ኣዕዋፍና ብረራ ኪዳ ናብ ኤርትራ
ነገር ተመሓይሹ እናልክን ኣበስራ

ሰናይ ተበሲርና ዋዕላ ሎምቅነ
ሀገራዊ ቃልሲ ሓቢሩ ሓደ ኮነ
ካብ ሱሩ ክሞሖ ጨካን ኣረመኔ 
ውላዱ ወፍዩ ዓስቡ ሓዘን ዝኾነ
ክድበስ እዩ ብዲክታቶር ዝሓዘነ

ነብሱ ክፈቅድ ብህ.ግ.ደ.ፍ. ዝማሰነ      
ዓዱ ክምለስ ከም ዑፍ ዝተሃድነ     
ኣየር ሃገሩ ከተንፍስ ነጻ ከይደነነ
ምዩቕ ከይበለ ቃሉ ከይተመዝነ  
ሰላዪ ዘይብላ ዘፋራርሕ ተተፍነነ
 


ኣዕዋፍ ተለዓላ ዘምብያ ብረራ
ንሰላምና ዝምነ ከድክን ኣበስራ
ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፋ ንኤርትራ
ንገራ ኣምበልብላ ሓዳስ ባንደራ

ዓለባ ህ.ግ.ደ.ፍ. ተልግስ ንሓዋራ
ሃሳስ ጨርቂ ስቓይ መሓውራ
ህዝብና ዘህለቐት ኣርማ መከራ 
ንባሕሪ ስጥማኣ ኣውሊዕና ቀይራ

ብሰላም ተፈቲሑ ዝነበረ ቁሩቁስ 
ህዝቢ ከም ቀደሙ ቀሲኑ ክድቅስ
ህ.ግ.ደ.ፍ. ተጋዓረ ተበለ ፈኾስኮስ
ዝበጽሖ የለን ሓቢጡ ይቶኮስ

ካልኦትውን ጨዲሮም ከም ቆልዑ
ዋጋ ኣይትሃብዎም ግደፍዎም ከጉሩዑ
ዓንገረር ይበሉ ጎሮርኦም ይንቅዑ
ዝሰምዖም የለን ኣብ ጉዳይና ጽንዑ 
 
ሰላም ክንረክብ ሃገርውን ክርህዋ
ሓቢርና ክንሃንጻ ህግደፍ ዘባላሸዋ
መናእሰይ ተመሊሶም ከማዕብልዋ 
መሰሎም ተሓልዩ ግርማ ከልብስዋ

ክንጅምሮ ሓድሽ ትንሳኤ ኤርትራ
ድሃይ ሳዋ ከይሰምዐ ቀሲኑ ክነብራ
ከም ንምነዮ ደሞክራሲ ክንቅይራ 
ንህ.ግ.ደ.ፍ. ኣሊና ድላይና ክንዞራ
ዓመጽቲ ከይፍጠሩ ክንቆጻጸራ

ዎ ውጹዕ ህዝቢ ሎምስ ክወግሕዩ 
ህግ.ደ.ፍ. ሓድጊ የብሉን መኺኑዩ
ከም ዝሞተ ኣድጊ ረሳኡ ክጓተትዩ 
ባዕሉ ዝኣጎዳ ሓዊ ባዕሉ ክስሕናዩ
ዝበድዖን ዝናዓቖን ሎሚ ክፍደያዩ

ሸማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ሰራሕ ቅያ
ጥዑም ወረ ኣስሚዕካና ታንጽበያ 
ሕልሚ ሃንቀውታና ሃገራዊ ዋዕላያ
ወያ ህዝቢ ዝትብነያ ልክዓ ሂብካያ

ለውጢዩ ዝደሊ ዝመረሮ ህዝብና
ብዙሕ ዘመን ዘሕለፈ ብጭኮና
ካብ እንስሳ ንታሕቲ ተቖጺርና  
እንበዝሕ ንሃ.ዋዕላ ካብ ጸዋዕና
ኣባይኩም ይደፋእ ኪሒስኩሙና

መርሓባ ጥርናፈ ንሰላም ስምረት
ብሃገራን ህዝባን ተሻቒላ ዝነበረት 
ጸባ ኣስቲኹሙና ደቂ ኤረ ሓየት
ይግበረልና ኣሜን ፍጹም ዓወት

ኣዕዋፍ ብረራ መንፈስክን ኣሐድሳ 
ውጹዕ ህዝቢ ኣጆኻ በልኦ ኣደዓዕሳ
ንሰላም መዝሙር ሓቢርክን ቀድሳ
ጥዑም ዜማኽን ኣውጊሕክን ወድሳ
ኤርትራ ዙራ ኩሉ መታሕት ከበሳ  
ዮሃና መጻእና በልኦ ሳዕስዓሉ ደንሳ


ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

08/08/2010 Norway

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...