ቋሕ በሉ ንደቒቕ

ምድቃ’ሲ ደቅሱ - ድቃስ ጥዑም’ዩ
ሕልምኹም ‘ንደሞ - ምውዳእ ኣብዩ
ቋሕ በሉ ንደቒቕ - ሃገርኩም ረኣዩ
ሃጽ ኢሉ ክጠፍእ - ዘዝተወለደ ኩሉ

ኩነታት የሕዋትኩም - ኣብ መሬት ኣብ ባሕሪ
ሕልሚ’ኳ ኣይኮነን - ክዉን’ዩ ብጋህዲ
ዜጋ ጠምዩ - ክብል ኩርምይ ዕጽፍ
ቋሕ በሉ ንደቒቕ - መርምሩ ጎንኹም
መበገሲኡ እንታ’ዩ - እዚ ኹሉ ዕርምርም

ሕተቱ ነብስኹም - ሓንጎልኩ ክፈቱ
ቋሕ በሉ ንደቒቕ - ናይ ሕጂ ግበሩ
ኣብ ዝና ሰማንያታት - ፍጹም ኣይትሓምብሱ
ተስፋ ናይ ቴስዓታት - ዘኪርኩም ኣይተጉስዑ

ኣስተውዕሉ ኣለልዩ - መን’ዩ ተቐይሩ
ሰዓቡ ደግፉ - ነቲ ዘጽንዐ ሕድሩ
ቋሕ በሉ ንደቒቕ - ብጻይኩም ዘክሩ
ትማሊ ትማሊ - ዝበለኩም ሕድሪ

ከተብጽሑ ሽግ - ኮሊዕኩም መብራህቲ
ሓርነት ንሃገር - ናጽነት ንህዝቢ
ኳን ረሲዕኩሞ - ኣይ ሳልስቲ ወርሒ
ኣይፋልኩምን ግደፉ - ዘክሩ’ቲ ሕድሪ

ቋሕ በሉ ንደቒቕ - ኣነጽሩ ሓገዝኩም
መንገዲ ኣይክየድን - ዓይንኻ ኣቢልካ ሰም
ቋሕ በሉ ንደቒቕ - ገደል ከይኣተ
ኹም


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...