ታዓዊትና ሕድሪ ሰማእታትና ኣተግቢርና
ጸረ ሓድነትና ህግደፍ ምዃኑ ተሳማሚዕና ወጺና

ታዓዊትና ሓደ ሱጉምቲ ንቕድሚት ከድና
ካብ ሩሑቕን ቀረባን ተአኻኺብና
ናይ ሃገርና ሽግር ክንፈትሖ ተዛቲና
ብጉዳይ ሃገርና ኢሂን ሚሂን ተባሃሂልና

ኣብ ሞንጎና ዘሎ ፍልሊይ ኣጻቢብና
ጸላኢ ትሺዓተ ቢሄራት ህግደፍ እዩ ኢልና
ብሓደ ድምጺ ተሳማሚዕና ወጺና
አዊያት ስደተኛታት ሰሚዕናዮ ብጽሞና።

ህዝቢ ኤረትራ ታሓጎስ ሰሚዕካ ጡዑም ወረ
ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ህዝባዊ ቃልሲ ከም ዝተጀምረ
ህዝቢ ምስ ኤረትራዊ ኪዳን ሰለ ዝሰመረ።

ሕጂ እዩ ብውሽጥን ብደገን ዘድሊ ጎስጓስ
ንጃንዳ ህግደፍ ከየልገስካ የሎን ድቃስ
ሓድነትና ሰሚዑ ሎኽመኛ ሰኢኑ ድቃስ
ስኽር ሓዲሩ ከብዱ ክሳብ ዝፋሓስ።

ተኻፈልቲ ዋዕላ ኣብ በቦታኹም ንህዝቢ ኣበስሩ
ናይ ሓድነትና ጠንቂ ህግደፍ ምዃኑ ንገሩ
ተቓወምቲን ህዝብን ብሓደ ድምጺ ዘስመረሉ።
 
ዋዕላ ንለውጢ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት
ንሱ እዩ ነሩ ናይ ህዝብና ትምኒት።
ብዘይ አፋላላይ ተሳኒና ክንወጽእ ብሰኒት።

ካብ ተሳታፊ ዋዕላ ንለውጢ ብስራት ተቐበሉ
ተኻፋሊ ሃገራዊ ዋዕላ ብሓደ ድምጺ ዘስመረሉ
ዘራጊ ሓድነትና ህግደፍ ምዃኑ ዝተሳማምዕሉ።
 
ብዘይ አፋላላይ ትሸዓተ ቢሄራት ተላዒለን
ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ሓድነት ዘቲየን ኩለን
ህግደፍ እዩ ጸረ ሓድነትና ኢለን አሚነን።

ተዳናጋጺ ህግደፍ ድሕሪ ሕጂ ቦታ ነይብሉ
አብ ቅድሚ ህዝቢ ዝጸንሕ እዝጊ ጸሊኡሉ
ህዝቢ ቆሪጹ ተላዒሉ ክካላኸል ንመሰሉ።

ኣብቲ ዋዕላ ተራጋጊጹ ሃገራዊ ሓድነት
ኣብቲ ዋዕላ ተራጋጊጹ ሃገራዊ ስነት
ሃገራዊ ዋዕላ ወሲኑ ንስርዓት ህግደፍ ክምክት።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊትለምለም
ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...