“ሓዳስ ኤርትራ 21 ግንቦት 2010 2
ወያነን ለኣኽቱን ኣሳሰይቶምን፤ ጠቐነኦምን ሓሶቶምን። ምስ ግዜ እናተቓልዐ ይብርዕን ስለዘሎ፤ ጭንቀቶም ዓሪጉ። ኣብዚ መወዳእታ እዋን። ምስ ጽዑቕ ዘመተ ዝተሰነየ ክሲታት ናብ ባይቶ ጸጥታ መስሪቶም ኣለዉ፣ ተዓዛቢ ብወረ ጥራይ ከይሰምዖ፤ እዚ ንባይቶ ጸጥታ ንዕቀትን ጸርፊን’ዩ ጥራይ ኪበሃል ዝከኣል ዝበለየ ሕሱር ጸወታን ዝርዝራቱን ከምዘለዎ ነቕርበልኩም።- ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት”

እስኪ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. መራሒ መግለጺ እንታይ ኮን ንማለት እዩ ወጺኡ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ክፍትን።

ብዓይኒ ኢሳያስ “ወያነ” ድኣምበር ሕዝቢ ኤርትራ’ስ ብዝወረዶ ግፍዒ መስርሕ ኣካይዱ “ክሲ” ክምስረት ኣይክእልን እዩ።

“ወያነ”ን ለኣኽቱን፤ ኣሜሪካ ማለት እዩ። “ጠቐነ” “ሓሶት” ብጀካይ ካልኦ ኣይውንኖን እዩ። ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ ብ”ጠቐነን” “ሓሶትን” ዘወረድክዎ መከራ ኣይሕሰብን እዩ።

“ይብርዕን”፤ ከቢድ ቃላት ምጥቃም ኣመል ኢሳያስ እዩ። ካብ መዝገብ ቃላት እናወሰድካ ከም “ምሁር”ን ኪኢላን መዳሪ ምምሳል። ግዜኡ ዝሓለፎን ሰማዒን ኣንባቢን ዝረብረበሉ ጉዳይ እዩ።

“ጭንቀቶም ዓሪጉ”፤ ጭንቀት’ዶ ይዓርግ እዩ? ዓሪጉ ትብል ቃል ዝያዳ “ሃይማኖታዊትን” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ድኣምበር ከም መዓልታዊ እትጥቀመላ ቃላ ኣይኮነትን። ትኪ ከይተረፈ በኒኑ እዩ ዝበሃል እምበር ዓሪጉ ኣይበሃልን። ኢስያስ ግን ንሰባትን እምነታትን ቃላትን ናይ ምምርሳሕን ምክሽማሽን ምድቛስን ምጭፍላቕን ኣመል ኣለዎ። ናይ ኤርትራ ዓሌታት ብሄራት ቋንቋታት ካብ ምንእኣስን ምጽናትን ሓሊፉ ንሙሉእ ኣፍሪቃን ሕዝባን ዝጸረፈ ሰብ እዩ። ስለዝተኣገደ’ምበር ንዖዖም እውን ብተገባር ኣይምገደፈን።

ኣብ መደምደምታ ከምቲ ርእይቶ ወሃቢ “ሻሎም ኤርትራ” ብዕለት 5/23/10 ኢሳያስ ንሕዝቢ ኤርትራ “ኣበይ ዘሎ ህዝቢ እዩ? እንተሎ ፈርሲ እንተሞተ ድኹዒ” ኢሉ ዝበሎ፣ ሕጅ’ውን ነዚ ኣብ ዕለት 21፡ 2010 ዝወጸ ናይ ሓዳስ ኤርትራ “ዝርዝር” ንሃልኪ ዘይኮነስ ነዚኦም ኤርትራውያን ከም መጻወቲ ካርታ፣ ኣብ ባደላ ቆልዩ፣ ኣብሲሉ፣ ዕድሜኦም ንዑዑ ከገልገሉ ጸሓይ ዝዓረበቶም ንዓለም ኣቕሪቡ፣ እዚኦም ድዮም እቶም ትብልዎም ዘለኹም? እንሀውለ ኣብ ቅርዓት። ንዓይን ንፈተውተይን ስድራ ቤተይን እቶም ኣብ ገበነይ ኣብ ምትግባር ዝተሳተፉ ገለ ካብ ኣሕዋተይን ጥራሕ ኣድሕኑለይ እዩ ዝብል ዘሎ። 
 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...