ድሓን ከሎ ድሓን ከሎ
ሰበይቲ ተደፊራ ተደርብያ ድሓን
ተገፉፉ ተዘሪፉ ተቐቲሉ ጠፉኡ ድሓን
ድሓን’ዶ ኣሎ ድሓን ከሎ
ይእበ ይተኣለ ድሓን ንኩሉ ድሓን
እቲ ናብ ብሓቂ ድሓን ከሎ
ድሓን ድሓን ንምድሓን
ድሕሪ ምጥሓን ምጥፋእ?
ድሕሪ እንታይ ክደሓን ከሎ ከሎ
ኩሉ ድሕሪ ምህላዉ እንከሎ
እንተላይ ሓሳብ እንተላይ ግብሪ
እንታይ ክንገብር እንታይ ምስተዳሎ’ዶ ይበሃል
ድሓን ድሓን ድሓን ከሎ ምድሪ
ክሳብ ዝዳሎ የሎን ይህሉ ድሓን እናተባሃል
ድሓን እንዳተጣሓንካስ ድሓን?
ሓድሽ ቅልዉ እንከሎ
ማይ ውዑይ ፈለኽለኽ እንከሎ
ንቛንጣ ዝኸውን ጠስሚ እንከሎ
ንጥሕሎ’ዶ ትዳሎ?
ግዕዝም ጤል እንከሎ
ጅንጅብልን ቡንን እንከሎ
ሸያን ብርኩታን እንከሎ
ንርኡይ’ዶ ትዳሎ?
ቅሙጥ ሽሮ እንከሎ
ሕልበት ናይ ኣማኢት ዓመት ከሎ
ዓተር ወዲ ዓተር ተር ተር
ተኸባበር ተኸባበር ቅጫ ዓተር
መንደላይ ተመን ንዝግራህምበር...
Updated
ንሃገራዊ ዋዕላ ነሓሰ 10፤ 2010
ኣዲስ ኣበባ፤ ኢትዮጵያ
Ararat is the author of “Blankets of Sand, poems of war & exile” and has written several Tigrinya poems in “Fresh Air”Asmarino (2002-2003). Please contact at the email given.
{jcomments off}