"ሸባብ" (መንእሰይ ዝብል ቃል ኣበይ ከይዱ?)

"ኣይተዛረብካን…ኣይተዛረብካን ንስኻ ኣንነት ኣየጥቅዓካን" (ኣፉ ተዓቢሱ)
"ባህርኻ’ውን ይነጽጎ’ዩ ጸፍ በሃሊ ኣይኮንካን" (እምኒ ተሰኪሙ)
"ኣርሓ ቅያታት እናተኸላኸልካ ከም ተልምዕ" (ቅያ ነጻነት ኣበይ ኣሎ?)
"ኣፍ ኣውጺኡ ስራሕካ እንሆ" (ስራሕካ ንመነ መን ይጠቕም?)
"ካብ ጻት ንጻት የስምዕ" (የስምዕ በየናይ ድምጺ?)

"ሓበን ሃገር" (ብኣሽሓት ዝሃድምን ዝህደንን ዝምዝመዝን ዘሎ)
"ተውለ ምዃንኻ ሰራሕ ተኣምር" (ብጊልያነት? ዝመጽእ ተኣምር!)
"ልዕሊ ኣጻምእ መንኣሎ ዝምስክር" (ኣጻምእ ሊብያን ሰሃርን ይምስክር)
"ዛንታ ኾይኑ ኣሰር ተሳኢንዎ ምድረበዳ" (ብተመልከተለይ እናተቐተልካ)
"ከደት ከቲማ ከደት ከቲማ ከደት ከቲማ" (ንባጽዕ ምጽዋዕ ሕተታ ከተማ ናይ ምዃን)
"ዓዲ ብዓዳ" (ብኤንጂኦን ናይ ወጻኢ ገንዘብን ነጻ ጉልበትን)



"ሃገር ቀይርካያ መልክዓ ወቂቡ" (ዝነበረ ከይተረፈ ጠፊኡ መልክዓ)
"ስልጣነ ማሪኽካዮ እወ ኢዱ ሂቡ" (ስልጣነ ጥርሑ ምስተረፈ ጽርግያ ኤርትራ!!!!!!)
"ተቓሊሑ ጭርሖኻ ስራሕ ኮይኑ ቴማ" (ስራሕ ብጥርሑ ዕድመ ልክዑ)
"ድርኩኺት ራህዋ ተበጺሑ እቲ ዋዜማ" (ራህዋ ንመራሕቲ ህ.ግ.ደ.ፍ.)
"ሸባብ" (ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ትጽሕፍ ከምዘለኻ ረሲዕካ መንእሰይኳ ከይትብል ክትመስል)

"ብንእስነት ኣይተታለልካን ኣይመሰጠካን ፈንጠዝያ" (ንቡር ኣይረኸብካን ብግፋ እናተወሰድካ?)
"ብትህኪት ሸለልትነት ኣይኣተኻን ኣብ ድብያ" (ብድብያ ካብ ማህጸን ተወሲድካ)
"ሓላፍነት ተሰሚዑካ ናይ ሃገር ብዓባያ" (ዘረከቡኻ ተጋደልቲ ጠፊኦም ምስፈለጥካ)
"መወከሲ ንቕሓት ኣብነት ኴንካ ኣርኣያ" (ባይታ ኣበይሞ ኣሎ ንንቕሓት ንምሕሳብ)

"ኣብነት ኴንካ ኣርኣያ" (ኣብነት ዓሳ ብርእሳ ትጨኑ ምስ ረኣኻ)
"ብመጠን ኣበርክቶኻ ብዝዓመምካዮ ሞያ" (ሞያ ብዘይድልየትካ)
"ንዓኻዶ ይውሕደካ ኢዩ ቁንጣሮ’ዩ መዳልያ" (ናእዳስ ንተጋደልቲ እኳ ኣይጠቐመን)
"ሸባብ ኤረትርያ ጅግና’ኳ ይውሕደካ" (ምስ ሶማልያ እንታይ ኣዛመድካ?)
"ሸባብ ኤረትርያ ጅግና’ኳ ይንእሰካ!" (ወይስ ክትናኣድ ብመራሕትኻ?)

"ግጥሚ፡- ሳሙኤል ኣልመደ"

ካብ ሓዳስ ኤርትራ 8/7/2010


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...