ኣርባዕተ ፊደላ እዛ በዓልቲ ጋማ
ነጻነት ጥዕምቲ ኣልቢስክና ግርማ
ክቡር’ዩ ዋጋኺ ዘይብልኪ መዘና
   ክቡር እዩ ዋጋኪ ነጻነት ምቅርቲ
   ዝተሃንጸ ሰረት ብኽቡር የዕጽምቲ።
   ዝተጻሕፈ ታሪኽኪ ብደም መኳንንቲ
ኣሽሓት ሂወት ተኸፊሉ ዋጋ
ቀያሕትን ጸለምትን ናይ ሃገር ዕንባባ
ክቡር እያ ወሲዳ ዋጋአ ብኣጋ
   ዮሃና ተቀበል ባርካ ሳሕል ዝተበጀኻ
   ኣብ ታባታት ስርንጭሮ ዝተረፈ የዕጽምትኻ
   ሓመድ ኣዳም ዘይለበሰ እቲ ክቡር ስጋኻ።
 
ዮሃና ተቀበል ዝተረፍካ ሰራየ ኣከለ ሓማስየን
ወዲ ሓራስ ነብሪ ኣንታ ኣላይ ወሰን
ዓምቢብኪ ፍረይ ኤርትራዊት ማህጸን
   ኣብ ሰንሒት ኣብ ሰምሃር ከምኡ’ዉን ደንካልያ
   ኣብ ጋሽ ሰቲት ጎቦ ዱታ ክብላ
   ደምካ ምስ ዛረየ ዝበልዓካ ኣሞራ።
ኣንታ ብርኪ ሊሎ ትሰምዕ’ዶ ለኻ?
ኣይትመጽእንዶ መቓብር ፈንቂልካ?
ዝሓለፊ ቂያ ክትገልጽ ታሪካ
   ነብሲ ወከፍና ተዘክሮ ኣሎና።
   ብዙሓት እዮም ዝኽጀሉ ኣብ ቅድሚ ዓይንና
   ደቂ ሓንቲ ማሕጸን ሞባእ ኣወፊና።
 
ናይ ንእስነት ላዛ እቲ ክቡር ዓርክኻ
ወዲ ቤት ትምህርቲ ከምኡ መዘናኻ
ተወፍዮም እዚኦም ንኽብሉ ንዓኻ።
  ረኺበ ደብዳቤ ዝጠልቀየት ብደም
  ሕድሪ ዝተሰከመት ዘይሃሰሰ ቀለም
  ናብ ክብርቲ ብጸይቱ በዓልቲ ኪዳኑ
  ተላብዩ ሓሊፉ ክዕርፍ እቲ ጎኑ።
ኣብ መሃጸንኪ ዘሎ እቲ ፍረ ናተይ
ጽንዓት በልዮ ክብርቲ ብጸይተይ
ወዲ ይኹን ጓል ከይትጠልሚ ሕድረይ።
  ዘለኣለም ዘይርሳዕ ዘይክወል ካባና
  ሕድሪ ኣለና ናይቶም ጀጋኑና
  ዘይሃስስ ቀለም ብደም ዝጻሓፉልና።
 
ብዕጽምቱ ሰሪቱ ዓቢ ድልድል
ንዘለኣለም ኤርትራ ከቢራ ክትነብር
ለበዉኡ እዩ ነይሩ ንኹሉ ዝሕብር
  ነዚ ጽንኩር ኩነት ሰጊርካ ብትብዓት
  መን ነይሩ ምሳኻ ኣብታ ጸባብ ሰዓት
  መን’ከ ገበረልካ ቀብሪ ስነ ስርዓት።
ኣንታ ብርኪ ሊሎ በዓል ቑምጣ ስረ
ጀብጀብ ጸጉሩ ናብ ገጹ ዘበለ
ጅግና ናይ ጀጋኑ ብማዕዶ ዝልለ
   ብሃልሃልታ ሓዊ ረመጽ ተሳጊርካ
   ኣጻምእ  ምድረበዳ ጎቦታት ነጢርካ
   ኣብታ ጨካን ሰዓት ሲኢና ናዓኻ።
 
ለካስ ተበጂዩ ዓመታት ሓሊፉ
ነቲ ክቡር ታሪኽ ብደሙ ጺሒፉ
ዘለኣለም ከይዱ የዕጽምቱ ረጊፉ
   ንሽሾ ሰራዊት ኣላሽ ኣቢልካዮ
   ብደምካ ክቡር ታሪኽ ጺሒፍካዮ
   ልዑውነት ሃገር ኣረጋጊጽካዮ።
መስተንክር ቅያኻ ዝሓለፈ ኩሉ
ታሪኽ ተዝግንጸል ተዝንገረሉ
ሰብ ፍጡር ምዃንካ ምስተጣራጠሩ
   ተጨዉዩ ጻማኻ ብዓመጽቲ
   መብጽዓኻ ጠሊሞም እዞም ኣጋንንቲ
   ተዘሚቱ ሃገርካ ናይ ኣቦኻ ርስቲ።
 
እወ ተጠሊሙ መብጻዓኻ
ዓዲ ምስ ኣተኻ ኣብ ምቑሕ ደርበዮምኻ
ፍርዲ ዘይብሉ ኣብ ጉዱጓድ ሰፊርካ
  ኣንታ መንእሰይ ናይ ሕጂ ወለዶ
  ትስደድ ዘለኻ ገዲፍካ ዓዶቦ
  ሃየ’ባ መክት ግበር ሓቦ።
ኣብ ፈቀዶ ሃገር ፋሕ ብትን ኣትዩካ
ከም ደቂ ዛግራ መዕለቢ ሲኢንካ
ኣብ ባሕሪ ዉቕያኖስ መፍቶ ዓሳ ኮንካ።

  ትእዊ ኣላ መሬየት ረዳኢ ሲኢና
  መንእሰይ ክረግፍ ደም እንዳ ጣዓማ
  ወላዲት ተኾርምያ ዉላዳ ሲኢና።
ዕሸላት ደቂኺ ኩሎም ክዝመቱ
ንረብሓ ዉልቀሰባት ዓይኖም ክዕመቱ
ደጊም ይኣኽለኪ ፍለጥዮ ብልሓቱ።
 
   ኤርትራዊት ኣደ ዝወረዳ ማዓት
   ኣብ ክንዲ ደበሳ ተተርኢሳ ንብዓት
   ሕጂ ከፊእዋ ዘይሓዊ መንዳዓት።
 
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስዉኣትና
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ
ዉድቀት ንዲክታተራዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.
  
 
 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...