ካሓተኩም ከሓተክን ንምጽላምና ዝተላእኩ ተዃሉ፧
ተዛራቢ ትግርኛ ጥራይ ድዩ አብ ሃገራዊ ዋዕላ ተኻፊሉ

መልሲ ንአብ ዋዕላ ምክፋልና  ዘሕመመን
አጋፈርቲ ጃንዳ ህግደፍ ዕንቅርቢት ተመን
ክሳብ ማዓስ እየን’ከ ክነብራ ከምኡ ኢለን።

መመላእታ ክንከውን ኣብ ዋዕላ ኣተጸዋዕናን
ናይ ዝኾነ መሳርሒ  ወን ኣይኮናን
ዘረባ ወይጦታት ድንብርጽ ኣይብለናን።

ከምቶም ዑሩባት ሕልና መዓስ ኮና ንሕና
ኣብ ጉዳይ ሃገርና ጻዊዒት መዓስ የድሊየና
ገንዘብና ከፊልና ክንከይድ ድልዋት ነርና
ከም ህዝብና እንተዘይ ክፈለልና
ንድሕነት ህዝብና  ምስ ደቀይ ክንቃለስ ድልዋት ኢና
ደሞክራስያዊ ስርዓት ክሳብ ዝትከል ኣብ ሃገርና።

ንመንእሰያት ምውካሎም ጸላዕላዕ አቢሉክን
ምስ አቦኦም ወጻኢታት ተኸፊልሎም ዝበልክን
ንደቅኽን ወጽዓ ህዝቦም ምስትምሃር ይሕሸክን
አብ ጓይላታት ህግደፍ ካብ ትሰዳ ንደቅኽን።

እቶም ትግርኛ ዘይፈልጡስ ምስ ደቀዓዶም ተላሊዮም
ምስ ወጽዓ ህግደፍ ዝመረራም ዘቲዮም
ጸረ ምልካዊ ስርዓት ክምክቱ ቃል አቲዮም
መንእሰያትና ናብ ቦቦቶኦም ብሰላም ተመሊሶም።

መመላእታ ንአዲስ አበባ ተጸዊዖም ዝተባህሉ።
ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት ጸረ ምልኪ ዝተኻፈሉ
ኣብ ከተማታት ኣውሮጳ ንህዝቦም ዘእወዩሉ
እቶም ምስ ኣቦኦም ሃገራዊ ዋዕላ ዝተኻፈሉ።

በርሀ ምስ ደቁ መታን ክካፈሉ  መን ኣትሪፍኩም
ከም ህዝብኹም መጸዋዕታ መጺእኩም
ሓልዮት ህዝቢ እንተዝህልዎኩም
ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ከማና ምተኻፈልኩም ።

ካብ ትብሉና ድምጺ መሰልና ደሊና
ምባል ይሕሸኩም ድምጺ ህግደፍ ደሊና
ጸረ ተቓወምቲ ከም ዝተዓጠቕኩም ፈሊጥና።

ጸረ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብዚሔን እህህትታ
ሽም ለዊጠን ዝጽውዓ ብፍርቱና ባህታ
ሑቡኣት ህግደፍ አብ ኣውሮጳ ዝሸፈታ
ከይደቀሳ ዝሓድራ ክንዲ ህግደፍ ክማጎታ።

ካብ ኣዳራሽ ዋዕላ ምስ ነጎደ እልልታ
ወቓዒት ኮቦሮ ህግደፍ መልሓሳ ተለኺታ
እቲ መሪር ታሪኽ ህግደፍ ክከውን ንዛንታ
ዓዲ ጀጋኑ ኣይትነብርን ብሸፋቱ ተባሒታ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ኤረና ንለብዘበን እንበር ንዓመታስ ሸዊት ለምለም
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...