እታ ብዓርቢ 04/30/2010  ኣብ ኣዝማሪኖ ዓምዲ አንግሊዝ ብዶክተር ጋይም “The Prisoner” ብዝብል ኣርእስቲ ተገጢማ ዝቐረበት ንትዕድልቲ ናይቶም ኣብ ኩሉ ቤት ማአሰርቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዘይ ፍትሒ ኣብ ምድራዊት ገሃነብ ንዓመታት ዝሳቕዩ ዘለዉ ዜጋታትና እትዝክር ግጥሚ ብትሑዝቶን ዕምቖት መልእኽታን ኣዝያ ስለ ዝመሰጠትኒ ብዝካኣለኒ መጠን ናብ ትግርኛ ቶርጊመን ኣማሓይሸን ኣቕርባ ኣለኹ። ትሕዝቶ ናይታ ግጥሚ ብልክዕ ከቕርቦ ብዘይምኽኣለይ ምስ ብዙሕ ይቕሬታ። ንዶክተር ሓበን ድማ ልባዊ ኣድናቖትን ምስጋናን የቕርብ።

ሓንቲ ዘይተላቡ ጥይት ንቕባጸት ንሞት
ዓባይ ህያብ’ያ ኣብ ምድረገሃነብ ኣብ ምረት።             

ወጋሕታ ሰዓት 5 እትስእ አሕተት ንኽለፋለፍ
ብዘይ ፍትሒ ኣብ ገረብ እእሰር እደሚ እግረፍ።

መሊሶም እድርብዩኒ ናብታ ሸላ ክነጽፍ ዛራዪ ንብዓተይ
አቲ ሩሕ እንዶ’ሞ ተጸንቒቑ ከይበኪ ከየውጽእ ነድረይ።

ንግሆ ሰዓት 8 ንመሮር ንወፍር ተኾብኪብና
ከመይ ኢልካ’ሞ  ክስጎም ረኺሱ ቖሲሉ ኣእጋርና።
 
እድፋእ እንውነው እምናዕ በቲ ሕሉል ዋርድያ
ቀልጥፍ! ይብል ብዓውታ ይገርፈኒ ብዘይንሕስያ።


አዚ ኹሉ ሓሳረመከራ ዑቑር ሽንቲ ቐልቐል ንምንጋፍ
ጠበንዻ ኣብ ርእሰይ ይቐንዕ፡ይቕጽል ስቓየይ ብጭካነ እግረፍ።
 
ዳግም እምለስ ናብታ ሸላ ንሳ’ውን ረስኒ ትተፍእ ዝያዳ 10 ዲግሪ ትቖጽር
ኽሌማ’ውን ብግዲኡ ኣይናሓፈንን ተሓባበረ ምስቲ ሕሉል ወተሃደር።
             
ማይ! ማይ…. በልኩ በኸኹ ገዓርኩ በቲ ጽሙአ ጎሮረይ
ሻሂ ምስ ቁራስ ሕብስቲ ጥራይ ደኣ ኣምጻኣለይ።
 
ምስለይ ተደዊኑ ብረሃጽ፡ ሰብነተይ ማሲኑ ብቓንዛ ብስቓይ
ቑልቑል ኣፈይ ወደቕኩ፡ ተመነኹ ብርነት ጸላእኩ’ውን ምፍጣረይ።
           
መንፈሰይ ተሰብረ ኽብረይ’ውን ተደፍረኒ
ፍጹም ተወጃቢሩኒ ጭካኒኦም ምርዳእ ኣብዩኒ።
 
እንታዩ ኣበሳይ እንታዩ በደለይ እስኪ ንገሩኒ እንታይ?
ስለዝጻሓፍኩ ድዩ ወይስ እቲ ፈጣሪ ዝሃበኒ ቓለይ።
        
እንታይ እዩ'ሞ እንተጻሓፍኩ እንተጸወኹ ናይ ልበይ ቐልበይ
ኣይበዝሐን'ዶ ዓይነይ ዒረ ክንሰይ ጸልሚቱ ሂወተይ።
አዚ ኺኖቲ ኣካላዊ መግረፍተስቓይ ዝያዳ ዝኸደ
ኩሉ’ቲ ዝሓለፈ ቓልሲ ካብ 1974 ክጽብጽቦ በብሓደ
ዘሕዝን ክትርድኦ፡ ዘጸግም መደምደምታ ኣልቦ ዝገደደ።

ከይዛረብ ኣፈይ ተሎኪቱ ተነፊገ ሰብኣዊ መሰለይ
ማዕከናት ዜና የለዋን ብኣይ ከይሓታ ከየቓላሓለይ
            
ሓርቢቱኒ ተስፋ ርሒቑኒ፡ ተረበጽኩ ተናወጸ ኣእምሮይ
ፍትሕን ርትዕን አለዋን ከይዳንያ ከይጣበቓለይ
            
ከካርጃዶ ዕምረይ፡ ክሓጽር ዕድመይ ከኸትም ሂወተይ
ኣበደን! ኩሉ ክጾሮ’የ ስለታ ፈቓር ለዋህ ስድራ ቤተይ።

ዛጊት ሰዓት 8 ናይ ምሸት ኮይኑ እቲ ቐዝሒ’ውን ኣብ ኣዕጽምተይ
ኣብ ምድሪ ኣብ ኹርኻሕ አድቕስ እምኒ መተርኣሰይ።

ንትሽዓተ ዓመት መመላአታ መግረፍተስቓይ
ትሽዓተ ዓመት ኣለሽ ኢለ ቐሊዐ ጉልባበይ

ናይ ቐስታ መግረፍተስቓይ ክቐዝፍ ነዛ ክብርቲ ሂወተይ
ኣበደን ኣይምብርከክን ጽንዓት’ዩ ሓይለይ ዱልዱል’ዩ አምነተይ ።

ሓንቲ ዘይተላቡ ጥይት ንቕባጸት ንሞት
ዓባይ ህያብ’ያ ኣብ ምድረ ገሃነብ ኣብ ምረት።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...