ኩሉ ተዓኒዱ
እዋይ ጉድ - ኩሉ ተዓኒዱ
‘ንዳረኣየ ኸሎ - ሕሰም ኣሕዋቱ
በቃ ትም - ትም መሪጹ
ዓይኒ ዕምት - ኣፍ ሕትም
ሙኻን ናቱ ይሓይሽ - ዝመረጸ ትም
ፈትዩ ኣይመስልን - ኢሉ’ዩ ዕንድ
ምዝራብ ስኢኑ - ኣፉ ሉክት
ኣነ ዝገርመኒ - ናይ’ቲ ዝልፍልፍ
ዓይኒ ሰብ - ምንቋር ዝመርጽ
ንጻዕዳ ጸሊም - በ’ሕዋቱ ዘላግጽ
ናይ ሰብ ቁስሊ - ብዕንጨይቲ ዝትንክፍ
ሕሉፍ ድማ ሎምስ - ተሰሚዑ ዘይፈልጥ
‘ንዳተሳቐየ ሓውኻ - ይብሉኻ በል ዕልል
ዝሰማዕካዮ ኣይትዛረብ - ዝረኣኻዮ ኣይትመስክር
ደናቁር ከይትብሎም - ዘበሉ ዶክተር
እዋይ ክኸፍእ - ምሁር ክድንቁር
ብደዉ ኸሎ - ክብል ዕንድ
ሓቂ ድዩ ተኸዊልዎም - ፍጹም ዘይተራእዮም
ወይስ ብጠጠዎም - ምሕርናኽ ጀሚሮም
ንኣውያት ኣሕዋት - ጸማም እዝኒ ሂቦም
ምምዝዛን ስኢኖም - ጥቕሚ ኣስኪርዎም
ንዘየለ ተስፋ - ከጨብጡ ተዓጢቖም
ሓሶት ‘ንተተኾመረሲ - ሓቂ ዝቕየር መሲልዎም