትንኩልና ዘራግ ዓውዲ
እናረአና ኣይንሃባ ንበላዕተኛ ነጋዲ


ኣለናካ ጥራይ ታይክዓብሰሉ ህዝብና
ንሕና ንደሊ ንሰላም ንራህዋ ዝመርሓና
ምርቓቕ ፍልስፍና ንዳሕራይ ይኹነልና
ብዘይ ዕጥይጥይ ቅድም ሃገርና ነድሕና  
ጠማቲኣ ብዙሕዩ ንኤረ ከይምንጥሉና

ዘተሃላልኽ ስልጣን ድዩ? ተማቐልዎ
መፈጠሩ ዝጸልአ ኮለል ኣይተብልዎ
ብቕንዕና ብግብሪ ኣለናካ ቅሰን በልዎ
ተሰሪቱ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ኣሰላስልዎ
ድሕሪ ኣዲስ ኣበባ ኣስመራ ኣለና በልዎ

ኩሉዝምነዮ ሃገራዊ ዋዕላ ተጀሚሩሎ
ህዝቢ ተሃንጥዩ ሃንቀውሉ ይጽበዩ ዘሎ
ዘይካ ህግደፍ ጽቡቕ ዘይምነ መናሎ?
ብዘይካቲ ሓሳዊ ሓቍፉ እሽርሩ ዘብሎ
ብናይ ሓሶት ብስብከት ኣስኪሩ ዘጸለሎ
ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...